ክልል ሶማል፡ 'ስምዒት ምንጻል ዳርጋ ጠፊኡ እዩ' ፕረዚደንት ሙስጠፌ መሓመድ

ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ብዝለዓለ ደረጃ ናብ መንግስቲ ካብ ዝተጸንበሩ ኣካላት ሓደ ኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ሙስጣፋ መሓመድ ይርከብዎም።
ሙስጠፌ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኬንያ መጺኡ ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ሶማልያ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሰበስልጣን ካብታ ምስ ሶማልያ እትዳወብ ኣውራጃ ጋሪሳ ዝርርብ ኣካይዱ።
ዑደት እቲ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት ሶማልያውያን ምትሕብባርን ምርድዳእን ንምሕያል" ዝዓለመ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ኣቶ ሙስጠፌ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቢቢሲ ሶማልያን ቢቢሲ ኣምሓርኛን ቃለ መሕትት ኣካይዱ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት እቲ ንሱ ዘመሓድሮ ክልል ሶማልያ፡ ኣብቲ ዓዲ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ፡ ከምኡ'ውን ተቓዋሚ ግንባር ሃገራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ሓቲቶምዎ።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ሕጂ ናይሮቢ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ናይቲ ዝጸንሐ ምምሕዳር ሓያል ነቓፊ ኢኻ ነይርካ። ብፍላይ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድምጽኻ ተስምዕ ከምዝነበርካ ይፍለጥ'ዩ። ስልጣን ምስተወሃበካ ምምራሕ ከም ምንቃፍ ቀሊል ድዩ? ካብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ዝተፈልየ እንታይ ሰሪሕኩም?
ሙስጠፌ፤ ስሩዕ ፖለቲካ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ እዚ ሕቶ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኴንካ ዝተፈላለየ ክመስል ይኽእል እዩ።
ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምስ መጻእካ፡ ብደገ ዘይረኣኻዮም ብዙሓት ዝተሓላለኹ ነገራት ከምዘለዉ፡ ኵሉ ጸሊምን ጻዕዳን ከምዘይኮነ ዝያዳ ከምዝበርሃልካ ተረዲአ ኣለኹ።
ብመንጽር እቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ግን ዝተፈልየ ነገር የለን። ኣዝዩ ሱር ዝሰደደን ዘስካሕክሕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተርኣየሉ ኵነታት ክሓስቦ እንከለኹ ግን እቲ ግፍዒ ደው ንኽብል፡ ዳግማይ ከይፍጸም ምክልኻል፡ ሞራላዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። እንተዀነ ነቲ ብደገ ኰይነ ዝነቕፎ ዝነበርኩ ተርእዮታት ተጋግየ ነይረ'የ ዘብል ኣይኰነን።
ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ፡ ሰባት ብሓሳባቶም ይቕተሉ፡ ጃምላዊ መቓብር ኣሎ። ኣላህ ረዲኡኒ ኣብቲ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም ናብቲ ኵነታት ዘይምእታወይ ዓቢ ሞራላውን ሕልናዊን ዕግበት ይስምዓኒ።
ቢቢሲ፤ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ብመንጽር እቲ ቅድመኻ ዝነበረ ምምሕዳር ኣብዲ ኢለ ክትግምግሞም ከለኻ 'ብዙሕ ለዊጠ'የ' ዝብል ስምዒት ዓወት ኣለካ ዶ?
ሙስጠፌ፤ ዓቢ ናይ ዓወት ስምዒትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ይስምዓኒ። ንኣብነት ንምጥቕላል፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ነይሩ፣ ሕጂ የለን። ሰላም ኣይነበረን፤ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ሰላም ኣሎ።
ብመንጽር ልምዓት ድማ እቲ ክልል ካብ ዝምስረት ኣብ 30 ዓመታት ምስ ዝተወገኑ ስርሓት ዝመጣጠን ስራሕ ኣብ ኵሉ ዓውድታት ሰሪሕና ኢና። ግዜ እንተዝህልወና፡ ብቝጽርን ብመረዳእታን እንተዘቕርቦ ዝያዳ ተኣማንነት ምሃለዎ ነይሩ።
ቢቢሲ፤ ብልሽዉና ግን ሕጂ እውን ኣብቲ ክልል ብሰፊሑ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
ሙስጠፌ፤ ኣይፋልን! ኣነ ክልል ሶማል ካብ ዝምስረት ንደሓር እቲ ዝጸረየ ምምሕዳር እየ ዝመርሕ ዘለኹ። ጽሩይ [ምምሕዳር] እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ንምንታይ ድኣ'ዩ ኣብ ክልልና ብልሽውና ገኒኑ ዝዝረበሉ ዘሎ? እንተይልና ግን 'ስርዓታዊ' እዩ'ኳ እንተዘይበልኩ ኣብ ኵሉ ቦታታት ጸገማት ኣሎ።
ካልኣይ ግን እዚ ኣጀንዳ ኣዐርዩ ክውረ ስለዝተደለየ'ዩ። ንኣብነት 'ብልሽውና ኣሎ' ዝበሃል ዘሎ መን ምስ መን ብምውድዳር'ዩ?
