ፌስቲቫል ዙሪክ፡ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ካብ ዶብ ስዊዘርላንድ ክምለሱ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Empics
መበል 17 ፌስቲቫል ባህልን ስፖርትን ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ክካየድ ካብ ዝጅምር ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ።
ኣብቲ ፌስቲቫል ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጽኡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ጉዳይ ኢሚግሬሸን ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከም ዘይከኣሉ ተገሊጹ።
ስዊዘርላንድ እትኽተሎ ጥቡቕ ቁጽጽር ዶባት፡ እቶም ካብ ፈረንሳ[ይ]ን ጀርመንን ዝኸዱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ካብቲ በዓል ክተርፉ ገይሩ'ሎ።
እቶም ካብ ዶብ ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን ብባቡር፣ ኣውቶብሳትን መኪናን ተጠቒሞም ናብ ዙሪክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ እዮም።
ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ንዘቕረብዎ ሕቶ ዕቑባ መልሲ ዘይረኸቡ ከምኡ ድማ ኣብተን ሃገራት መንበሪ ፍቓድ እምበር ዜግነት ዘይተወሃቦም ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ፌስቲቫል ፕረዚደንት ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ [ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣውሮጳ] ዝኾነ ኣይተ ኣሳየሀኝ ጥላሁን፡ እቲ ክስተት ድሕሪ ሕዚ ፌስቲቫል ዝካየደላ ሃገር ኣብ ምሕራይ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድልይ ዘምህር ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
"ክሳብ ሎሚ ኣብ እንግሊዝ ክነዳልዎ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ምእታው ኣጸጋሚ ስለዝኾነ'ዩ፤ ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጓኒፉና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



