ዕርቃን ስእሊ ደቀንስትዮ እናሸጡ ዝናበሩ ሸፋቱ ኢንስታግራም

ኣብ ኢንስታግራም፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ እተን ኣካለን ቀሊዐን ዝስኣላ ጸገማት የጋጥመን ኣሎ።
ደቀንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ እናሸጡ ናብራኦም ዝመርሑ ሸፋቱ ኢንስታግራም ኣብዚ እዋን ተቐልቂሎም ኣለዉ።
እዞም ሸፈቱ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ስእሊ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ሰሪቘም፡ ብሓገዝ ኮምፒተር ኣመዓራርዮም [ኤዲት ገይሮም]፡ ነቲ ከፊላዊ ዕርቃኑ ዝነበረ ኣካላ ምሉእ ብምሉእ ዕርቃና ከምዝዀነት ኣምሲሎም’ዮም ናብ ዕዳጋ ዘቕርብዎ ዘለዉ።
እዚ ኣሳእል ኣብ ‘ሬዲት’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መተግበሪ’ዩ ንዕዳጋ ዝቐርብ።
ሬዲት ልክዕ ከም ፈይስቡክን ትዊተርን መተግበሪ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ኣብ 2005’ዩ ብወግዒ ጀሚሩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንሓደ ካብቶም፡ ዕርቃን ስእሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝሸይጥ ውልቀሰብ ንምርካብ ዘካየደቶ ጻዕሪ ይስዕብ።
ንሓደ ስእሊ ብ5 ፓውንድ
“ንሓደ ጓል ኣንስተይቲ ዕርቃና እንከላ ዘርኢ ስእሊ፡ ብ5 ፓውንድ፡ ዓቢ ምጕዳል ዋጋ’ዩ” እቲ ስእሊ ዝሸይጥ ንዓማዊሉ ምውዕዋዕ ይገብር።
ዕዳጋ ዝሕል ክብሎ እንከሎ ኸኣ፡ “ስእሊ ጥራይ ዘይኮነ ዕርቃና ዘርኢ ቪድዮ’ውን ኣሎና” ይብል።
እዚ ሰብ ዚፓማድ’ዩ ዝበሃል፡ ካብቶም ኣብ ሬዲት ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ስእልታት ካብ ዝሸጡ ሓደ እዩ።
ንሱ ኣብ ዝመስረቶ፡ ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ጕጅለ ሬዲት፡ ናይ ሓንቲ ዕርቃና ጓል ስእሊ ተለጢፍዎ ኣሎ።
ብኻልእ ኣዘራርባ ስእሊ ናይዛ ጓል ንኽሽየጥ'ዩ ንጨረታ ወሪዱ ዘሎ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ፡ ርእይቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ሰፊሩ'ሎ። እቲ ዝወሃብ ርእይቶ “ሕማቕ’ዩ” ጥራይ ኢልካ እትገልጾ ኣይኮነን።
ሓደ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ነታ ስእላ ተለጢፉ ዝነበረ ጓለንስተይቲ ክዕምጻ ከምዝደሊ ብጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ።
እዛ ጓል ስእላ ካብ ኢንስታግራም ተወሲዱ’ዩ ኣብዚ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዘሎ።
እቲ ኣሳእል ብዝተፈላለየ መንገዲ’ዩ ናብ ከም ዚፓማድ ዝኣመሰሉ ሸፋቱ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኣቱ።
ሓደ ካብቲ ኣገባብ፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ የዕሩኽተን ዝነበሩ ንኽፋእ ወይ ንሕነ ምፍዳይ ኢሎም ናብ ኢድ እዞም ሸፈቱ ማሕበራዊ ሚድያ ኣሕሊፎም ስለዝህብዎም’ዩ።
ኣብ ‘ሬዲት’ ንደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ስእልታት ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ፤ ስጋዊ ርክብ እናፈጸማ ዘርኢ ቪድዮታት’ውን ንዕዳጋ ይቐርብ’ዩ።
