ፌስቡክ 'ጽያፍ' ትሕዝቶታቱ ክኣልይ ክግደድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክ ኮነ ካልኦት መርበብ ሓበሬታታት ዝጠቅዑዎም ጽያፍ ትሕዝቶታት ከልግሱ ክግደዱ ከምዝኽእሉ ሓደ 'ታሪኻዊ' ዝተብሃለ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣመላኺቱ።
እቶም መርበብ ሓበሬታታት፡ ክሳብ ዝጥቆሙ ከይተጸበዩ፡ 'ሕጋዊ ኣይኮነን' ኢሎም ዝኣመኑሉ ዝኾነ ትሕዝቶ፡ ብዓርሰ ተበግሶ ከልግሱ ከምዝግባእ ድማ ካብቲ ዝተውሃበ ብይን ምርዳእ ተኻኢሉ'ዩ።
ሓደ በዓል ሞያ፡ ጽልውኡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መርበብ ሓበሬታታት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ እዚ ተመሓላሊፉ ዝተብሃለ ታሪኻዊ ብይን፡ ዓለምለኻዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ ኢሉዎ።
ፌስቡክ ግን ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ 'ሓሳብካ ብናጻነት ናይ ምግላጽ መሰል' ዓበይቲ ሕቶታት ዘልዕል ኣሰካፊ ብይን ኢሉዎ።
እቲ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ፌስቡክ ባዕሉ ኣሊሹ ዘይሕጋዊ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ክኣልይ ከምዘለዎ እዩ ዘርኢ ተባሂሉ።
እንተኾነ ሕጋውን ዘይሕጋውን ዝበሃሉ ድንጋገታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ስለዝፈላለዩ፡ ውጹእ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ዘየለሉ ኩነታት ከመይ እዩ ተግባረዊ ክኸውን፡ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ'ሎ።
ብፍላይ ንሰብ ፌስቡክ ድማ ጭንቂ ፈጢሩሎም ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



