ኤርትራ፡ ስማ ደጋጊሙ ዝጽዋዕ ዘሎ ዓሰብ ትማልን ሎምን፡ መጻኢኣኸ?

ንባብ: 8 ደቓይቕ

ዓሰብ ኣብ ደንከል ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሎሚ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ'ያ። ዓሰብ ልዕሊ ምጽዋዕ ትሰርሕ ዝነበረት ወደብ ኤርትራ ኰይና ክሳዕ 1998 ቀንዲ መውጽእን መእተውን ንግዲ ኢትዮጵያ ኰይና ዘገልገለት ወደብ'ያ።

ዓሰብ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኤርትራ፡ ኣብ ገምግም ደንካልያ - ጥቓ ባብ-ኤል-መንደብ - ንቐይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘራኽብ መጻብቦ እትርከብ ስትራተጅያዊት ወደብ'ያ።

ዓሰብ ካብ ሕምብርቲ ኤርትራ ብ600 ኪ.ሜ. ርሒቓ፡ ምስ ውሽጢ ኤርትራ ብቑዕ ናይ ትራንስፖርት መራኸቢታት ዘይብላ፡ ብምድረበዳዊ ገማግም ዝተኸለለት ብምዃና ድማ ካብ ዘመን ግዝኣት ጣልያን (1938) ክሳብ ደርግ ዝወጸሉ እዋን፡ ቀንዲ ቍጠባዊ ርክባታ ምስ ማእከል ኢትዮጵያ ደኣ'ምበር ምስ ኤርትራ ኣይነበረን።

ኣገዳስነት ዓሰብ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምግላጽ እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ክጥቀሱ ይከኣሉ፤

ቀዳማይ፡ እቲ ብ1967 ብሓገዝ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዓሰብ ዝተተኽለ'ሞ ንመላእ እዚ ዞባ ዘገልግል ዝነበረ እንኮ ትካል መጻረዪ-ነዳዲ ዝነበረ እዩ።

ካልኣይ፡ ብ1977 ደርግ ንስትራተጅያዊ ህላወ ዓሰብ ንምምዝማዝን ነቲ ክርአ ዝጀመረ ሃገራውነት ደቂ ዓፈር ንምዅላፍን ንዓሰብ ካብ ምሕደራ ኤርትራ ፈልዩ ኣውጺእዋ ነይሩ እዩ።

እቲ ናይ ጅቡቲ መንገዲ-ባቡር ምስ ተዓጽወ (1978) ድማ ዝበዝሐ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዓሰብ ክኣቱን ክወጽእን ጀመረ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰብ ምስ ወሎ ክቛርና ፈቲኑ ከም ዝነበረን ብስም ዓፈር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከበግስ ፈቲኑ ከም ዝነበረ ሰንዳት ታሪኽ ይጠቕሱዎ እዮም።

ዋላ'ኳ ግብራዊ ውጽኢት ኣይንበሮ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓፈር ኣወሃሂዳ ድማ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዓሰብ ከም ዝሰፍን ምግባር ተፈቲኑ ነይሩ'ዩ።

እምበኣርከስ እዞም ኣብነታት ኣገዳስነት ዓሰብ ዓቢይ ከም ዝነበረ ዘርእዩ እዮም።

እንተዀነ፡ ክንደይ ሰባት ኮን ነዛ ኣብ መተሓላልፎ ባብ-ኤል-መንደብ እትርከብ ስትራተጅያዊት ወደብ ዓሰብ ብኣካል ዝበጽሑ?

