ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ 'መፈንጠራ ሞት' ንእትርከብ ኣልፋሸር ኣጥቂዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዳዕመ-ሰሪዕ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ዘካየዶ ውግእ ነታ ኣብ ከበባ እትርከብ ከተማ ኣልፋሸር ኣጥቂዑ ከም ዝወረራ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ንዕዳጋ ጥሪት፡ ቤት ማእሰርትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ከም ዝተቘጻጸሩ ኣብቲ ጽምጽም ዝበለ ከተማ ቪድዮ እናቐድሑ ኣርእዮም።
ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ኣልፋሸር ንምቍጽጻር ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብዙሓት ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብታ ከተማ ክኣትዉ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ጸረ-መጥቃዕቲ ብምክያድ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደጊሙ ካብታ ከተማ ደፊኡዎም።
ካብ ቤትምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ማቲልደ ቩ ነታ ከተማ "መጻወድያ ሞት" ኢላ እያ እትገልጻ።
ንሳ ንመደብ ቢቢሲ ኒውስኣወር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ንሰምዖ ዘለና፡ ዛንታታት ራዕድን ፍርሕን እዩ። እዚ ሰሙናዊ ተዅሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን መሰረተ-ልምዓትን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ እዩ፡" ኢላ።
"ናይቲ ከባቢ ወለንተኛታት ኣለዉ - ናይ ብሓቂ ይቃለሱ ኣለዉ። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ሒደት መግቢ ንምቕራብ መዓልታዊ ይጽዕሩ ኣለዉ።"
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 379,000 ሰባት ናብ ጣዊላ ሃዲሞም ኣለዉ። ኣብኡ ድማ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎን ትጽቢት ዝግበረሉ ብርቱዕ ዝናብ ድማ ግዝያዊ መዕቈቢታቶም ከዕኑ ከም ዝኽእልን ይግለጽ።
ነበርቲ ከተማ ኣልፋሸር ንራድዮ ቢቢሲ ዓረብኛ ብዛዕባ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሰቋቛ ገሊጾም ነይሮም።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣዚና ንሳቐ ኣለና፣ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኵሎም ድማ ተመሳሳሊ ጸገም የጋጥሞም ኣሎ፡" ይብል ሓደ ሰብኣይ።
"መግቢ የሎን፣ ስራሕ'ውን የሎን። ገንዘብ እንተ'ለካ እውን ኣብ ዕዳጋታት ዝግዛእ ቀረብ የሎን።"
"ሓደ ሰብ ክሓምም ከሎ፡ ዝዀነ መድሓኒት ይዅን ፍወሳ ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ዘሎ ኵነታት፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ፡" ኢሉ።
ወዲ 65 ዓመት ነባሪ ከተማ ኣልፋሸር ሰዲግ ዑመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዓርቢ ብደቡባዊ ከምኡ'ውን ብደቡባዊ ምዕራብ ኣቢሎም ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ከባቢ ናይታ ከተማ ድፋዓት ክዅዕቱ ዝጸንሑ ዕጡቓት፡ ብተደጋጋሚ እዮም ንኣልፋሸር ከጥቅዑ ጸኒሖም። ሰራዊት ሱዳን ብዝገለጾ መሰረት፡ ንመበል 220 ግዜ መጥቃዕቲ ኣካዪዶም ኣለዉ።

ኣብዚ ንሸውዓተ ሰዓታት ዝተኻየደ ውግእ ድማ ነቲ ንብዙሕ ኣዋርሕ ካብ ንጥፈታት ንግዲ ርሒቑ ዝጸንሐ ዕዳጋ ጥሪት ናይታ ከተማ ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም።
ብተወሳኺ፡ ቤት ማእሰርትን ዋና ቤትጽሕፈት ማእከላይ እዚ ዕቝር ሰራዊትን ንሓጺር እዋን ተቘጻጺሮም።
ሰንበት ንግሆ፡ ሰራዊት ሱዳን ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ "ከቢድ ክሳራ" ከም ዘውረደን ካብታ ከተማ ጸራሪጉ ከም ዘውጽኦን ሓቢሩ።
ሰዲግ ዑመር ከም ዝገለጾ ግን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ምሉእ ሰንበት ደብዳብ ድሮን ከም ዝቐጸለ እዩ።
"ሓደ ካብቶም ቦምባታት ኣብ ጥቓ ገዛይ ንዝነበረት ሓንቲ ስቪላዊት መኪና ብምውቃዕ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም፡" ኢሉ።
ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ናብ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ።
ነዚ ስዒቡ ዓጸቦ ከም ዘስፋሕፍሐን ምጽናት ዓሌት ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ከም ዝተፈጸመን ተገሊጹ።
ኣብ መላእ ሃገር ብዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ቤተ-ንብረቶም ሓዲጐም ክሃድሙ ተገዲዶም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



