ዊል ስሚዝ ስለምንታይ ንክሪስ ሮክ ከምዝጸፍዖ ንፈለማ እዋን ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዊል ስሚዝ፡ ብሰንኪ ዝነበሮ "ዝተዓብጠ" ቁጠዐ ንኮመድያን ክሪስ ሮክ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር ክጸፍዖ ከምዝተደፋፍአ ተዛሪቡ።
እቲ ፍሉጥ ተዋሳኣይ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዘጋጠመ ፍጻመ ንፈለማ እዋን'ዩ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተዛሪቡ ዘሎ።
ንሱ፡ ሓዳስ ፊልም ንምፍላጥ ምስ ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥን 'ዘ ደይሊ ሾው' ዝኾነ ኮመድያን ትረቨር ኖዋ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "እንታይድ'ዩ መስለካ፡ ኣብታ ለይቲ ዘጋጠመኒ ነገር ነይሩ" ኢሉ።
"ዋላ'ኳ ንዘርኣኹዎ ስነምግባር ምኽኑይ ዝገብር እንተዘይኮነ. . .ዝተዳቐቑን ዝተሓላለኹን ነገራት ዝነበርዎ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
"በቃ ርእሰይ'የ ስሒተ" ብምባል ድማ፡ ናብኡ ዘብጽሖ ውህሉል ቁጠዐ ኣብ ውሽጡ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ሆሊዉድ ዝተኻየደ ጽንብል ሽልማት ኦስካር፡ ንሕጹያትን ዕዉታትን ንምፍላጥ ኣብ መድረኽ ዝደየበ ተዋዛያይ ክሪስ ሮክ ብዛዕባ ልጹይ ርእሲ ብዓልቲ ቤቱ ጄዳ ድሕሪ ምጭራቑ፡ በዚ ዝሓረቐ ዊል ስሚዝ ናብ መደረኽ ደዪቡ ነቲ ኮመድያን ጸፊዕዎ።
ኣብታ ምሸት፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ዊል ስሚዝ ሽልማት ኦስካር ከምዝተዓወተ ይዝከር።
'ሰባት ጎዲአ: ሰባት ጎዲአ'
"ክሳዕ ክንደይ ንሰባት ዘሰንበደ ምንባሩ ይርዳኣኒ'ዩ" ዝበለ እቲ ህቡብ ተዋሳኣይን ደራፋይን፡ "ከይደ'የ ነይረ። ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ዝጸንሐ ቁጠዐ'ዩ ነይሩ" ክብል ገሊጽዎ።
ዝፈጸሞ ተግባር ዘስዓቦ ጓሂን ቃንዛን ከምዝተረድኦ ዝገለጸ ስሚዝ፡ ወዲ 9 ዓመት ወዲ ሓፍቱ ኣብታ ምሸት ዝሃቦ ግብረመልሲ ዘኪሩ።
"ሽኮሪና ንእሽቶ ወዲ'ዩ. . . ንገዛ ተመሊስና፡ ንኣኮኡ ንምዕዛብ ከይደቀሰ ጸኒሑ። ኣብ ክሽነና ኮፍ ኢልና፡ ንሽልማት ኦስካር ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ሰለፈይ ተሰቒሉ ነይሩ። ድሓር 'ኣኮይ፡ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ሃሪምካዮ?' ይብለኒ"።
"ሕማቕ'ዩ ነይሩ" ክብል ነቲ ኩነታት እናነብዐ ተዛሪብሉ።
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ንፈለማ እዋን'ዩ ምስቲ ኣመሪካዊ መደብ ተለቪዢን ቃለ መሕትት ኣካይዱ።
ንትረቨር ኖዋ ኣብ ዝሃቦ መልሲ " ሰባት ጎዲአ ሰባት ጎዲአ' ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ብግብሪ ከስተውዕሎ ከምዝኻኣለ ይዛረብ።
እንታይ ከምዝደፋፍኦ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ "ብዙሕ ነገር'ዩ። እቲ ወላዲኡ ንኣዲኡ ክሃርማ ዝርኣየ ንእሽቶይ ቆልዓ'ዩ፡ ተረዲኡካ። ኩሉ'ዚ ኣብታ ህሞት ገንፊሉ። ከምኡ [ዓይነት ሰብ] ክኸውን ኣይኮነን ድልየተይ"።
ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ሓደ ዘቤታዊ ጎነጽ ዘለዎ ስድራቤት ከምዝዓበየ ቅድሚኡ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ። እቲ ንዛንታ ሂወቱ ዝገልጽ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ዘሕዘን ፍጻሜታት መጥቃዕቲ ኣቦኡ ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ይትርኽ። እቲ ሕማቕ ተመክሮ ንቁልዕነቱ ከምዝጸለዎን፡ ናብ ሞያ ስነጥበብን ፊልምን ክኣቱ ከምዝደረኾን'ውን ኣብቲ መጽሓፍ ኣዘንትዩ'ሎ።
