ሞቕታዳ ኣ'ሳድር፡ 'ብጐነጽ ዝሓበለ ሰውራ፡ ሰውራ ኣይኰነን'

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ባቕዳድ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ዝቐነየ ሞትን ዕግርግርን፡ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዎ ጸላዊ ፖለቲከኛ ‘ታ ሃገር ዝዀነ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ደገፍቱ ተቓውሞን ዕግርግርን ደው ከብሉ ድሕሪ ዘቕረቦ መግናሕትን ምሕጽንታ ሃዲኡ'ሎ።
ንሱ፡ ትማሊ ብተሌቭዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ብዓመጽን ጐነጽን ዝሓበለ ሰውራ፡ ሰውራ ኣይኰነን፡" ብምባል ደገፍቱ ካብቲ ወሪሮም ሒዞምዎ ዝቐነዩ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ክወጽኡ ጸዊዑ።
ኣብታ ሃገር፡ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ፡ ደገፍቲ ኣ’ሳድር ኣብ ህንጻ ባይቶ ‘ታ ሃገር ንሰሙናት ዓሪዶም ተቛውሞኦም ከስምዑ ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ።
ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ‘ቲ ውሩይ ፖለቲከኛ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕን ምስ ኢራን ሕብረት ዘለዎም ሚሊሻታትን ብዝተፈጠርዎ ግጭት፡ ብውሑዱ 23 ሰባት ተቐቲሎም።
እዚ ኣብ መወዳእታ ዝዓረገ ዕግርግር፡ ሞቕታዳ ንነብሱ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት 'ታ ሃገር ከግልል ከም ዝወሰነ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ንሱ ነዚ ውሳነኡ’ዚ ዘፍለጥ፡ ድሕሪ’ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ መንግስቲ ንምቛም ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ እዩ።
ሞቕታዳ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተደጋጋሚ ካብ ፖለቲካ ጥሮታ ከም ዝወጽአ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ ግን፡ እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ’ውን “ታክቲክ” ናይቲ ፖለቲከኛ እዩ፡ ይብሉ።
ፖለቲካዊ ቀጽሪ ኣ’ሳድር፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዒራቕ ዝበዝሐ መናብር ከም ዝተዓወተ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምስቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተዓወተ ብኢራን ዝድገፉ ሰልፊታት ሺዓ ዝሓቘፈ ሕብረት ተቓወምቲ ሰልፊታት ግን፡ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ኣብ ምምስራት ክሰማማዕ ኣይከኣለን።
ኣቐዲሙ ምስ ኢራን ርክብ ዝነበሮ ኣ’ሳድር፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ምስ ኢራን ዝነበሮ ርክብ በቲኹ፡ “ዒራቕ ካብ ጽልዋታትን ምትእትታዋትን ኣሜሪካን ኢራንን ሓራ ክትከውን ኣለዋ” ዝብል ሃገራዊ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዘይርጕእ ፖለቲካ ዒራቕ
ዓመታት ዝቐጸለ ዕግርግርን ጕጅለታትን፤ ካብቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራርን ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴንን ኣትሒዙ፡ ዘይምርግጋእን ምዕባይ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ርእያ እያ። እዚ ኸኣ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ወጥርን ምትፍናንን ክትነብር ገዲድዋ እዩ።
ክብደት ንቡር መዓልታዊ ህይወት፤ እታ ሃገር ብነዳዲ ሃብታም’ኳ እንተዀነት፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ግን ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ስሩት ብልሽውናን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ይሳቐዩ፤ ነዚ ኸኣ ተኸታተልቲ መንግስታት ተሓተትቲ እዮም።
ውሽጣዊ ወጥሪ፤ ኣብታ ሃገር እቶም ብዙሓን፡ ተኸተልቲ ሺዓ ዓረብ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሳዳም ሑሴን ተጸቒጦም ዝነበሩ እዮም። ድሕሪ 2003 ኣብ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኵነታት ግን ዕድል ስለዝረኸቡ ብፖለቲካዊ መዳይ ሓይሎም ወጺኦም፤ እዚ ኸኣ በቶም ኣዕራብ ሱኒ፡ ኩርዳውያንን ካልኦት ውሑዳን ማሕበረሰባትን ቂምታ ፈጢሩ።
ድሕረ ባይታ
ሰኑይ ዝተኸሰተ ዕግርግር፡ ድሕሪ’ቲ ክኸርር ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ደገፍቲ ኣ’ሳድር ንህንጻ ፓርላማ ዒራቕ ንኻልኣ ግዜኦም ድሕሪ ምውራሮም ዝተፍጥረ እዩ።
ሞቕታዳ፡ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ጥሮታ ከም ዝወጽእ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ሰልፈኛታት ብቕጽበት ነቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ፡ ኣብ ማእከል ባቕዳድ ዝርከብ፡ “ሓምላይ ዞባ” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ዝተደኰነ ቤተመንግስቲ ‘ታ ሃገር ኣዕለቕሊቘምዎ።
ሰዓብቲ ቀጽሪ ሺዓ ዝዀኑ ተቓወምቲ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ተዅሲ ከፊቶም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝተራእየ ዝኸፍአ ዕግርግር ፈጢሮም።
ኣውቶማቲክ ጠበናጁን ሮኬታትን ተጠቒሞም ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ገጢሞም ክታዀሱ ከም ዝተራእዩ ኸኣ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ትማሊ ሰሉስ ንግሆ እምበኣር፡ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ሰዓብቱ ንዅሉ ጐነጻዊ ተግባሮም ደው ከብሉ ኣዚዙ፣ ነቲ ዝተፈጥረ ምፍሳስ ደም ድማ ንህዝቢ ዒራቕ ይቕረታ ሓቲቱ።
“እዚ ሰውራ’ዚ፡ ብጐነጽ ዝሕበለ ክሳብ ዝዀነ ሰውራ ኣይኰነን” ክብል፡ ብተለቪዥን መዲሩን ንሰዓብቱ ገኒሑን።
ነዊሕ ከይጸንሐ ኣማኢት ኣሽሓት ደገፍቱ፡ ካብቲ ሓምላይ ዞባ ለቒቘም ክወጽኡ እንከለው፡ ሰራዊት ‘ታ ሃገር ከኣ ነቲ ኣጽኒዕዎ ዝነበረ ሰዓት እቶ-እቶ ብኡ ንብኡ ኣልዒልዎ።
እቲ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዎ፡ ወዲ 48 ዓመት ጸላዊ ፖለቲከኛ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ኣንጻር’ቲ ንተራ ዒራቓውያን ግዳይ ዝገበረ፡ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና፡ ድኽነት፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ቀንዲን ሓያልን ተቓላሲ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



