ፍራንክ ላምፓርድ፡ ቸልሲ ንተጻዋቲ እታ ጋንታ ነበር ሓድሽ ኣሰልጣኒ ገይራ መዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቸልሲ ንተጻዋቲ እታ ጋንታ ነበር ፍራንክ ላምፓርድ ሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ገይራ መዚዛቶ።
ወዲ 41 ዓመት ላምፓርድ ነታ ን13 ዓመታት ተጻዋታይ ኮይኑ ዝተሰለፈላ ጋንታ ቸልሲ ብኣሰልጣንነት ንኽኣልያ፡ ነታ ከሰልጠና ዝጸንሐት ጋንታ ደርቢ ተሰናቢቱ ወጺኡ'ሎ።
ላምፓርድ፡ ነቲ ናብ ኢጣልያዊት ጋንታ ጁቬንቱስ ዝኸደ ኣሰልጣኒ ማውሪዝዮ ሳሪ ብምትካእ'ዩ ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ተመሊሱ።
ንሱ ንቸልሲ ኣብ 648 ግጥማት ተሰሊፉ እዩ። ምስታ ጋንታ ኮይኑ ድማ 11 ዓበይቲ ዋናጩ ኣልዒሉ።
"ናብ ቻልሲ ብኣሰልጣንነት ክምለስ ምክኣለይ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዓኒ" ኢሉ ላምፓርድ።
"ነታ ጋንታ ዘለኒ ፍቅሪ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሓበራዊ ታሪኽ ሰሪሕና ኢና። ይኹን'ምበር ኣብ ደርቢ ኣብ ዝነበርክሉ መንፈሰይ ኣብ ስራሕ'ዩ ዘድህብ ዝነበረ፡ ንናይ ዝመጽእ ዓመት ውድድር ድማ ምድላው እገብር ነይረ" ክብል ተዛሪቡ።
ናብታ ጋንታ ዝተጸምበረሉ ምኽንያት ጠንኪርካ ንምስራሕ ከም ዝኾነ ዝተዛረበ ላምፓርድ፡ ንውጽኢታውነት ክሰርሕ ከም ዝጅምር ገሊጹ።
ወናኒ ቸልሲ ዝኾነ ሮማን ኢብራሂሞቪች ነታ ጋንታ ካብ ዝገዝኣሉ 2003 ንደሓር ብቐዋምነት ካብ ዝተቖጽሩ ኣሰልጠንቲ ላምፓርድ እቲ 10ይ ኮይኑ'ሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



