ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ እተሕድሮ ዘላ 'ስግኣት' ደው ክብል ጸዊዖም

ወደብ ዓሰብ፡ ዓበይቲ ክረይናት ይርአ

ምንጪ ስእሊ, FBC

መግለጺ ስእሊ, ወደብ ዓሰብ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ 'ኤርትርያ ፎከስ' ዝተባህለ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ብመሬት ኤርትራ ኣቢላ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ "መሰል ከም ዘለዎ ብእተካይዶ ዘላ ተዋጋኢ ትረኻ፡" ዓቢይ ስክፍታ ከም ዝሓደሮ ገሊጹ።

"ዝዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ፡ ብምፍርራሕ፡ ብኣስገዳድ ይዅን ብወራር፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ዝተወርሰ ዶባት ምኽባር ደጊሙ ዘረጋግጽ ኣዋጅ ካይሮ 1964 ቅሉዕ ምጥሓስ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።

እዞም ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራን ብ8 ጥቅምቲ 2025 ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓረብ ሊግ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ማሕበራትን ኣብ ዝለኣኹዎ መልእኽቲ፡ "ዝዀነት ሃገር ናይ ካልእ ሃገር ዶብ ብሓይሊ ክትቅይር ሕጋዊ ወይ ሞራላዊ መሰል የብላን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሮ ብሰንኪ ኲናታትን ግጭታትን ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ እዩ፤ ከም ውጽኢቱ ልዑል ስቓይ ሰባት፡ ምምዝባልን ምህማሽ ቍጠባን ኣስዒቡ። ካልእ ተወሳኺ ምትፍናን ድማ ንኽልተአን ሃገራትን መላእ እቲ ዞባን ኣዕናዊ ክኸውን እዩ፡" ብምባል ኣጠንቂቖም።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ 'ዋንነት ባሕሪ' ኰነ 'ወደብ ዓሰብ' ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብቓልዕ ክዛረቡ ዝስምዑ ኰይኖም፡ ኣስመራ'ውን መልሲ ክትህበሉ ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ ቅንያት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀ ስላሰ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት "ንጡፍ ተሳተፎን ሓያል ጽልዋን" ክህልዋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ" ከም ዝተመንዝዐት ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓድሽ ግጭት ክውልዕ ዝኽእል'ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

እዞም ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት ዘለዎ ምሕደራን ንኽነግስ ዝነጥፉ ኰይኖም፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝገብሩዎ ጻዕሪ፡ ኣንጻር "ልኡላውነት ኤርትራ ንዝግበር ንምክልኻል" ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእትውዎ ገሊጾም።

"ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ እያ ክትጥቀም ትኽእል። እዚ ዝኸውን ድማ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ወደብ ኣልቦ ምዃናን ብኸምኡ ከም እትቕጽልን ምስ ዝኣምኑ እዩ።"

ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ኣብ ዘቕረቡዎ ኣርባዕተ ነጥብታት፡ ዶባት ወይ ልዑላውነት ኤርትራ ንምቕያር፡ "ብኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ሃገር ዝግበር ምጕራር ወይ ምድላዋት ንወተሃደራዊ ስጕምቲ፡" ከም ዝዅንኑ ገሊጾም።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ መሻርኽትን ዓንድታት ቻርተሮም ክሕልዉ፣ ምዕራግ ወጥሪ ክከላኸሉ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንዝዘርግ ክከላኸሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ንኽልተኦም መንግስታት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ ኣብ ክንዲ ምንሕናሕ፡ ንጉዳያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን ዞባዊ ምትሕብባርን ሓባራዊ ቍጠባዊ ምዕባለን ክመርጹን ተላብዮም።

ብተወሳኺ፡ "ኣብ ኤርትራ ሓርነት፡ ደሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስ እናተቓለስና፡ ኣብ መሰል ርእሰ-ውሳነ፡ ሰላምን ምክልኻል ኣንጻር ግዳማዊ ወራርን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘለና ደጊምና ነረጋግጽ፡" ኢሎም።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ "ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ፡" ምዃኑን 'ዋንነት' ባሕሪ "ጉዳይ ህላወ፡" ምዃኑን ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ናይዚ ዓመት ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰምየ ጕጅለ ኤርትራውያን ምህራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ጠለብ፡ "ብታሪኽ ዘይቅኑዕን ብሕጊ ዘይምኽነን፡" ብምባል ነቲ ምጕት ዝብድህ ነዊሕ ሓተታ ናብ ዓለምለኻውያን ውድባት፡ ሃገራትን ማዕከናት ዜናን ልኢኾም ምንባሮም ይዝከር።