ምትእትታው ጣልያን

ዓሰብ ጣልያን ንኤርትራ ክገዝኡ ዓቢይ ግደ ዘበርከተት ከተማ'ያ።

ግብጻውያን ንምዕራባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ተቘጻጺሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ጣልያን ንእንግሊዝን ፈረንሳን ተኸቲላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዝኣታ ከተስፋሕፍሕ መደበት።

ብሕዳር 1869 ብ'ሩባቲኖ' ዝፍለጥ ኩባንያ ጕዕዞ-መርከብ ብጁዘፐ ሳፐቶ ተመሪሑ ኣብ ዓሰብ መሬት ገዝአ።

ኢጣልያዊ ጁዘፐ ሳፐቶ (ላዛሪስት ምስዮናዊ፡ መምህርን ዳህሳስን) ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብቑዕ ኣፍልጦ ዝነበሮ ሰብ ነበረ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጀኖቫ - ብ1862 ካብ ቅሽነት ምስ ወጽአ ማለት'ዩ፡ ብባህልታትን ቋንቋታትን ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ምርምር ዘካየደ፡ ዝመሃረን ጽሑፋት ዘቕረበን ንጡፍ ተመራማሪ ነበረ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ኣብ ከባቢ መንሳዕ፡ ቦገስ፡ ሓባብ ድህሰሳ ኣካይዱ ከም ዝነበረ'ውን ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝሕብሩ ምጥቃሱ ኣድላዪ'ዩ።

ንመደባት ጣልያን፡ ማለት ግዝኣቶም ከስፋሕፍሑ፡ ይድግፍ ስለ ዝነበረ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ ዓንኬል ሓለፍትን መራሕትን ኣትዩ ስርሑ ከካይድ ጀመረ።

ብ1863 ናብ ግብጺ ምስ ተላእከ ንናይ ግዝኣት ዓደን ገዛኢ ዝነበረ እንግሊዛዊ መኰነን ክረኽቦ ከኣለ። ዕላማኡ ድማ ምስቲ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ተሰማሚዑ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓሰብ መሬት ንምዕዳግ ነበረ።

ኰይኑ ድማ ብ1879-1870 ንኹባንያ 'ሩባቲኖ' ወኪሉ ንዓሰብ ክዕድግ ከኣለ። ቀጺሉ ከኣ፡ (ብ1879-1881) እቲ ቦታ ናብ መንግስቲ ጣልያን ብዕሊ ከም ዝሰጋገር ገበረ - ብእኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ዞባ (ዓሰብን ከባቢኣን) 'ግዝኣት ዓሰብ' ተባሂሉ ብጣልያን ክመሓደር ከኣለ።

ዋላ'ኳ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ዞባ ይቈጻጸርዎ፡ እቶም ናይቲ ዞባ ያታውያን መራሕቲ ንምትእትታው ጣልያን ይቃወምዎ ነበሩ፣ መንግስቲ ጣልያን ግን ንተቓውሞታት ብምጥሓስ ቀስ ኢሉ ንግዝኣት ዓሰብ ከስፋሕፍሕ ከኣለ።

ዓፈር

ዋላ'ኳ ጣልያን ንመሬት ዓፈር ይሰናጥቆ፡ ኣብ ህይወት ጕስነት ዓፈር ግን ብዙሕ ለውጥታት ኣየኸተለን ክበሃል ይከኣል።

ሓሓሊፉ መዓስከራት ጣልያን ነይሮም'ዮም፣ ኣብ ሞንጎ መርሳ ፋጥማን ኮሌሊን ናይ ዕደና ትሕተ-ቕርጺ ይምዕብል ነይሩ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተሃንጸት ወደብ ዓሰብ፡ እቲ ናብራን ህይወትን ደቀባት ብዙሕ ኣይተተንከፈን።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ብ1890 ብዓሰብ ዝጀመረ ምትእትታው ጣልያን ንመላእ ኤርትራ ንምቍጽጻር መንገዲ ፈጠረሎም።

ደንካልያ፡ በቲ ዝነበረ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ካብ ወሽመጥ ዙላ (ቡረ ፐኒንሱላ) ጀሚሩ ክሳብ ትሕቲ ወደብ ዓሰብ ዘሎ መሬት ዝሽፍን ኰይኑ ንብምሉኦም ዓፈር ዝዛረቡ ኤርትራውያን የጠቓልል።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ደንካልያ ብ1995 ኣብ ክልተ ዞባታት ምምሕዳር ከም ዝተኸፍለት ምጥቃሱ የድሊ - ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ።

