ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ 'ዓቢ ምትላል እዩ' ዝበለ ደራሲ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ 'ምትላል እዩ' ብምባል ዘናኣኣሰ ፈረንሳዊ ካሜሩናዊ ደራሲ ቻርለስ ኦናና ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
ቻርለስ ኦናና ኣብ 1994 ኣብ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ከም ተሓባባሪ ኰይኑ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ጥራይ ኣስታት 800,000 ኣባላት ዓሌት ቱትሲን ዝተወሰኑ ዓሌት ሁቱን ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ።
ቻርለስ ኦናና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተሓትመ መጽሓፉ፡ መንግስቲ ሁቱ ኣብ ሩዋንዳ መደብ ምጽናት ዓሌት ኣውጺኡ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ሓደ ካብቶም ናይ’ዚ ክፍለ ዘመን “ዓበይቲ ምትላላት" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ጠበቓኡ ኣማኑኤል ፓየር፡ ኦናና ምጽናት ዓሌት ከምዝተፈጸመ ወይ ድማ ብፍላይ ቱትሲ ዒላማ ከምዝነበሩ ኣብ ሕቶ ከምዘየእቱ ይምጕት።
ንሱ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ መጽሓፍ "ቅድሚ ፍጻመ፣ ኣብ እዋን ፍጻመን ድሕሪኡን ኣገባባት ምጽናት ዓሌት ንምርዳእ ብዝብል ኣብ ናይ 10 ዓመታት መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ስራሕ ሓደ ፖለቲካዊ ተመራማሪ" ምዃኑ ተዛሪቡ።
60 ዓመት ዝዕድሚኡ ቻርለስ ኦናናን ኣብ ኤዲሽንስ ዱ ቱካን ዝሰርሕ ዳይረክተር ሕትመት ዳሚን ሰሪየክስን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብተመሳሳሊ መጽሓፍ ተኸሲሶም ነይሮም።
እቲ ጉዳይ ሰርቪ ብዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካልን ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝቐረበ ኰይኑ፡ "ንገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብግልጺ ብምውድዳር" እዮም ተኸሲሶም።
ብሰኑይ 7 መስከረም 2024 ዝጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ፈረንሳ ንቕትለት ዓሌታት ሩዋንዳ ዝምልከት ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ካልኣይ ጉዳይ እዩ።
ፈረንሳ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዝዀነ ይኹን ምጽናት ዓሌት ዝምልከት ሓቂ ምኽሓድ ወይ "ምቕላል" ገበን ምዃኑ ሕጊ እታ ሃገር የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣካያዲት ጎስጓስ ሰርቪ - ካሚል ለሳፍረ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ብጥብቂ ምስ ሩዋንዳ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይኹን ሕጊ ፍርዲ ገና ስለዘየለ” ፍርዲ ደራሲ ቻርለስ ኦናና “ታሪኻዊ ክኸውን'ዩ" ኢላ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ 2021፡ ሃገሩ ፈረንሳ ኣብ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ንዝነበራ ተራ ይቕረ ክብል ንሩዋንዳውያን ሓቲቱ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ፈረንሳ ንቅትለታት ዝምልከቱ መጠንቀቕታታት ኣቓልቦ ከምዘይሃበትን ንነዊሕ እዋን ስቕታ ምምራጻ ዋጋ ከምዘኽፈላን እኳ እንተገለጸ ተሓባባሪት ናይቲ ቅትለት ከምዘይነበረት እዩ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



