ብዛዕባ ምፍራስ ድልድል ባልቲሞር እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሉስ 26 መጋቢት ንግሆ ሓንቲ ኮንተይነራት እትጽዕን መርከብ ኣብ ጥቓ ከተማ ባልቲሞር ኣሜሪካ ምስ ዝርከብ ታሪኻዊ ቢንቶ ፍራንሲስ ስኮት ኪይ ብምግጫዋ መብዛሕትኡ ክፋላት እቲ ድልድል ንኽፈርስ ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብቲ እዋን ኣብቲ ድልድል ዝነበራ ሓያሎ መካይን ናብ ማያት ሩባ ፓታፕስኮ ስለዝጠሓላ፡ ወሃብቲ ረድኤት፡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ 20 ዝዀኑ ዝጠፍኡ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ሜሪላንድ ዌስ ሙር ከኣ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ።
ብዛዕባ እቲ ድልድል እንታይ ንፈልጥ?
እቲ ብድልድል ኪይ ዝፍለጥ ቢንቶ ባልቲሞር፡ ብ1977፡ ንኽብሪ’ቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ንሃገራዊ መዝሙር ኣሜሪካ ዝጸሓፈ ሜሪላንዳዊ ገጣሚ፡ ስታር ስፓንግልድ ባነር እዩ ተኸፊቱ።
እቲ ድልድል፡ 8,636 ጫማ (2,632 ሜትሮ) ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንሩባ ፓታፕስኮን ወደብ ባልቲሞርን ዘራኽብ እዩ። እቲ ሩባ ከኣ ናብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ሩባ ቸሳፒክ ቤይ ይውሕዝ።
እቲ ቀጻልነት ከም ዘለዎ ውሑስ ድልድል ዝግለጽ፡ 1,200 ጫማ ዝስፍሓቱ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝነውሐ ቢንቶ እዩ።
እቲ ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ቪድዮ፡ እታ ኮንተይነር እትጽዕን መርከብ ዳሊ፡ ንሓደ ካብቲ ኣዕኑድ ናይቲ ድልድል ድሕሪ ምህራማ እያ እቲ ድልድል ብቕጽበት ክፈርስ ጀሚሩ። እቲ ሓደጋ ከኣ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 01፡30 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር (05፡30 GMT) እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን ሓያሎ ሰባት ኣብቲ ድልድል ከምዝነበሩ ድሒሩ ብሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ባልቲሞር ጀምስ ዋላስ ተረጋጊጹ። እቶም ሰባት ነቲ ድልድል ዝጽግኑ ኮንትራክተራት ዝርከብዎም ከምዝነበሩ ሰበስልጣን እታ ግዝኣት ጸኒሖም ሓቢሮም።
ሰዓት 01፡50 ቀዳመይቲ ኣሃዱ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ እቲ ድልድል ብምሉኡ ከምዝፈረሰ ሓቢራ። ብድሕሪ’ቲ ከቢድ ሓደጋ፡ እቶም ካብ ማያት ሰባት ዘድሕኑ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቆራሪ ማያት ግዳያት ይደልዩ ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ዓቢ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ይካየድ ኣሎ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብቲ ኣዕኑድ ዝተንጠልጠለ ገለ ናይ ጽዕነት ኮንተይነራት ስለዘሎ፡ ተወሳኺ ሓደጋ ከየስዕብ ጕጅለታት ህጹጽ ምድሓን ህይወት ብጥንቃቐ ይሰርሑ ከምዘለዉን ገሊጾም።
ክሳብ ሕጂ ክልተ ሰባት ካብቲ ዓሚቝ ማይ ከምዝደሓኑን፣ እቲ ሓደ ኣብ ከቢድ ኵነታት ክህሉ እንከሎ እቲ ካልኣይ ግን ደሓን ከምዝመስል ሚስተር ዋላስ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ወደብ ዘሎ ሙቐት ማይ ኣስታት 9C (48F) ከምዝበጽሕ ይንገር። ሙቐት ኣካላት ሓደ ሰብ ትሕቲ 35C ምስ ዝወርድ ከኣ ሃይፖሰርሚያ ክኽሰት ይኽእል።
ሰበስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ ባልቲሞር፡ ኣብቲ ማይ ተሽከርከርቲ ከምዝተረኸባ ገሊጾም።
ብዛዕባ እታ መርከብ እንታይ ንፈልጥ?

