መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ሰባት ቀቲሉ፤ እስራኤል ድማ ንኢራናዊያን ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ጐንጺ ኢራንን እስራኤልን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ስዒቡ፡ ዝበጽሑ ዕንወታት ዘርእዩ ምስሊታት ይወጽኡ ኣለው።
እስራኤል ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኢራን ባለስቲክ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ምላሽ ክትህብ እንከላ፡ ኣብ ሰሜናዊን ማእኸላይን ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ጕድኣት ከም ዝወረደ ይግለጽ።
እስራኤል'ውን ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ መጥቃዕቲ ፈጺማ።
ኣገልግሎት ሃገራዊ እዋን ሓደጋ እስራኤል፡ ብውሑድ ዓሰርተ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቈሰሉን ገሊጹ።
ቴህራን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጕድኣት ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።
እስራኤል ግን ድሮ ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ሰባት ከም ዘለው ትሕብር።
እዚ ምጥፋእ ህይወት፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ቁጠባውን ትሕተ ቅርጺ ኢራን ዝወስዶ ስጕምቲ ክሕይል ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል'ዩ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብኤክስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኢራናውያን ካብ ወተሃደራዊ ትካላት ክርሕቑ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
"ኣብ ፋብሪካታት ኣጽዋር ኰነ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ክወጽኡን ተወሳኺ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ንከይምለሱን፡" ነተሓሳስብ ኢሉ።
"ኣብዞም ትካላት ምርካብ፡ ህይወትኵም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
ሎሚ ንጕሆ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን፡ እታ ሃገር ኣብ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ክጽብጽባ እንከለዋ፡ እስራኤል ኣብ ኢራን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ውሑድ ሸፈነ ክህባ ተራእየን።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ሰይድ ዓባስ ኣራግቺ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ኣመሪካ መሻርኽቲ እያ" ብምባል፡ ኣመሪካ "ንባዕላ ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ" ይብል።
ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ክትኹንን ክጽውዕ እንከሎ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ፍቓድ እንተዘይትህባን ደገፍ እንተዘይትገብረላን እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኣይምተፈጸመን ይብል።
ሃገሩ ምስ ኣመሪካ እትገብሮ ቀጻሊ ዙርያ ዝርርብ፡ ንስምምዕ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ነይሩ እዩ ብምባል፡ እስራኤል ግን ነቲ ዘተ ዘሪጋቶ ክብል ይኸስስ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዙርያ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ቴህራን ክግበር ዝኽእል ዝርርብን ክብጻሕ ዝኽእል ስምምዕን ዝምልከት ሻድሻይ ዙርያ ዝርርብ ሎሚ ክካየድ ተሓሲቡ ነይሩ።
ኣብ ክንድኡ ንሳልሳይ ለይቲ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከላ፡ ቴህራን ድማ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ኣወንጪፋ።
ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ኒዩክለራዊ ድሌታታ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ተኽእሎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ኢራን ሚሳይላታ ናብ እስራኤል ክትትኩስ እንተቐጺላ "ክትቃጸል እያ" ክብል እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሰይድ ዓባስ ኣራግቺ ድማ መጥቃዕቲ እስራኤል ብዘይ ደገፍ ዋሽንግተን ክፍጸም ኣይኽእልን'ዩ ብምባል ከሲሱ።
እዚ ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዒላማታት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከም እትኽእል ዘመላኽት ክኸዉን ይኽእል'ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ከምኡ እንተዀይኑ፡ "ምሉእ ሓይሊ" ዕጡቓት ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክወርድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት "ብቐሊሉ" ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