'ጎደሎ ሰብ እየ'
ዊል ስሚዝ ኣብ መድረክ ሽልማት ኣካዳሚ ኦስካር ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ "ዘይቕቡልን ይቕረ ዘይብሃሎን" ባህሪ ከምዘርአየ ብምግላጽ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።
"ክሪስ፡ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓተካ ይደሊ፡ ዶብ ጥሒሰን ተጋግየን'የ" ኢሉ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ብቓሉ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "እቲ ሓደ ክብሎ ዝደሊ፡ ሰብ ብምንታይ ይሓልፍ ከምዘሎ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን እንታይ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ንዕዱማት ናይቲ መደብ እናመልከተ "ኣብዛ ግዜ እዚኣ እዞም ተዓዘብቲ፡ ጥቓ ዘይተፈልጥዎ ሰባት ኮፍ ኢልኩም ኣለኹም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወላዲቶም ዝመተቶም ይህልዉ. . .ቆልዓ ዝሓመሞም። ዝነበሮም ስራሕ ዝሰኣኑ። መጻምድቶም እሙናት ዘይኮኑ [ይህልዉ]" ኢሉ።
"ከምዚኦም ነገራት ኣለዉ፡ ሰባት ብምንታይ ይሓልፉ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣነ'ውን ዝሓልፎ ዝነበርኩ ነገር ነይሩኒ ኣብታ ምሸት"።
ድሕሪ'ቲ ጽንብል ሽልማት ኦስካር "ሰብ ብምዃነይ ንርሰይ ይቕረ ክብለላ ነይሩኒ"።
"እመነኒ፡ ሰብ ምዃነይ ካባይ ንላዕሊ ዘሕርቖ ዋላሓደ የለን. . . ኩሉ ሳዕ 'ሰፑርማን' [ካብ ሰብ ንላዕሊ] ክኸውን'ዩ ድልየተይ ነይሩ። ኩሉ ሳዕ ደበኽ ኢለ ንዝተወጽዐ ንምድሓን'ዩ ነይሩ ባህገይ"።
"ግና፡ ርእሰይ ከትሕትን ጎደሎ ሰብ ምዃነይ ከስተውዕልን ነይሩኒ። ሕጂ'ውን ናብ ዓለም ወጺአ ኣብ ልበይ ዘሎኒ ብምብርካት ንካልኦት ክድግፍ ተስፋ እገብር" ይብል ዊል ስሚዝ።
እቲ ወዲ 54 ዓመት፡ ብሰንኪ'ቲ ፍጻመ ኣብ ሽልማት ኦስካር ከይሳተፍ ን10 ዓመታት ከምዝተኣገደን፡ ካብቲ ነቲ ሽልማት ዘዳሉ 'ኣካዳሚ' ከምዝወረደን ይዝከር።
ብዓልቲ ቤቱ ዴዳ፡ 'ኣልፒሲያ' ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ'ቲ ፍጻመ ገሊጻ ምንባራ ይፍለጥ።
ሓዳስ ፊልም 'ኣግእዞ'
ዊል ስሚዝ ዝሰርሓ ሓዳስ ፊልም ንምፍላጥ'ዩ ትማሊ ሰኑይ ናብቲ መደብ ቀሪቡ ብዛዕባ'ቲ ናይ ኦስካር ፍጻመ ተዛሪቡ።
እታ 'ኣግእዞ' (ኢማኑስፔሽን) ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክትዝርጋሕ ትጽቢት ይግበር። እዚ ድማ፡ እታ ፊልእም ኣብ ዝቕጽል ሽልማት ኦስካር ንክትወዳደር ዕድል ዝህብ'ዩ።
ስሚዝ፡ ኣብታ 'ኪንግ ሪቻርድ' እትብል ንዛንታ ሂወት ወላዲ ፍሉጣት ተጻወቲ ቴንስ ባይታ ሰሬና ዊልያምስን ቨኑስ ዊልያምስን እትገልጽ ፊልም ብሉጽ ተዋሳይ ብምዃን ናይዚ ዓመት ሽልማት ኦስካር ዓቲሩ'ዩ።
እዛ ሓዳስ በቲ ፍጻመ ክትድወን ከምእትኽል ምሕሳብ ንባዕሉ "ጣዕ የብለኒ" ክብል ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
"እንተወሓደ ፍረ ጻዕሪ ናይቶም ኣብታ ፊልም ዝተዋስኡ ስነጥበበኛታት ክብሪ ክወሃቦን "ዕዮኦም በቲ ኣነ ዝፈጸምክዎ ዘሕዝን ውሳነ ከይጽየቕን ተስፋ እገብር"።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



