እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዌስት ባንክ ሓሙሸተ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም
ኣብ ዌስት ባንክ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርባዕተ ክስተታት ሓሙሽተ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሰብመዚ ፍልጤምን እስራኤልን ገሊጾም።
ኣብ ጥቓ ከተማታት ራማላህን ሄብሮንን ምስ ወተሃደራት እስራኤል ሎሚ ለይቲ ብዝተፈጠረ ግጭት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ ኣሕዋት ዝርከብዎም ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ብጥይት ተቐቲሎም።
ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ራብዓይ ግዳይ፡ ብመኪናኡ ንወተሃደር ብምግጫው ኣብ ልዕሊ እታ ወተሃደር ከቢድ ጉድኣት ስለ ዘውረደ እዩ ተቐቲሉ ኢሉ።
እቲ ሓምሻይ ፍልስጤማዊ ድማ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ጥቓ ራማላህ ኣብ ዝተወልዐ ጐነጽ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዌስት ባንክን እስራኤልን ዝተኸሰተ ናዕቢ ስዒቡ፡ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን “እንደገና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውጥረት ይዓርግ ከምዘሎ” ኣጠንቂቝ።
ወተሃደራት እስራኤል ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ብውሑዱ 140 ፍልስጤማውያን ዝተቐተልሉ ዌስት ባንክ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ሰባት ይኣስሩን ተፍትሽ የካይዱን ኣለዉ።
ፍልስጤማውያን ተዅስን በሊሕ ነገርን ገይሮም ብዘካየድዎ መጥቃዕትታት’ውን ልዕሊ 30 እስራኤላውያን ተቐቲሎም እዮም።
ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብሪዘት ዝነበሩ ወዲ 22 ዓመት ጃዋድ ሪማውን ወዲ 21 ዓመት ታፈር ሪማውን፡ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ራማላህ 16 ኪሎሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ትማሊ ሰሉስ ብወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም።
ወተሃደራት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ዘካይድሉ፡ እቶም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ቤተ ሪማ ዝርከብ ሓደ ዘመዶም ከም ዝበጽሑ ምንጭታት ፍልስጤም ሓቢሮም።
እቶም ወተሃደራት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ብዙሓት ፍልስጤማውያን መንእሰያት እምንን ተቐጻጻሊ በንዚን ቦንባታት (petrol bombs )ብምድርባዮም እቲ ጐነጽ ከም ዝተወልዐ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
ሚኒስተር ጥዕና ፍልስጤም፡ እቶም ክልተ ኣሕዋት ብጥይት ምስ ተወቕዑ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል እኳ እንተ ተወሰዱ፡ ብሂወት ከም ዘይተረፉ ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ለይቲ “ልሙድ” ዕማሙ ኣብ ዝፍጽመሉ፡ “ብዝተፈላለዩ ጥርጡራት ናዕቢ ተወሊዑ” ኢሉ።
“እቶም ጥርጡራት እምንን ሞቶሎቭ ኮክተይልን ናብ ወተሃደራት ደርብዮም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ናዕቢ በቲኖምን ተዅሲ ከፊቶምን” ኢሉ።
ኣቦ ሽድሽተ ቈልዑ ዝዀነ ወዲ 44 ዓመት ሙፊድ ኢክሊል፡ ኣብ ሰሜናዊ ሄብሮን 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ትርከብ በይት ዑመር፡ ብወተሃደራት እስራኤል ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝተወቕዐን ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከም ዝሞተን፡ ሚኒስተር ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ሸሞንተ ፍልስጤማውያን ከም ዝቘሰሉ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊፁ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ ሓለዋ ዝነበራ ክልተ ወተደራዊ መኻይን ኣብ በይት ዑመር ብዘጋጠመ “ተክኒካዊ ፀገም” ተገቲአን ከምዝርከባን፡ ኣብታ መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል'ውን ብናዕበኛታት ከም ዝተጠቕዑ ገሊፁ።
ኣብ ዌስት ባንክ ዝመደበሩ ምምሕዳር ፍልስጤም ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሽይታህ፡ ንዝተፈፀሙ ቅትለታት “ሕማቕ ገበን” ክብል ገሊጹዎም።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ብወገኑ፡ “መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍፀም ቅትለት፡ ኣዋጅ ኵናት እዩ” ክብል ኣጠንቂቝ።
ንወሽመጥ ቓዛ ተቘጻጺሩ ዝርከብ ሓማስ፡ “እስራኤል ትፍጽሞ ገበንን ግብረ-ሽበራን ምቕጻላ፡ ኣንጻር እስራኤል ንዝካየድ ተቓውሞ ዘሐይሎ እዩ” ኢሉ።