ጋዜጠኛታት ካብ ነፋሪት ፕረዚደንት ባይደን ንብረት ምስራቕ ደው ከብሉ ተነጊርዎም

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ጸብጻባት ንምስራሕ ኣብ ነፋሪት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝድይቡ ጋዜጠኛታት፡ ካብታ ነፋሪት ኣቑሑት ምስራቕ ደው ከብሉ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።
እቶም ንማዕኸናት ዜና ዝኸውን ጸብጻባት ክሰርሑ ናብታ ነፋሪት ዝድይቡ ጋዜጠኛታት፡ ከም 'መዘከርታ' ዝኾኑ ዝበልዎም ኣቑሑ'ዮም እናሰረቑ ዝወርዱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ንስራሕ ናብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር በታ ‘ኤር ፎርስ ዋን’ ብዝብል እትፍለጥ ነፋሪት ድሕሪ ምብራሩ ኣብታ ነፋሪት ቆፀራ ምስተካየደ ሓያሎ ንብረት ጎዲሉ ፀኒሑ።
ኣብ እዋን’ቲ ቆጸራ ንብረት ድማ፡ ምልከት ናይቲ ፕረዚደንት ዘለዎም ወርቃዊ ዝሕብሮም ብያቲታትን ልብሲታት ትርኣስን ከምዝጎደሉ ተረጋጊፁ።
ነዚ ስዒቡ ማሕበር ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ፡ ካብታ ነፋሪት ኣቑሑት ሒዝካ ምውራድ ክልኩል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝለኣኾ ናይ ኢመይል መልእኽቲ፡ እዚ ተግባር ንስም እቶም ምስቲ ፕረዚደንት ዝጓዓዙ ጋዜጠኛታት ዘጸልም ስለዝኾነ ብህጹጽ ደው ክብል ይግባእ ኢሉ።
ሓሓሊፉ ጋዜጠኛታት ምስቲ ፕረዚደንት ንጸብጻብ ክጓዓዙ ከለዉ፡ ናሃቱ ምልክት ዘለዎ ኤም ኤንድ ኤምኤስ [M&Ms] ቸኮሌት ከም መዘከርታ ይወሃቦም’ዩ።
ይኹን እምበር ጋዜጠኛታት ኣርማ ‘ኤይር ፎርስ ዋን’ ዘለዎም ከም ማንካ፡ ፋርኬታን ፎጣን ዝኣመሰሉ ኣቑሑት ብዘይ ፍቓድ ምውሳድ ዝተለመደ ተግባር ገይሮምዎ ምጽንሖም ይዝረብ።
ኣብ ዋይት ሃውስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝኾነ ሚሻ ኮማዶቭስኪ፡ ካብ ነፋሪት እቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ነገራት ከምዝተወሰደ ይኣምን።
“እዞም ኣቑሑት ዝኣከብኩዎም ሕጊ ብምጥሓስ ኣይኮንኩን። ንዝኾነ ኣካል ንኸሸቑርር እውን ኣይገበርክዎን" ክብል ካብ ነፋሪት እቲ ፕረዚደንት ካብ ሞንጎ ዝወሰዶም ኣቑሑ እቲ ሓደ ምልክት ነፋሪት ‘ኤይር ፎርስ ዋን’ ዘለዎ ካብ ወረቐት ዝተሰርሐ መስተዪ ምዃኑ ይጠቕስ።
እቲ ሪፖርተር ብተወሳኺ ናይ ባይደን ፌርማ ዘለዎ ናይ ኤም ኤንድ ኤምኤስ ቸኮሌት ከምዘለዎ ይገልጽ።
"ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ሰማይ" ተባሂላ እትግለጽ ኤይር ፎርስ ዋን ነፋሪት፡ ኣብ ሰለስተ ደርቢ ዝተኸፋፈለት ኮይና 372 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ኣለዋ።
እዛ ቦይንግ 747-200ቢ ዝዓይነታ ነፋሪት ዝተሰርሐትሉ መገድን ዝተገጠመላ መሳርሕታትን ኣብ ዝርዝር ነፈርቲ ውግእ ክትምደብ ይገብራ።
እታ ነፋሪት ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ንነብሳ ክትከላኸል ትኽእል እያ። መጥቃዕቲ ሚሳይል እንተተፈንይዋ ድማ ፍንጀራ ዘየስዕብ ልዑል ብርሃንን ሙቐትን ዘለዎ ጨረር ብምፍናው ኣንፈት ናይቲ ዝውርወር ሚሳይል ክቕየር ትገብሮ።
ኤይር ፎርስ ዋን ኣብ ኣየር እናሃለወት ነዳዲ ክትመልእ ትኽእል ኮይና ኣብታ ነፋሪት ዝተተኽለ ናይ መራኸቢ መሳርሒታት ከኣ እቲ ፕረዚደንት ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ትእዛዝ ንክህብ የኽእሎ።
መንበር እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቅድሚት ክፋል ናይታ ነፋሪት ይርከብ። ጋዜጠኛታት ድማ ኣብ ድሕሪት ክፋል ናይታ ነፋሪት ኮፍ ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



