እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰልፊ ኣካይዶም
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
ከተማታት ባህርዳር፣ ወልዲያን ደብረ ማርቆስን ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰልፊ ካብ ዝተኻየደለን ከተማታት ክልል ኣምሓራ እየን።
ሰልፈኛታት፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ቤተክርስትያን፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ምእመናንን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጸውዕ መልእኽቲ ሒዞም ወጺኦም።
"ጥፍኣተ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ይቕረቡ" ክብሉ ድማ ድምጾም ኣስሚዖም።
ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ይካየድ ንዘሎ ሰልፊ የተሓባብሩ ካብ ዘለዉ ሓደ ዝኾኑ ኣይተ በሪሁ ተስፋዬ "ብዙሓት ሰባት ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ይሳተፉሉ ዘለዉ ሰልፊ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ድምጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ይሰማዕ" ከምኡ ድማ "ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክሳውያንን ዝፍጸም ቅትለት ደው ይበል" ዝብሉ ጭርሖታት ጎሊሖም ይስምዑ ምህላዎም ሓቢሩ።
ቅድሚ ሰሙን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም ነይሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ኣብያተ ክርስትያን ዘቃጸሉን ምእመናን ዝቐተሉን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣብ ዝጸውዑ ሰልፍታት "መንግስቲ ንቤተክርስትያን ከኽብር ይግባእ" ዝብል ተመሳሳሊ መልእኽቲ'ውን ተሰሚዑ።