ንድሕሪት ምልስ ክንብል፡ ኣብ ደንካልያ ብዘመን ግዝኣት ጣልያን ዝተወደበ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ክሳዕ ሰብዓታት ዳርጋ ኣይነበረን።

ጣልያን ካብ ደቀባት ዓሳክር ከሰልጥኑ ካብ ዓፈር ግን ብዙሓት ኣይተዓስከሩን።

ብመንጽሩ፡ ህዝቢ ዓፈር ካብ ስልጣነ ጣልያን ብዙሕ ኣይከሰቡን። ንኣብነት፡ ጣልያን ኣብ ፈቐድኡ ቦታ ኣብያተ ትምህርቲ ክሃንጹ ኣብ ደንከል ግን ኣይሃነጹን፣ ብትምህርትን ንግድን ርኹባት ዜጋታት ኣይተፈጥሩን።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ኤርትራ ማእከላይ ደርቢ ክምዕብሉ ኣብ ደንከል ግን ማእከላይ ደርቢ ክፍጠር ኣይተኻእለን።

ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ህዝቢ ዓፈር

ህዝቢ ዓፈር ኣብ ሰለስተ ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘሪኦም - ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ጅቡቲን - ኣብ ጐላጕል ምድረበዳን ኣብ እምባታት ሃጓፍ ስንጭሮታትን (Rift Valley) ኣብ ሞንጎ ገማግም ወሽመጣት ታጅዋን ዙላን ይነብሩ።

ኣብ ኣርብዓታት ህዝቢ ዓፈር ብጐስጓስ ብዓል መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ኣቢሉ ጸግዒ ጣልያን ሒዙ ከም ዝነበረ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ - ብሙሳ ገዓዝ ኣቢሉ - ጽልዋ ኣል-ራቢጣ ከም ዝነበሮ ተራእዩ ነበረ።

ካብኡ ተረፈ፡ መጠናዊ ጥርናፈ ህዝቢ ዓፈር ብድፍኢት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ ፖለቲካዊ ስምዒታት ኣብ ግዝኣተ-ሱልጣን ኣዋሳ ከም ዝዓስል ዝተገብረ።

ኣዋሳ ካብ ዓሰብ ዳርጋ 200 ኪ.ሜ. ርሑቑ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቦታ'ዩ።

ንስነ-ህዝቢ (ዲሞግራፊያ) ህዝቢ ዓፈር ብኣሃዝ ምግላጹ ኣሸጋሪ'ዩ - ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ስለ ዝቐርቡ።

ኣብ ኤርትራ ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሩ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፡ ቈጸራ-ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደ ኵሉ ብግምት'ዩ ዝቐርብ። ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ዓፈር ዳርጋ 60,000 ይኸውን ይብል ዳን ኮኔል - ብታሪኽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ተመራማሪ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓረባዊ ሓውሲ ደሴት፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዓፈር ከም ዘለዉ ምዝካር ኣድላዪ'ዩ።

ዓፈር ኣብ ገማግም ባሕሪ ከም ቀወምቲ ነባሮ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ከም ነጋዶ (ብባሕሪ ዝመላለሱ) ኰይኖም ይነብሩ፣ ከምኡ'ውን ብዕደና ጨው ኣብ ከባቢ ቡሬ፡ ዓሰብ፡ በይሉል፡ ዕዲ፡ ጢዖ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ-ገለ ንኣሽቱ ደሴታት ዝነብሩ ኣለዉ። በቲ ካልእ ሸነኾም ድማ ካብ ገማግም ንውሽጢ ብምእታው ብመጓሰን ሕርሻን ዝናበሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ መጻረዪ-ነዳዲ ምስ ተዓጽወ፡ ንግዲ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተቛረጸ፡ ቍጠባ ደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራ (ዓሰብን ከባቢኣን) ጨሪሱ ዛሕተለ። ህዝቢ ዓፈር ከኣ ተዓገበ።

ጸኒሑ ኣብ መጠረስታ 1990ታት ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስኒት ኣይተረኽበን፣ ብእኡ ምኽንያት ድማ ዓፈር ኣብ ሞንጎ ስለ ዝተቐርቀሩ ኵነታቶም ገደደ።

ወፍሪ ደንካልያ፡ ግንቦት 1991 እንታይ ተረኽበ?

ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ብውግእ ዝተፈተነ ህዝቢ'ዩ። ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ዛዛሚ ኲናት ድማ ብ"ወፍሪ ደንካል፡" ዝፍለጥ ስርሒት ተኻየደ።

ገማግም ደንካልያ ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ውግእ ሓያል ምንባሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጽዎ። እቶም ውግኣት ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ 1991 እዮም ጀሚሮም።

ኣብ ለካቲት 1991 ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ካብ ገላዕሎ ንደቡብ ገጾም ብምምራሕ፡ ነቲ ኣብ ጢዖ ዝነበረ መዓስከር ኢትዮጵያ ብባሕርን መሬትን መጥቃዕትታት ብምፍናው ደምሰስዎ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ከኣ ናብ ዕዲ ገጾም ኣምርሑ።

ደርግ ሓይልታቱ ኣኪቡ ኣብ ሰሜን ባርዓሶለ ድፋዓት ሓዘ፣ ተጋደልቲ ግን ብታንክታት ንሓይልታት ደርግ ገጠምዎም።

ኣብቲ ውግእ'ቲ ሽድሽተ ብርጌድ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን 38 ታንክታት ከም ዝዓነዋ ሰነዳት ታሪኽ ይጽብጽቡ።

ተጋደልቲ ተጓይዮም ንበይሉል - ካብ ዓሰብ 50 ኪ.ሜ. ዝርሕቀቱ ቦታ - ተቘጻጸሩ። ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ዋላ'ኳ ረዳት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ዓሰብን ውሽጥ ሃገርን (ኢትዮጵያ) ይምጽኡ፡ እቶም መልሰ-መጥቃዕትታት ከሸፉ፣ ተጋደልቲ ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ዓሰብ ድፋዓት ሓዙ። ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ጽርግያ ኸኣ ብ21 ግንቦት ዓጸዉዎ።

ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ውግእ ድማ ንዓሰብ ብ25 ግንቦት ሓራ ኣውጽእዋ።

ኣብ ብ1950ታት ኰነ 1960ታት መንእሰያት ዓፈር ኣብ ካይሮ ይዅን ሱዳን ኣብ ምንቅስቓስ ሓራካት ታሕሪር ኤሪትረያ (ማሕበር ሸውዓተ) ይዋስኡ ከም ዝነበሩ ምጥቃሱ የድሊ። ጸኒሖም እውን - ማለት ን1970ታት - ደቂ ዓፈር ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም'ዮም፣ ካብቶም ፍሉጣት ደቂ ዓፈር ተጋደልቲ ዓሊ መሓመድ ኢብራሂም፡ መሓመድ ዓሊ ኢሳቕ ክጥቀሱ ይከኣል። ድሒሮም ከኣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፉ ኣለዉዎም፤ ከም ዓሊ ሰይድ ዓብደላ (1949-2005)ን ሜ/ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሪ (ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ)ን ዝርከቡዎም ተወለድቲ ናይቲ ዞባ እዮም።

ህይወት ዓሰብ፡ ትማልን ሎምን

ናይ ሎሚ ደንካልያ ኣብ ክልተ ናይ ምሕደራ ዞባታት ተኸፊሉ ብደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ ይፍለጥ።

ዝሰፍሐ መሬት ደንከልያ ምድረበዳ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ መዓሙቛት (Depressions) ድማ ኣዝዩ ሃሩር'ዩ።