ምስቲ ቅድመይ ዝነበረ ስርዓት ክነጻጸር ከሎ፡ ንግዲ ዝቈጻጸረሉ፡ ዝዀነ ሰብ ዘይነግደሉ፡ መስርሕ ጨረታ ዘይብሉ፡ እቲ ክልል ካብ ባጀቱ 15 ሚእታዊት ጥራይ ዘሽፍነሉ፡ 85 ሚእታዊት ድማ ብድጎማ ፈደራል ዝድገፈሉ ኵነታት እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ኵነታት ክልልና 45 ሚእታዊት እቶታ ብባዕላ ትሽፍን። ናይ ሎሚ ዓመት በጀት እንተርኢና 40 ቢልዮን ብር እዩ። ኣስታት 23 ቢልዮን ፈደራል [ድጎማ] እዩ፤ 17.6 [ሚእታዊ] ብናይ ክልልና መንግስቲ ዝሽፈን'ዩ።
ስለዚ፡ ነቲ መለክዒታትን መረዳእታን እንተርኢና፡ ንብልሽውና ብዝለዓለ ደረጃ ንምምካት ዝሕግዙ ስጕምትታት ኣቐሚጥና ኣለና። ናብቲ ክልል ክኸይድ ከለኹ፡ ኵሉ ሰብ ኮንትራክተር ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ።
ሎሚ እዚ የለን፤ ስርዓት ጨረታ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓት ዕድጊ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFE M. OMER/X
ቢቢሲ፤ ክልል ሶማል ሰፊሕን ብዝሕ ህዝብን ዝሓዘ ክንሱ ንዓመታት ግን ከም 'መሻርኽቲ' እዩ ዝረአ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ከም ዓንዲ ተገይሩ ዝውሰድ ኣይነበረን። ንስኻ ናብ ስልጣን ካብ ትመጽእ ንደሓር ህዝቢ ሶማል ናይ ኢትዮጵያውነት ስምዒቱ ወሲኹ ድዩ? ብደረጃ ፈደራል ዝግብኦ ውክልና ረኺቡ ድዩ? ኣብዚ መዳይ እንታይ ሰሪሕኩም?
ሙስጠፌ፤ ኣነ ስልጣን ካብ ዝተረከብኩላ ግዜ ንደሓር ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስምዒታት ህዝቢ ሶማል ተቐሪፉ ብኢትዮጵያውነቱ ይኣምን ኣሎ ክብል ይኽእል እየ። ብኢትዮጵያውነቱ ክኣምን ከሎ ግን ንስሙ ዘይኮነስ 'ካብ ኢትዮጵያውነት ይጥቀም፡ ሰላም ኣለኒ፡ ልምዓት ይመጸኒ ኣሎ፡ ውክልናይ ይመሓየሽ ኣሎ፡ ዋንነተይ ኣብታ ሃገር ይረጋገጽ ኣሎ' ዝብል ስምዒት ይስምዖ ኣሎ። ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃይማኖታውን ብሄራውን ተኸኣኢልካ ናይ ምንባር ድሌታት'ውን ናይዚ ውጽኢት እዩ።
ከምቲ ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበሃል ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘምጽእዎ ለውጢ ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ እውን [ኣብ ውሽጡ] ስምዒት ስለዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያውያን ኢና፡ ሓቢርና ክንነብር ኣለና፣ ሃይማኖት ከነኽብር ኣለና ዝብል ስምዒት መጺኡ ኣሎ።
ሎሚ እቲ ናይ ምንጻል ስምዒት ዳርጋ ጠፊኡ ኣሎ። ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ ኢና ዘለና። ሎሚ ናይ ክንግንጸል ኢና ኣጀንዳ ኣይትርእይን ኢኻ። ቀደም ደቂ ወሰን ኢና ኔርና ዝብል ስምዒት ገዲፍና ኣለና፤ ሕጂ ናብ ማእከል ከይድና፤ 'ማእከል ናትና እዩ፤ ኣብ ማእከል ክንህሉ ኣለና' ብዝብል ኣተሓሳስባ ተቐይሩ ኣሎ።
