ሰብ ሞያ ሕጊ ኣብ ሆስፒታል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ፓኪስታን ሆስፒታል ላሆር፡ ኣብ መንጎ ሰብሞያ ሕግን ሓካይምን ዝተልዓለ ጎንጺ ስዒቡ ሰለስተ ሕሙማት ሞይቶም።
እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ናብቲ ሆስፒታል ክፍሊ ሕክምና ልቢ ብምእታው ነቶም ሓካይም ክወቕዑን መሳርሒታት እቲ ሕክምና ክድርብዩን ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ኣሰር ቪድዮ የርኢ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝሰንበዱ ሓካይም፡ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ሕሙማት ገዲፎም ክሕብኡን ክሃድሙን ተገዲዶም።
ፖሊስ ነቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ዝተጠቐመ ኮይኑ፡ ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ እዩ።
ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ ክልተ ሰዓታት ከምዝወሰደ ሰብመዚ ይዛረቡ።
እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገለ መሳርሕቶም ግቡእ ክንክን ሕክምና ኣይተገበረሎምን ብምባል ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።
እቲ ትማሊ ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ሓደ ሓኪም ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንሰብ ሞያ ሕጊ ዝላገጽ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምልጣፉ እዩ።
ኣመሓደርቲ እቲ ሆስፒታል ከምዝገለጽዎ፡ 200 ዝኾኑ ሰብሞያ ሕጊ ናብቲ ሆስፒታል ጥሒሶም ብምእታው ኣብ ልዕሊ እቶም ሓካይምን ነቲ ኩነታት ክህድኡ ዝመጹ ሚኒሰተር ሓበሬታ ፋኣዙል ሓሰንን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብተወሳኺ፡ እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣብ ዝነበራ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ፈጺሞምን ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ኣቃጺሎምን እዮም።
ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበራ ሓንቲ ሰበይትን ክልተ ሰብኡትን ድማ፡ እቶም ሓካይም ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ገዲፎምዎም ስለዝሃደሙ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ኩነታት፡ 20 ሰባት ከምዝኣሰረን ኣብ ልዕሊ 250 ሰባት ክሲ ከምዝመስረተን ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