እቶም ኣብኡ ብጕስነት ዝነብሩ ሰባት ድማ ኣብቲ ዞባ ናጻ ኰይኖም ብዘይ ገለ ጸገም ንዶባት ኢትዮጵያ ጥሒሶም ይኣትዉን ይወጽኡን ነበሩ። ሕጂ ግን ኵነታት ኣይከም ቀደምን።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ ዓፈር ብምግፋፍ ዓሳ፡ ንግዲ - ምስ ገማግም ዓረብ ዘካይድዎ ንግዲ - ኣብ ገደና-ጨው እዮም ዝናበሩ ነይሮም። እቲ ንዓሰብን ባጽዕን ዘራኽብ ጽርግያ ንጢዖ ሰንጢቑ ብምሕላፍ ድሕሪ ናጽነት ኣብ መጠረስታ 1990ታት'ዩ ተሃኒጹ፣ ነቲ ዞባ ህይወት ክመልስ ገይሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ቅሳነት ግን ከምቲ ዝድለዮ ኣይሰፈነን።

ዓሰብ ከም ወደባዊት ከተማ መጠን ተወለድቲ ዓፈር ጥራይ ዘይኰኑ፡ ካብ ከበሳታት ኤርትራን ማእከል ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ዝነብሩዋ ዝነበሩ እያ።

ንዓሰብ ቀንዲ መትኒ ኰይኖም ካብ ዘንቀሳቕሱዋ ዝነበሩ ሰለስተ ትካላት ምጥቃስ ይከኣል፤ ወደብ፡ ካብ ዓሰብ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 3 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲን መፍረ ጨውን እዩ።

እቲ ኣብታ ከተማ ዝሰላሰል ካልእ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ኣብዘን ሰለስተ ዓበይቲ ትካላት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወደብ መጻረዪ-ነዳድን ዝምርኰስ እዩ ነይሩ።

ወደብ ዓሰብ ቅርጺ ናይ 'በ' ዘለዎ ኰይኑ፡ ብሓደ ሸነኹ 530 ሜትሮ፡ ብኻልኣይ ሸነኹ 198 ሜትር በቲ ሳልሳይ ወገኑ ከኣ 588 ሜትሮ መጸግዒ መራኽብ ኣለዎ።

ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ሽዱሽተ ማእከሎት መራኽብ ናይ ምዕሻግ ዓቕሚ ኣለዎ።

ዓሰብ ካብ ካልኦት ከተማታት ፍልይ ዘብላ፡ እተን ኣብኡ ዝነበራ ከም ወደብ ዓሰብ፡ መጻረዩ ነዳዲ ዓሰብ፡ ማረይን ታይምን ንሰራሕተኛታትን መንበሪ ዝኸውን ኣዝዩ ምዕቡል ገዛውቲ ሰሪሐን ይቕርባ ምንባረን'ዩ።

ንኣብነት፡ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ኣብ ሰለስተ ገጻት ዝተሰርሐ ንሰራሕተኛታት መንበሪ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኵሉ ዘማልአ ኣዝዩ ምዕቡል ገዛውቲ ነይርዎ።

እቲ ቀዳማይን ካልኣይን ገጽ 'ራሻን ካምፕ' ወይ ካምፖ ሩስያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ (ሩስያውያን ኣብ ምትካል መጻረዪ ነዳዲ ስለ ዝሰርሑ፡ ስሙ ካብኡ ዝርዓመ'ዩ)፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሜዳ መጻወቲ ኩዕሶ፡ ክለብ መዘናግዒ ሰራሕተኛታት ምስ ደቈምን ሕክምናን ዘለዎ ዘመናዊ ገዛውቲ እዩ ነይሩ።

እቲ ሳልሳይ ገጽ፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ተጀሚሩ ኣብ መወዳእታ 1991 ዝተዛዘመ'ዩ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነኪነት ኣስመራ ተማሂሮም ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ስራሕ ዝጀመሩ መንእሰያት ይነብርዎ ስለ ዝነበሩ፡ 'ካምቦ ኣስመራ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ሰራሕተኛታት ወደብ ዓሰብ'ውን ብተመሳሳሊ ሻዱሻይ፡ ሻውዓይ ከምኡ ከኣ ሻሙናይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኣግራብ ዝወቀበ ጽቡቕ መንበሪ ገዛውቲ'ዩ ነይርዎም።

