ትሑት
ጸቕጢ ደምኩም ንቡር ድዩ? ክትፈልጡ ነዚ መገዲ ፈትኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዑል ጸቕጢ ደም እንተሃልዩካ ንምፍላጥ መርመራ ምግባር እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ምልክታት ስለዘይስምዖም።
ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ምስ ልዑል ጸቕጢ ደም ዝነብሩ 1.3 ቢልዮን ሰባት ንኹነታቶም ኣይፈልጡን እዮም።
ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዝርገሐ ልዑል ጸቕጢ ደም (27%) ክህልዋ እንከሎ፡ ኣመሪካ ድማ ዝወሓደ ዝርገሐ (18%) ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
ትሑትን ማእከላይን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘቃልዑ ረቛሒታት ብምውሳኾም ቁጽሪ እቲ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ክብ ክብል ተራእዩ።
ሕክምና ዘይተገበረሉ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ንከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዒን ጸገም ኩሊትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ይውስኽ።
ብዙሓት ብኣግኡ ናብ ሞት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ልዑል ጸቕጢ ደም ብኣግኡ ንምፍላጥን ንምቁጽጻሩን ስሩዕ ምክትታል ምዝውታር ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ዝስዕብ ኣገባብ፡ ዝኾነ ሰብ ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎ ተቓላዕነት ንምፍላጥ ከምኡ'ው ንባብ ጸቕጢ ደምና እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ኣብ መለክዒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተመርኲሱ ዝተዳለወ እዩ።
ንጥዕናና ክትወስዶም ዘለና ስጉምትታት ንምምራሕ እውን ይሕግዘና። ስለዚ ነቲ መምርሕታት ብዝግባእ ተረዲእና ንፈትኖ።
ናብ ልዑል ጸቕጢ ደም ዝተቓላዕኩም እንተኾይንኩም ኣረጋግጹ
ጸቕጢ ደምኩም ጥዑይ ደረጃ'ዶ ይርከብ?
ንባብ ጸቕጢ ደምኩም እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥን ቀጻሊ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩምን ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ኣገልግሎት ተጠቐሙ።
ገምጋም ንባብ ልዑል ጸቕጢ ደምኩም ተወከሱ
ጸቕጢ ደም ብኽልተ ቁጽሪታት ይጽሓፍ። 'ሲስቶሊክ ቁጽሪ' ልቢ ክትጭበጥ ወይ ክትሃርም ከላ ኣብ ሰራውር ደም ዝፍጠር ጸቕጢ ይውክል። 'ዲያስቶሊክ ቁጽሪ' ልቢ ኣብ መንጎ ህርመት ኣብ እትዓርፈሉ እዋን ኣብ ሰራውር ደም ዝህሉ ጸቕጢ ይውክል።
ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ግዝያት ዝተረኸቡ ንባብ ጸቕጢ ደምኩም ኣብ ታሕቲ ኣእትውዎ
ንባብ ጸቕጢ ደምኩም፡
ቀዳማይ ንባብ
ካልኣይ ንባብ
ምቕማር ሓደጋ ልዑል ጸቕጢ ደም
ድያስቶሊክ ንባብ
ታሕተዋይ ቁጽሪ
ሲስቶሊክ ንባብ
ላዕለዋይ ቁጽሪ
ሓደጋ - ጸቕጢ ደም፡
ንቡር
ቅድመ ልዑል ጸቕጢ
ቀዳማይ ደረጃ ልዑል ጸቕጢ
ካልኣይ ደረጃ ልዑል ጸቕጢ
ብውሕዱ ሓደ ቅኑዕ ንባብ የድልይ
ንባብ ጸቕጢ ደምኩም ምርዳእ
ልዑል ጸቕጢ ደም ዝፍለጥ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ መዓልታት ተዓቂኑ፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልታት ዝነበረ ንባብ ሲስቶሊክ ጸቕጢ ደም ≥140 ሚ.ሜ.mmHg ከምኡ’ውን/ወይ ድማ ኣብ ክልቲኡ መዓልታት ንባባት ጸቕጢ ደም ዲያስቶሊክ ≥90 mmHg ምስ ዝኸውን እዩ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካልእ ንባብ ውሰዱ
-
ማዕዳ ኣብ ዝቕጽሉ መስርሓት
ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ምስ ዝረኣይኹምን ልዑል ጸቕጢ ደምን ምስ ዝህልወኩምን፡ ብህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ሕተቱ
- ሕውዝውዝ ምስ ዝብለኩምን ኣብ ምርኣይ ለውጢ እንተጋጥመኩምን
- ጽርውርው ምስ ዝብለኩም
- ከቢድ ቃንዛ ርእሲ
- ጭንቀት
- ቃንዛ ኣፍልቢ
- ሕጽረት ምስትንፋስ
- ዕውልውል ምስ ዝብለኩም
- ተምላስ
- ደንገርገር ምባል
- ኣብ እዝንኹም ጭው ምስ ዝብለኩም
- መድመይቲ ኣፍንጫ
- ዘይንቡር ህርመት ልቢ
-
ልዑል ጸቕጢ ደም ተኸላኸሉ
ልዑል ጸቕጢ ደም ንምጉዳል ክንከተሎም ዘለና ኣገባብ ኣነባብራ
- ጥዑይ ኣመጋግባ
- ውሑድ ጨው ምዝውታር
- ክብደትካ ምንካይ
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር
- ምትካኽ ትምባኾ ምቁራጽ
መዘኻኸሪ፡
ልዑል ወይ ትሑት ጸቕጢ ደም ከም ዘሎና ከረጋግጽ ዝኽእል በዓል ሞያ ሕክምና ጥራይ እዩ።
ምንጪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃገራዊ ማእከል ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዓባይ ብሪጣንያን
ንብረውዘርኩም' ኣሐድስዎ








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



