ማክሮን ዝወጠኖ ጡረታ ዝምልከት ምምሕያሽ፡ ዓብዪ ተቓውሞ ገጢምዎ

ሓንቲ ሰበይቲ ስኩተር እናተጠቐመት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ መንገድታት መጉዓዝያ ብምጥቃም ናብ ዋኒኖም ይወፍሩ
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ማክሮን ተሊምዎ ዘሎ ጡረታ (መልዕሎ) ዝምልከት ምምሕያሽ ብምቅዋም፡ ሰራሕተኛታት መጉዓዝያ ፓሪስ ኣድማ ብምግባሮም፡ እታ ከተማ ብብዝሒ መካይንን፡ ሰባትን ተጨናኒቓ ምህላዋ ተገሊጹ።

ካብ 16 መስመራት እቶም ዓሰርተ ክዕጸው እንከለው፡ ኣብቶም ዝተረፉ'ውን እቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ተረቢሹ ኣሎ።

ብዙሓት ናብ ስራሕ ንምኻድ ዝተጸገሙ ሰራሕተኛታት ክቦኽሩ ከለው፡ ካልኦት ብብሽክለታን ብእግርን ክጓዓዙ ተገዲዶም ኣለው።

ካብ 2007 ንደሓር ዝዓበየ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ እዚ ኣድማ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ተሊምዎ ንዘሎ ውጥን ብምቅዋም ዝተገበረ ናይ መጀመርታ ዝዓበየ ስጉምቲ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ውጥን፡ ብርክት ናይ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሞያታት ናይ መልዕሎ (ጡረታ) ኣሰራርሓ ክቕይር እዩ።

ጠበቓታት፡ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየርን፡ ጥዕናን ዝርከብዎም ኣብ ካልእ ሞያ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት'ውን ንሰኑይ ኣድማ ጸዊዖም ኣለው።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ናይ 235 ኪሜ ናይ መካይን ምጭንናቕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ሰብ መዚ ገሊጾም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space