ስድራ ብግፍዒ ዝተቐትለት ዘውዱ ሃፍቱ ኣብቲ ሎሚ ዝተውሃበ ብይን ቤት-ፍርዲ እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ስድራ ናይታ ብ13 ነሓሰ 2015 ብኣቈፃፅራ ግእዝ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ብፀጕራ ተጐቲታ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ብዘስካሕክሕ ኵነታት ብመኪና ተጨፍሊቓ ዝተቐተለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ፡ ሎሚመዓልቲ ብማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብዝተዋህበ ፍርዲ ዕጉባት ከምዘይኮኑ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ሎሚ 4 ሓምለ 2017 ዓ/ም ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሴ በላይን ካልኣይ ተኸሳሲ ኣንገሶም ሃይለማርያም ንጉስን ፍርዲ ቅፅዓት ኣሕሊፉ።
እቶም ብቕትለት ዘውዱ ዝተኸሰሱ ክልተ ተኸሰስቲ፡ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ንዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ እዩ ተፈሪድዎም።
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብዛዕባ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ስድራቤት ናብ መጋባእያ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ'ውን ሓፍታ ብርቱካን ሃፍቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።
'ጉዳይ ሓፍትና ኣብ ዕልባት ብምብፅሑን ቀተልቲ ሓፍትናን ብምፍራዶምን ሩፍታ'ኳ እንተፈጠረልና፡ ብዘስካሕክሕን ካብ ወድሰብ ብዘይትፅበዮን ዘስካሕክሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ሓፍትና ተፈፂሙ ከብቅዕ፡ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ፍርዲ እኹል ኣይኮነን ኢልና ኢና ንኣምን' ብምባል፡ ስድራ ዘውዱ ሃፍቱ በቲ ብይን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ገሊፃ።
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ተኸሰስቲ ያሬድ ገብረስላሴ በላይን ኣንገሶም ሃይለማርያም ንጉስን በቲ ገበን ገበነኛታት ብምባል፡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎም።
ንእሽተይ ሓፍቲ ዘውዱ ሃፍቱ ዝኾነት ብርቱካን ሃፍቱ፡ "እቲ ፍርዲ ካብዚ ዝኸበደ ክኸውን ነይርዎ" ብምባል እቲ ቅፅዓት ምስቲ ዝተፈፀመ ገበን ዘይመጣጠን ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊፃ።
ስድርኣ ነቲ ብይን ፡ንውሳነ ቤት ፍርዲ ካብ ዝተኸታተሉ ጋዜጠኛታት ከምዝሰምዑ ዝገለፀት ብርቱካን፡ "እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ልዕሊ ዘውዱ ብዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ቅትለት፡ ካብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ንላዕሊ ክፍረዱ ኣለዎም ኢልና ንኣምን" ኢላ።
ንሳ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ቅፅዓት ኣብ ዝሃበሉ መጋባእያ፡ ስድራቤት ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ'ኳ እንተገለፀት ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ካብ ምግላፅ ግን ተቖጢባ።
ሓፍቲ መዋቲት ብተወሳኺ፡ በቲ ገበን ተጠርጢሮም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሴ በላይን ካልኣይ ተኸሳሲ ኣንገሶም ሃይለማርያም ንጉስን ኣብ ወረዳን ዞባን ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ 'ቅትለት ኣይፈፀምናን' ኢሎም ከም ዝተኻትዑን ንምንታይ ነቲ ቅትለት ከም ዝፈፀሙ ዝተገለፀሎም ነገር ከም ዘየለ ድማ ትሕብር።
"ናተይ ሕቶ ስለምንታይ ንሓፍተይ ቀቲሎማ እዩ" ብምባል ቅትለት ዘውዱ ሓፍታ ነቲ ስድራቤት ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሐ ግድል ኮይንዎ ከምዘሎ ድማ ብምስቁርቋር ትገልፅ።
ዘውዱ ኣብ ከተማ መቐለ ማይ ኣንበሳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ።ስድርኣ ካብ ዝተረፍዎም ሰለስተ ቆልዑ ድማ ሓንቲ ነይራ።
ንእሽተይ ሓፍቲ ዘውዱ ዝኾነት ብርቱካን፡ እቲ ፍርዲ ቅፅዓት ስድራቤት "ቀተልቲ ሓፍቶም ክፈልጡ ዘኽኣለን ንኻልኦት ድማ ትምህርቲ ዝኸውንን'ዩ" ኢላ።
ዘውዱ ሃፍቱ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ተጐቲታ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ካብ ትቕተል ኣስታት ክልተ ዓመት ዝገበረት እንትኾን፡ፍርዲ እንከይተወሃበ እዩ ፀኒሑ።
ነዚ ጉዳይ ክምርምሩ ዝፀንሑ ፖሊስን ዳያኑ ኣብያተ ፍርድን እውን፡ ከቢድ ፀቕጥን ምፍርራሕን ይበፅሖም ከም ዘሎ ምግላፆም ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



