እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቕትለት በረኸት ሰሎሞን ሓሙሽተ ሰባት ብገበን ተኸሲሶም
ምስ ቅትለት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝተኣሳሰር፡ ሓሙሽተ ሰባት ብገበን ቅትለት ክሲ ከምዝቐረበሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተደጋጋሚ መውጋእቲ ካራ ሞይቱ ምስ ዝተረኽበ ኤርትራዊ በረኸት ሰሎሞን ተኣሳሲሩ፡ ወዲ 23 ዓመት ጀላኒ ዑመር፡ ወዲ 23 ዓመት ሮቤል ምስግና፡ ወዲ 23 ዓመት መልኣከ ፍሰሃ፡ ወዲ 20 ዓመት ተመስገን ገብረመድህን ከምኡ'ውን ወዲ 18 ዓመት ናትናኤል ሓድጉን ምዃኖም ፖሊስ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣፍሊጡ።
እዞም ጥርጡራት፡ ኣብቲ 'ቲ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ በረኸት ሞይቱ ዝተረኽበሉ፡ ካብ ለንደን ንሰሜን ገጹ ኣብ ዝርከብ ስቲቭናጅ ዝበሃል ቦታ ዝነብሩ ምዃኖም እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ሬሳ ምስ ተረኽበ፡ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ጠንቂ እቲ "ጨካን መጥቃዕቲ" ክብሉ ዝገለጽዎ ኢሰብኣዊ ቅትለትን ገበንን እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለን ብምሕባር፣ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሑ ከምዘለው ብምግላጽ፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ሓበሬታ ዘለዎ ዝዀነ ምስክር ክተሓጋገዞም ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም።
ዓቕመ ኣዳም ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰሎሞን፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ሓደ ኣግራብ ዝበዝሖ ጫካ’ዩ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካራ ተወጊኡ ሞይቱ ተረኺቡ።
እዞም ብቕትለት ሰብ ተኸሲሶም ዘለው እንታዎት እዮም?
እቶም ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ብቕትለት ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ መንእሰያት፡ ጀላኒ ዖመር ካብ ፕላሽ ድራይቭ - ስቲቭናጅ፤ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሮቤል ምስግና፡ መልኣከ ፍሰሃ ካብ ማኖር ቪው - ስቲቭናጅ፤ ተመስገን ገብረመድህን ካብ ቤድዌል ክረሰንት - ስቲቨናጅን፡ ናትናኤል ሓድጉ ከኣ ካብ ሪፖን ሮድ - ስቲቨናጅን እዮም።
ፖሊስ ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ሓሙሽተ ክሱሳት፡ ብቕትለት በረኸት ሰሎሞን ክሲ መስሪቱሎም ኣሎ።
ሓደ ስሙ ዘይተረቝሐ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን "ሓጊዙ" ዝተባህለ ሻድሻይ ሰብ እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።
ኣባል ኣሃዱ ምርመራ ዓበይቲ ገበናት፡ ኢንስፔክተር ኢያን ማክፈርሰን፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ብመንፈስን ሓሳብን ምስ ስድራ ቤት መዋቲ በረኸት ኣሎ" ክብል ናይ ሓዘን መግለጺ ሂቡ።
ፖሊስ ናይቲ ከባቢ እቲ ምርመራ ይቕጽል ምህላውን፡ ዝዀነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለኒ ዝብል ሰብ ክተሓባበሮምን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።