ጥልያን፡ ስደተኛታት ካብ ናይ ግብረሰናይ መርከብ ኣብ ገማግም ክራገፉ ኣፍቂዳ

ካብ ገማግም ሊብያ ዝደሓኑ ኣርብዓን ሓደን ስደተኛታት ካብ ናይ ግብረሰናይ መርከብ ኣብ ገማግም ጥልያን ተራጊፎም። ካፕተይን እታ መርከብ ኣብታ ሃገር ክልኩል ዝተገብረ ምርጋፍ ስደተኛታት ከም ዘይቅበሎ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ገሊጹ ነይሩ።
ዝተዋህባ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ብምኽንያት ኣብ ውሽጣ ዝተፈጥረ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኩነታት ጽሬት፤ መርከብ ኣሌክስ ብቐዳም'ያ ናብ ወደብ ዝተጸግዐት።
ንሰዓታት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ድሕሪ ምጽንሖም ኩሎም ተሳፈርቲ ከም ዝተራገፉ ተፈሊጡ።
ሚኒሰተር ውሽጢ ዓዲ ጥልያን ማትዮ ሳልቫኒ ኣቀዲሙ ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ከም ዘይራገፉ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ቀጥታዊ መስመር ፈይስ ቡክ ቀሪቡ ፤ "ሎሚ ካብ መንግስቲ ጀርመንን ስደተኛታት ምእንቲ ክራገፉ፡ ወደባት ክኸፍቶም ዝሓትት ደብዳቤ ተቐቢለ፡ እዚ ግን ፍጹም ዘይከውን ኢዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ ወደባት እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኹለን ናይ ህይወት ምድሓን መራኽብ ዕጽው ገይርዎ ኢዩ። ዝኾነት መርከብ ብዘይፍቃድ መንግስቲ ጥልያን ናብ ማያዊ ግዝኣታ ዝኣተወት ድማ ትቕጽዓሉ ስርዓት ኣተኣታትዩ።
ንመርከብ ኣሌክስ ዘካይድ 'ማይግረሽን ቻሪቲ ሜዲተራኒያን'፡ እቶም ስደተኛታት ካብ መርከብ ክወርዱ ዘርኢ ኣሳእል ዘርጊሑ'ዩ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር ነታ መርከብ ከም ዝሃገርዋን፤ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብምሕጋዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ካፕተይን መርመራ ከም ዝጀመሩን ኣፍሊጦም።
ወሃቢት ቃል 'ማይግረሽን ቻሪቲ ሜዲተራኒያን' ኣሌሳንድራ ሲዩርባ ነቲ ኹነታት ክትገልጾ ከላ፤ " ዘይእመን ኩነታት ኢዩ ነይሩ፡ ሰባት ሃለዋቶም ከጥፍኡ ቅሩብ'ዩ ተሪፍዎም ነይሩ። ዓይኒ ምድሪ ይሰርሕ ኣይነበረን። ልክዕ ከም ዝተጨወና ኢዩ ዘምስል ነይሩ" ኢላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ካልእ ኣለን ኩርዲ ዝተሰምየት ብ'ጀርማን ቻሪቲ ሲኣይ' ትመሓደር ዘይመንግሰታዊት መርከብ ንመርከብ ኣሌክስ ተኸቲላ ናብ ጥልያን ክትመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ መገዳ ናብ ማልታ ከም ዘበለት ኣፍሊጣ ኣላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