እታ ባንዴራ ሲንጋፖር ዘለዋ መርከብ ኮንተይነር ዳሊ፡ ብደቡብ ኮርያዊት ሁንዳይ ሄቪ ኢንዱስትሪ ፈለማ ንግሪኻዊ ወናኒ መርከብ ኦሽንቡልክ ዝተሰርሐት እያ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብናይ ቻርተር መራኽብ ኩባንያ ሲነርጂ ግሩፕ እትካየድ ኰይና፡ ትካል ማርስክ ዝተባህለ ዓቢ ትካል መራኽብ ኮንተይነራት ንግዚኡ ተኻርዩዋ ከም ዝነበረ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ማርስክ፡ እታ መርከብ ማርስክ ጽዕነት ዓማዊል ሒዛ ከምዝነበረት፡ እንተዀ ኣብቲ እዋን ግን ኣብታ መርከብ ዝዀነ በዓል ሞያ ናይቲ ኩባንያ ከምዘይነበረ ሓቢሩ።
እታ መርከብ ብሰሉስ ብኣቈጻጽራ ምብራቕ ከባቢ ሰዓት 00፡24 ካብ ተርሚናል ባሕሪ ሲጋርት ባልቲሞር ተበጊሳ፡ ናብ ኮሎምቦ ሲሪላንካ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ፈለማ እታ መርከብ ብቐጻሊ ፍጥነት እናወሰኸት ብደቡባዊ ምብራቕ ሩባ ፓታፕስኮ ትኽ ኢላ ክትጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ዳሕራይ፡ ዳታ ማሪን-ትራፊክ ከም ዘመልክቶ፡ ሰዓት 01፡25 ሃንደበት ካብቲ ትኽ ዝበለ መስመራ ቀይራ ፍጥነታ ክትንኪ ከም ዝጀመረት ይሕብር።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ደጋዊ ሸነኽ እታ መርከብ ዝነበረ ኵሉ መብራህቲ ሃንደበት ከም ዝጠፍአን ካብ ፋነል እታ መርከብ ትኪ ክወጽእ ከም ዝጀመረን እቲ ቪድዮ የርኢ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ድማ እቲ ድልድል ተወቒዑ።
ካብ ኤጀንሲ ሳይበር ሰኲሪቲን ትሕተ ቅርጽን ኣሜሪካ፡ ብመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ሲቢኤስ ዝተረከቦ ዘይተገልጸ መዘክር፡ መርከብ ዳሊ "ምጕዓዝ ስኢና" ይብል።
ሲነርጂ፡ እቶም ኵሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ዜጋታት ህንዲ ሰራሕተኛታትን ክልተ ፓይለታትን ኵሎም ዘጋጠሞም ጸገም ከምዘይለ እንተዀነ ኵሎም ተሓተትቲ ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ፡ ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ሓያሎ መግለጺታት ክህልዎ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ክልተ ፓይለታት ኣብ ዝነበርሉ ኣጋጣሚ ከምኡ ዓይነት ሓደጋ ዘይልሙድ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓደ ክኢላ መራኽብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ምብልሻው ሞተር፡ ምብልሻው መዘውር መርከብ ወይ እውን ምቍራጽ ጀነሬተር ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
እዚ ምስ መርከብ ዳሊ ዝተሓሓዝ ናይ መጀመርታ ተመኵሮ ኣይኮነን።
ኣብ 2016 ካልእ መርከብ ቤልጅየም ካብ ወደብ ኣንትወርፕ፡ ክትወጽእ ኣብ እትፍትነሉ ዝነበረት እዋን፡ ብድሕሪታ ብድልድል ገምገም ባሕሪ ከምዝተላሕጸጸት ሓቢሩ። ይዅን እምበር ናይቲ ዘጋጠመ መጕዳእቲ ጸብጻብ ኣይተዋህበን።
ምፍራስ ናይዚ ድልድል እንታይ ጽልዋ ክህልዎ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ኣገዳሲ ድልድል ባልቲሞር ንዝመጽእ ኣዋርሕን ዓመታትን ከይተረፈ ኣብ ትራፊክ ጽርግያ ዓቢ ጸቕጥን ምምዝባልን ክፈጥር ከምዝኽእል ይሕበር። ኣብ ወደብ ባልቲሞር ዝካየድ ንጥፈታት መራኽብ እውን ብኸቢድ ክጽሎ እዩ።
እዚ ኣርባዕተ መስመር ዘለዎ ድልድል፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ባልቲሞር ዝርከብ ብ"ባልቲሞር በልትወይ" ዝፍለጥ ደጋዊ ቀለቤታዊ ጽርግያ ኢንተርስቴት 695 ኰይኑ፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም 11.5 ሚልዮን መካይን ይሕዝ ነይሩ።
ሕጂ'ውን ንወደብ ባልቲሞር ናብታ ከተማ ብዝቐረበ መንገዲ ብገለርያ ምሕላፍ ክከኣል'ዩ። እንተዀነ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ርኡይ ጸገማት ትራፊክ ስለዝህሉ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ "ዓቢ መጠንቀቕታ ትራፊክ" ኣዊጆም ኣለዉ።
ብፍላይ ምፍራስ ናይቲ ድልድል፡ ነተን ነቲ ቢንቶ ዝሰገረኦ ግን ከኣ ናብቲ ቀንዲ መስመር ክኣትዋ ዘይከኣላ ሓደገኛ ነገራት ዘጓዓዕዛ መካይን ዓቢ ሽግር ክኽውን እዩ።
እቲ ፍጻመ ግን ንምጕዕዓዝ መራኽብ እውን ጸገም ፈጢሩ ኣሎ።
ክኢላ መራኽብ ኮንተይነራት ላርስ ጃንሰን፡ እቲ ዘጋጠመ "ዓቢ ሓደጋ" ምዃኑን፡ እዚ ድማ "ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣሜሪካ ንእታውን ሰደድን ኣሜሪካ ርኡይ ጸገም ክፈጥር'ዩ" ኢሉ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ርእሲ'ቲ ኣስታት 21 ሽሕ ኣሃዱታት ጽዕነት፡ ብኻልኦት ወደባት ናይቲ ዞባ ክሓልፍ ምግዳዱ፡ "ሕጂ ብዙሓት ኮንተይነርን ናይ ጃምላ ንብረትን ዝጽዕና መራኽብ ንግዲ ኣብ ወደብ ባልቲሞር ተዓጽየን ኣለዋ" ይብል።
ኣብ 2023 ኣስታት 800 ሽሕ መካይን በቲ ወደብ ከምዝሓለፋ ይግመት። እዚ ከኣ 1.3 ሚልዮን ቶን ናብ ውሽጢ ሃግ ዝኣቱ ጽዕነት ከምዘንቀሳቕሳ ይግመት።
ይዅን እምበር ሚስተር ጃንሰን ገለ ምድንጓያትን ተወሳኺ ወጻኢታትን ክህሉ'ኳ እንተዀነ ብዓለማዊ ኣረኣእያ ግን እቲ ፍጻመ ርኡይ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ይዛረብ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