እቲ ኣብ መንበሪ ሰራሕተኛታት ወደብን መጻረዪ-ነዳድን ዝነበረ ኣግራብ ገሊኡ ፈጺሙ ኣብቲ ሃሩር ክበቍል ትጽቢት ዘይግበረሉ እዩ።

ኣብ ርእሲ ከም ዓርኮብኮባይ ዝኣመሰሉ ናይ ምድረበዳ ኣግራብ፡ ዘይቱን፡ ሮማን፡ ወይኒ፡ ኣራንሽንን ለሚንን፡ ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ዕንባባታት ዝሓዘ ኣግራብ ኣብቲ ገዛውቲ ስልም ምስ በለ'ዩ ዝነበረ።

እቲ ኣግራብ ኣብ ሰሳልስቲ ንዓኡ ኢሎም ብዝተመደቡ ሰራሕተኛታት ብቦጣት ማይ ይሰትን ይዅስኰስን።

እቲ ካልእ ትርኢት ናይታ ከተማ ካብ ዓዲ ንፋስ ጀሚርካ ክሳብ ውሽጢ ዓሰብ ዝነበረ ዕሙር ኣብያተ መግብን ባራትን'ዩ።

እቲ ኣብያተ መግብን ባራትን፡ በቶም መካይኖም ካብ ወደብ ክጽዕና ዝጽበዩ መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝቶምን ቅጽጽ ምስ በላ'የን፣ ብፍላይ ዓሰብ ከቢርን ካምቦ ሱዳንን ቀንዲ ማእከል መራሕቲ መካይን እየን ነይረን።

ከም ዘርኣይ ደረስ፡ እንዳ ኒኖንን መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ዓሰብ ክመጽእ እንከሎ ዘዕርፈላ ዝነበረ ክለብ ወደብን ዝኣመሰላ ሆቴላት፡ ቀንዲ በጻሕቲ ዘዕርፉለን ዝነበሩ ዓበይቲ ሆቴላት እታ ከተማ እየን።

ህይወት ዓሰብ ካብ 1998 ጀሚሩ እናኣንቈልቈለ ኣብዚ ግዜ'ዚ ውሑድ ህዝቢ ዝነብራ ዝባደመት ከተማ ኰይና ኣላ ንምባል ይከኣል።

እቲ ቀንዲ መትኒ ቀረብ ነዳድን ጋዝን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ብምዕጻዉ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ፋሕ ኢሎም እዮም።

እቲ ኣዝዩ ዘመናውን ብዝተፈላለየ ኣግራብ ዝወቀበ ዝነበረ መንበሪ ሰራሕተኛታት ወደብን መጻረዪ-ነዳድን ዝበዝሕ ኣግራቡ በሪሱ፡ እቲ ንምድረበዳን ኣጻምእን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎ ኣግራብ ጥራይ ሓሓሊፉ ይርአ።

እቲ ብ1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ግን ንዕለታዊ ህይወት ዓሰብ ብዓቢይ እዩ ጸልዩዎ። ድሒሩ ዝሰዓበ (2014) ውግእ ሓድሕድ የመን ንገማግም መላእ እቲ ዞባ ሃስዩዎ እዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዞባ ብምእታዋ ንገማግም ዓሰብ ናብ ዞባ-ውትህድርና ቀየሮ፣ ንንቡር ናብራ ዓሰብ ከኣ ደሃኾ።

ኣብ ጋዜጣታት ኤርትራ ብዛዕባ ዓሰብ ዝቐርብ ሓተታ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ። ኰይኑ ድማ ነቲ ዘሎ ህሉው ኵነታት ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ'ውን ብቐሊሉ ኣይርከብን።

እቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቅታት መሚኻ ምቕራቦም ከኣ የሸግር። ዓሰብ ከም ኣስመራ ኣይኰነትን - ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ዓሰብ ንኽበጽሕ ብቑዕ ቱሪስታዊ መትንታት የብላን። ኰይኑ ድማ ብዛዕባ ዓሰብ ወረ ሒዙ ናብ መንበሪኡ ዝምለስ ሰብ የሎን ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዕቑር-ዓቕሚ ዓሰብ ብዙሕ ክነሱ እቲ ወደብ ኣብ ቍጠባ ሃገር ዘበርክቶ ኣታዊ ምጽብጻብ ኣሸጋሪ'ዩ።

እቲ ወደብ ንምንታይ ኣይሰርሕን ኣሎ ኢልና ዛዕባ ከነልዕል ክብድ ይብል፣ ንተመራመርቲ ዝኸውን ብቑዕ ሓበሬታ ስለ ዘየሎ። መንግስቲ ከኣ ብሸነኹ ዘቕርቦ ጸብጻብ የሎን።

ህላወ ዓሰብ ዳርጋ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኰይኑ፡ ትርጕም-ህላወኣ ግን ደፊሩ ዝጽብጽብ ኣይርኣይን።

ካብቲ ምትህልላኽ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓሰብ ኣዝያ ክትጕዳእ ከላ፡ ንወደብ ጅቡቲ ግን ቀዳዊኣ እዩ ኰይኑ።

ሎሚ ወደብ ጅቡቲ ንኤውሮጳ፡ ርሑቕ ምብራቕ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ወሽመጥ ፋርስ እተራኽብ ኰይና ንዓሰብ ሓሊፋ ተወንጪፋ፣ እታ ዝበለጸትን ኣዝያ ትሰርሕን - እኳ ደኣ ካብ ምሉእ ኣፍሪቃ - ከም ዝዀነት ከኣ ይንገረላ'ዩ።

ብግምት፡ ብወደብ ጅቡቲ ማዕረ 2,500 መራኽብ ኣብ መዓልቲ ከም ዝሓልፋ ይንገር። "ኣብ ጅቡቲ እዚ ኵሉ ክካየድ ወደብ ዓሰብ ግን ንምንታይ ብጽምዋ ክትቃዝን ተፈሪዳ?" ኢልካ ምሕታት ግቡእ'ዩ።

ካብ 1998 ጀሚሩ ወደብ ጅቡቲ ናይ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ (95%) ንግዲ ትዓምም። እቲ ወደብ ንናይ ኮሜሳ (COMESA) ዕዳጋ ንምስትእንጋድ - ናይ 19 ሃገራት ወይከኣ 380 ሚልዮን ህዝቢ - ኣብ ጥጡሕ ቦታ ትርከብ።

እቲ ብ2018 ዝተኸፍተ ሓድሽ መንገዲ ባቡር (ኣዲስኣበባ -ጅቡቲ) ንኢትዮጵያ ከም ወደብ-ባሕራ እዩ ክበሃል ዝከኣል።

ወደብ ዓሰብ ግን ካብ ንግዲ ዓለም ርሒቓ ትርከብ። ናይ ዓለም ባንክ ብ2021 ንወደብ ጅቡቲ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበለጸት ንኮንተይነራት እተስተኣናግድ ወደብ ኢሉ ሰምዩዋ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሓሓሊፉ ኣብቲ ገማግም፡ ምናዳ ኣብ ከባቢ ዙላ፡ ነዳዲ-ዘይቲ ከም ዘሎ ይጥቀስ'ዩ።

ኣብቲ ዞባ ጋዝ ተረኺቡ ከም ዝነበረ፡ ዓበይቲ ትካላት-ድህሰሳ- ከም ኣጂፕ፡ ሞቢል ዘኣመሰላ - ክፍሕራ ጀሚረን ነይረን'የን። ውጽኢቱ ግን ቅሂሙ ተሪፉ።

ዓሰብ ብዕደና ይዅን መራኽብ ብምስትእንጋድ ዓቢይ ዕቑር ዓቕሚ ከም ዘለዋ ርዱእ ኰይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ውጽኢት ዘይተረኽበላ ወደብ ኰይና ተሪፋ ክበሃል ይከኣል።