ኢሎን ማስክን፡ ሰፊሕ ቅልውላው ድሕሪ ምፍጣሩ ሓላፍነቱ ከጕድል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቴስላ ኢሎን ማስክ፡ ትካሉ ገዚፍ ክሳራ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ዝጸንሖ ተራ ኣመና ከጕድል ከምዝዀነ ገሊጹ።
ንሱ፡ እዚ ድሕሪ ምባሉ፡ ካብ እዋን ጓስጓስ መረጻ ጀሚሩ ፕረዚደነት ትራምፕ ንኽዕወት ብገንዘቡን ጉልበቱን ዝሓገዘ ኢሎን ማስክ፡ ካብ 'ስልጣኑ ክወርድ ድዩ' ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ብእኡ ዝምራሕ ትካል 'ዶጅ' [ክፍሊ ብቕዓት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ]፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ብዙሓት መደባት ዘካይድ ኣመሪካዊ ትካል ማሕበራዊ ተራድኦ [USAID] ዝኣመሰሉ፡ ብዙሕ ንጥፈታት መንግስቲ ፈዴራል ደው ክብል ዝገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቤት ጽሕፈት "ዶጅ"፡ ወጻኢታት መንግስቲ ንምንካይን ብቕዓት ትካላት ንምምሕያሽን ዝሕግዙ መንገድታት ንምርካብ ዕማም ተዋሂብዎ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣሸሓት ሰራሕተኛታት ፈዴራል'ውን፡ ካብ ስርሖም ክስጐጉን ግዱድ ዕረፍቲ ክወስዱን ገይሩ እዩ።
እዚ ውሳነታት'ዚ ኣብ ኣመሪካ ሰፊሕ ቅልውላው ብምፍጣሩ፡ ኣሸሓት ኣብ ጐደናታት ከተማታት ኣመሪካ ወጺኦም ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራእዮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዀይኑ ዘሎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቴስላ ኢሎን ማስክ፡ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ የንሳሕብ ኣሎ ድዩ ዝብሉ ጥርጣረታት ምስመዖም ዝገርም ኣይኰነን።
ቴስላ፡ ኤሎን ማስክ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ኢዱ ካብ ዝሕምዙቕ ንደሓር ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
መኽሰብን ኣታዊታትን እቲ ኩባንያ እናነከየ ብምኻዱ፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝነበረ ግዜ ናብ ክልተ መዓልታት ኣብ ሰሙን፡ ይንክዮ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ኣታዊታት ተስላ ብ20 ሚእታዊት ክጐድል ተራእዩ።
እዚ ምንቍልቋል እቶት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ70 ሚእታዊት ጕድለት ኣርእዩ።
እቲ ኩባንያ፡ ተገዳስነት በዓል ዋናታት ኣክስዮን፡ በቲ "ዝቕየር ፖለቲካዊ ሃዋሁ" ብንዋታዊ መንገዲ ክጽሎ ከምዝኽእልን ምጕዳል እቶት ክቕጽል ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ።
እቲ ኩባንያ ዘጓነፎ ምጕዳል ኣታዊታት ከርኢ ዝጀመረ፡ ብዙሓት ኣመሪካውያን ንተራ ኢሎን ማስክ፡ ኣብ ጐስጓስ ዳግመ መረጻ ዶናልድ ትራምፕ ተሪር ተቓውሞ ድሕሪ ምግላጾም'ዩ።
ኢሎን፡ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝገብሮ ዝዓበየ ጻዕሪ ወጻኢታት መንግስቲ ንምንካይ ዝቘመን ግን ድማ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ብምፍጣር ዝውቀስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ብቕዓት መንግስቲ እዩ ክመርሕ እዩ ተመዚዙ።
እዚ ውሳነታት እቲ ክፍሊን ምስ ካልኦት ተማዘመድቲ ውሳነታት ምምሕዳር ትራምፕ ተደማሚሩ፡ ቍጠባ እታ ሃገር የንቈልቁል ከምዘሎ'ውን ተንተንቲ ይሕብሩ።
ቅድም ክብል፡ ላዕለዋይ ፈደራላዊ ዳኛ ኣመሪካ፡ ኢሎን ማስክ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ገንዘብ [ግምጃ ቤት] ዝተታሕዙ መረዳእታታት ሚልዮናት ኣመሪካውያን ከይምርምር ምዕጋቱ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መንግስታዊ ትካላት ለውጢ ንምምጻእ ዝተመስረተ እዚ ኡኢሎን ማስክ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት፡ ካብ ክፍሊ ገንዘብ ሓበሬታ ድሕሪ ምእካቡ እዩ፡ ካብ 19 ግዝኣታት ኣኽበርቲ ሕጊ ክሲ ቀሪቡ ዘሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



