ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘይተለምደ ምብጻሕ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, UAE PRESIDENTIAL COURT/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሃገራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድ ዓረብን ምብጻሕ ኣካይዱ።
እቲ መራሒ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዑደት ክገብር ብዙሕ ኣይረኣይን።
ምኽንያት እቲ ምብጻሕ ብዛዕባ ኲናት ቓዛን ዩክረይንን፡ ከምኡ ድማ ምስ መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ምህርቲ ነዳዲ ንምዝርራብ ከምዝኸውን ይግመት።
ኢማራት ዓረብ ኣብዚ እዋን ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ኮፕ-28 ተአንግድ ኣላ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ኣይሲሲ) ኣብ መጋቢት ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ዘውጽኣሉ ንደሓር ክገይሽ ዘይተርኣየ ፑቲን፡ ሎሚ ሓሙስ እውን ምስ መራሒ ኢራን ኣብ ሞስኮ ክራኸብ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ንፑቲን ህጻናት ዩክረይን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሩስያ ክግዕዙ ገይሩ ክብል ከሲስዎ።
እቲ ተግባር ከም ገበን ኲናት ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። እንተዀነ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድ ዓረብን ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ኣይህባን።
መራሒ ሩስያ፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስን ኣብ መስከረም ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ሃገራት ጕጅለ 20ን ኣይተሳተፈን።
ሩስያ ጽልዋኣ ንምዕባይ፣ ምዕራባውያን ክትንጸል ዝገብረኦ ዘለዋ ፈተነ ንምፍሻልን ጻዕሪ ኣብ እትገብረሉ እዋን እዩ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ምብጻሕ ኣካይዱ ዘሎ።
ንሱ ኣብ ኢማራት ዓረብ እንትበጽሕ ብፈረሰ ወታሃደራትን ተሽከርከከርትን ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ኮይኑ፡ ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ምርኢት ከቕርባን ብትኪ ባንደራ ሩስያ ክሰርሓን ተራእየን።
ፑቲን ንመራሒ እታ ንግስነት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን “ርክብና ትጽቢት ኣብ ዘይተገበረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ” ኢልዎ።
ምስታ መግለጺ ክረምሊን “ቀንዲ መሓዛ ሩስያ ኣብ ዓረባዊ ዓለም” ክብል ዝገለጻ ሃገር፡ ጉዳይ ነዳድን ንግድን ቀንዲ ዛዕባ ዘተ እቶም መራሕቲ ከምዝዀነ ይእመን።
ፑቲን ጸኒሑ ምስቲ ከም ዕላዊ መራሒ ስዑድ ዓረብ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ንምዝርራብ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሑ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ምንጪ ስእሊ, ROYAL COURT OF SAUDI ARABIA / HANDOUT
ንሓጺር ሰዓታት ብተሌቪዥን ኣብ ዝተሓላለፈ ወግዒ እቶም መራሕቲ፡ ፑቲን ነቲ ወራሲ ዓራት ናብ ሞስኮ ክበጽሕ ክዕድሞ ተሰሚዑ።
ፑቲን “ሕውነታዊ ርክብና ካብ ምሕያልር ዝዓግት ነገር የለን” ከምኡ ድማ ኣብ እዋናዊ ፍጻመታት እቲ ዞባ "ሓበሬታ ምልውዋጥን ምግምጋምን” ጠቓሚ እዩ ኢሉ።
እቲ ወራሲ ዓራት ብወገኑ፡ ክልተኣዊ ርክባት “ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሕ ወጥሪታት ክሃድእ’ ከምዝሓገዙ ተዛሪቡ።
ቅድሚ እቲ ርክብ እቶም መራሕቲ ኣብ ምህዳእ ወጥሪ እስራኤልን ሓማስን ከምኡ ድማ ኣብ ግጭት ሃገራት ሶርያ፡ ሱዳንን የመንን ከምዝዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን (ክረምሊን) ኣፍሊጡ ነይሩ።
ፑቲን ኣብ ጉዳይ ቓዛ ንምዝርራብ ሓሙስ ምስ መራሒ ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ሞስኮ ከምዝራኸብ እውን ተፈሊጡ'ሎ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናብ ዝተወረረ ክፋል ዩክረይን፡ ኢራንን ቻይናን ጥራይ እዩ በጺሑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