ውክልና ፈደራል እውን ረኺብና ኣለና። ሓላፊን ምክትልን ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ኢሉ'ውን ሚኒስተር ፋይናንስ ካብ ክልል ሶማል እዮም። ብመንጽር ውክልና ብዝሒ ጥራይ ዘይኮነስ ብደረጃ ፈደራል ዘሎ ሚዛን እውን ጽቡቕ እዩ።
ብመንጽር ውክልና ኣብ ዝሓለፈ እዋን መሻርኽቲ ኢና ኔርና። ሕጂ ኣብቲ ቀንዲ ሰልፊ 23 ማእከላይ ኮሚቴታት፡ ኣርባዕተ ፈጸምቲ፡ ክሳብ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ኣለዋና። እዚ ድምጽና ብመንጽር ጭቡጥ ተሳትፎና ኣብ ክልል ሶማል ከም ዝዓበየ ዘርኢ እዩ።
እዚ ክንብል ከለና፡ 'ውክልና ይኣክል' እዩ ዘብል ኣይኰነን። ሕጂ እውን ክንኣትዎም ዝግበኣና ቦታታት ኣለዉ።
ኣብ ጸጥታ ዘለና ተሳትፎ ትሑት እዩ። ኣብ ፈደራል ቢሮክራሲ ዘለና ተሳትፎ ትሑት እዩ። ግን ተኸልኪልና ኣይኰናን። ገለ ተፈጥሮኣዊ መሰናኽላት ኣሎ። ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት ኣሎ፤ ገሊኦም ክንገብሮም ዝግበኣና ስለ ዘይገበርና ዝተፈጠሩ'ዮም።
ብሓፈሻ ህዝቢ ሶማል ሎሚ ሎሚ ለዓት ኢትዮጵያውነት ኣይፈርሕን። እቲ ቅድመይ ዝነበረ ምምሕዳር እውን እኮ 'ኣነ ኢትዮጵያዊ እየ' እናበለ ሰባት የሐይል ነይሩ'ዩ። እንተኾነ ብነጻነት ድዩ ወይስ ፈሪሑ ከምኡ ይብል ነይሩ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFE M. OMER/X
ቢቢሲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘለኩም ጥቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ ከመይ ትገልጾ? ብዛዕባኡ ሰባት ዘይፈልጥዎ ነገራት ንገረና።
ሙስጠፌ፤ ኣብዚ ሓጺር ግዜ እንታይ ከምዝመጽኣለይ ክነግረካ። ኣብ ስራሕትና ኢድ ኣታውነት ዘይምህላው ኣብ ክልል ሶማል ንዝተረጋገጸ ሰላም ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ብመንጽር ትግበራ ፈደራሊዝም ባዕልና ኢና ንውስን። መን ይኣቱ መን ይወጽእ [ንሕና ኢና ንውስን]።
ብርግጽ ብደረጃ ሃገር ዝወሃቡ ስትራተጂያዊ ዕማማት ኣለዉ። ብመንጽር ኣተገባብራ ግን ምሉእ ብምሉእ ነጻ ኴንና ኢና ንሰርሕ። በዚ መንጽር ቀዳማይ ሚኒስተር ንሓንቲ መዓልቲ ኣብ ስርሐይ ጣልቃ ኣትዩ ኣይፈልጥን።
ቢቢሲ፤ ሓቂ ድዩ?
ሙስጠፌ፤ እወ።
ቢቢሲ፤ ንኹስቶ ኣልዒልካ ንኹስቶ ሽመት ሃቦ ዝብል መምርሕታት የለን?
ሙስጠፌ፤ ይብለካ ኣለኹ። [እዚ ክብል ከለኹ]፡ ሓቂ ስለምዃኑ ዘይኣምኑ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ሰብ ይእመኖ ኣይእመኖ ኣይኰነን እቲ ጉዳይ። ኣነ ሕልናይ ዝበለኒ እየ ዝዛረብ። ከም ፖለቲከኛ መጠን ድማ ዘይትእመን እንተዄንካ ምስ እቲ ሞያ ተዛሚዱ ዝመጽእ ጉድኣት ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስርሐይ ጣልቃ ኣትዩ ኣይፈልጥን።
ኣብ ስራሕና ናጽነት ከምዝህበና ብዙሕ ሰብ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከምዝዀነ'ዩ። እዚ ዋላ ካብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ምስ ወጻእኩ ክምስክሮ ዝከኣል ነገር እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



