ትራምፕ ምወላ ረድኤት ምቍራጹ፡ ሞት 14 ሚልዮን ሰባት ከኸትል'ዩ ተባሂሉ

ምልክት ዩኤስኣይድ ዘለዎ ጀሪካናትን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንትካላት ረድኤት ትህቦ ዝነበረት ምወላታት ደው ምባል ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ሞት 14 ሚልዮን ሰባት ከኸትል ከምዝኽእል ኣብ ላንሰት መዲካል ጆርናል ትማሊ ሰኑይ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።

እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ካብዚኦም እቶም ሓደ ሲሶ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ህጻናት ከምዝዀኑ'ውን ሓቢሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንከም ዩኤስኣይድን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዛት 80 ሚእታዊት ከምዝነከዮ'ዩ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣባል ላንሰት ፕሮጀክት ዝዀነ ደቪድ ራሰላ፡ "ንብዙሓት ካብተን ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ እቲ ረድኤት ደው ምባሉ፡ ዘጋጠመን ነገር ንምርዳእ ከምዚ ዓለማዊ ለበዳ ዝኣተወ ወይ ኣብ ውሽጠን ከቢድን ደማዊ ኲናት ከምዘጋጠመ ጌርካ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ፤ እቲ ክብደት ክሳብ ክንድኡ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ምጉዳል ምወላ፡ "ብፍላይ ኣብቶም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ህዝብታት ኣብ ጥዕና ክርአ ዝጸንሐ ገስጋስ፡ ኣብ ዘለዎ ደው ከብሎ ወይ ብዕስራ ዓመታት ንድሕሪት ክመልስ ዝኽእል ሓደጋ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

እዚ ጸብጻብ ዓሰርተታት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ስጳኛዊት ከተማ ሰቪለ ብሕቡራት ሃገራት ዝመራሕ ኣኼባ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ'ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

እዚ ኣብ ስጳኛ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዘካየዶም ኣኼባታት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ተመራመርቲ ናይ 133 ሃገራት ሰነዳት [ዳታ] ብምርኣይ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብዩኤስኣይድ ዝወሃብ ዝነበረ ረድኤት ን91 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣፍሞት ከምዘድሓኖም ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ ካብዚ ኣሃዝ እዚ ብምብጋስ፡ ኣመሪካ ካብ እትህቦ ዝነበረት ምወላ 83 ሚእታዊት ደው ምባል፡ እንታይ ሳዕቤናት ከኸትል ከምዝኽእል'ዮም ኣብ ምቕማር ኣትዮም።

ምቍራጽ እቲ ምወላ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመታት ጠንቂ ሞት ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ከምዝኸውን ከኣ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ግምቶም ኣስፊሮም።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ህጻናት ክዀኑ'ዮም።

ካብቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህጻናት ከኣ እቶም 700 ሽሕ ዕሸላት ከምዝዀኑ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዘየድሊ ወጻኢታት መንግስቲ ክቈጻጸርን ደው ከብልን ንቢልዮነር ኢሎን መስክ'ዩ ሓላፍነት ሂብዎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንዩኤስኣይድ ዘየድሊ ፕሮጀክታት'ዩ ዝምውል ብምባል'ውን ይኸሶ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣመሪካ እታ ዝበዝሐ ንትካላት ረድኤት እትምውል ሃገር ኰይና፡ ብመንገዲ ኮንትራከተራት ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ንጥፈታት ረድኤት ተካይድ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ብጽፈትን ብኣድማዕነትን ክሰርሕ ዝኽእል ኣስታት 1000 ዝኸውን ፕሮግራማት ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ብመሰረት ካብ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ዋላ ደኣ ኣመሪካ 1000 ዝኸውን ዝቕጽል ፕሮግራማት ከምዘሎ ትሓብር'ምበር፡ ኣብ ባይታ ዝርአ ነገር ከምዘየለ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ትገብሮ ዝነበረት ምውላ ደው ምባላ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀስ እናበሉ ናብ ዝኸፍአ ጥምየት የምርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ካኩማ ዝተባሀለ መዓስከር ስደተኛታት፡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ሓደ ንኽንቀሳቐስ ክሳብ ዘጸግሞ ምልክታት ሕጽረት መግቢ ዘለዎ ህጻን ክዕዘቡ ክኢሎም።

እቲ ህጻን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ ገለ ክፋል ቆርበቱ ተሸምሪሩን ኣብ ገለ ገለ ክፋላቱ'ውን ተቐላሊጡን ከምዝነበረ እቶም ጋዜጠኛታት ርእዮም መስኪሮም።