ብዙሓት ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ናብዞም ሸፋቱ ማሕበራዊ ሚድያ ኣሕሊፎም ዝህብዎ ኣሳእል፡ ቀስ ኢሉ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ’ዩ ዝኸውን። ክጥዓሱ’ውን ይኽእሉ’ዮም፣ እንታይ’ሞ ይዓብስ እቲ ኣሳእልን ቪድዮታትን ቀልጢፉ’ዩ ኣብ ኢድ ኣሽሓት ዝበጽሕ።
እቶም ነዚ ዕዳጋ ዝፍጽሙ ሰባት ካልእ ሰልዲ ዝረኽብሉ ኣገባብ’ውን ፈጢሮም’ዮም።
ነታ ኣብ ስእሊ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ መን ምዃናን ኣድራሻኣን ፈሊጦም፡ ክንድዚ ክፈልና ነቲ ስእሊ ወይ ቪድዮን ክንኣልዮ ብምባል ዘይተኣደነ ሰልዲ ይሓቱ።
እቲ ‘ሬዲት’ ዘበሃል መተግበሪ፡ መዓልታዊ ልዕሊ 50 ሚልዮን ተጠቐምቲ ዘለዉዎ ዓቢይ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ።
ሰለዚ ሓንሳብ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ስእሊ ይዅን ቪድዮ፡ ካብ ኵሉ ከብሕታት እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክድምሰስ ቀሊል ኣይኮነን፤ ግዜ ይወስድ'ዩ።
ኣብዚ ዓመት ናይ ብዙሓት ሰብ ዝና ደቂ ኣንስትዮ፡ ስጋዊ ርክብ ዝፍጽማ ዘለዋ ኣምሲሉ ዝተዳለወ ቪድዮታት ኣብ ከብሕታት እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቀሪቡ’ዩ።
ናይ ገሊአን ከኣ ብሓቂ ነቲ ተግባር እናፈጸመኦ እንከለዋ ብሕቡእ ካሜራ ዝተሰኣለ’ዩ።
እንተዀነ ‘ሬዲት’ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ስእልታትን ቪድዮታትን ንኽድምስሶም ብዙሕ ግዜ’ዩ ወሲድሉ።
‘ሬዲት’፡ ሰብ ዝና ደቂ ኣንስትዮ ስጋዊ ርክብ ኣናፈጸማ ዘምስል ቪድዮ ዝሰንዑ ገለ ሰባት ሕሳቦም ዓጽዩሎም'ዩ።

'ነብሰይ ከጥፍእ ፈቲነ'
ኣብ ‘ሬዲት’ ንመሸጣ ካብ ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ሓንቲ ጓል ስጋዊ ርክብ እናፈጸመት ዘርኢ ስእሊ ተዘርጊሑ ይርከብ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ፡ “ናይዛ ጓል ቪድዮ ኸ ይህልወኩምዶ?” ኢሉ ይሓትት።
ሸያጢ “ምሉእ ኣልበም ኣለኒ፡ 5 ፓውንድ ጥራይ’ዩ ዋጋኡ፡ ብናይ ውሽጢ መስመር ርኸበኒ” ኢሉ ይምልስ።
ፓኪስታናዊት ዓይሻ [ኣብዚ ጽሑፍ ሽማ ዝተቐየረ] ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ያ ስእላ ኣብ ሬዲት ከምዝወጽአ ፈሊጣ።
ስጋዊ ርክብ እናፈጸመት እንከላ፡ ዓርካ ዝነበረ ብዝተሓበአት ካሜራ ገይሩ ከምዝስኣላ’ያ ትጥርጥር።
ብሰንኪ እዚ ኣብ ምሉእ ፓኪስታን ፎእ ተባሂላ።
መንነታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተጠቐሰ ብዙሕ ምፍርራሓት ወሪዱዋ።
ካልእ መንነቱ ዘይትፈልጦ ሰብ’ውን “እዚ ቀቀሊሉ’ዩ ምሳይ ስጋዊ ርክብ እንተዘይፈጺምኪ ካልእ ቪድዮታት’ውን ኣለኒ ክዝርግሖ’ዩ” ኢልዋ።
“ዋላ እምቢ እንተኢልኪ ናብቲ ዘለኸዮ መጺአ ክዕምጸኪ’የ”ብምባል ከፈራርሓ ጀሚሩ።
ኣብ ፓኪስታን ጓል ኣንስትይቲ ሓዳር ቅድሚ ምግባራ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ፈጺሙ’ዩ ዘይፍቀዳ።
ዓይሻ ብድሕሪ እዚ ካብ ገዛ ፈጺማ ምውጻእ ገዲፋቶ፣ እቲ ዝወርዳ ዝነበረ ውርደት’ውን ክትጻወሮ ኣይከኣለትን።
ብዘይካ ነብሳ ምጥፋእ ዝዀነ ካልእ ኣይተራእያን። ነፍሳ ከተጥፍእ ኣብ ዝፈተነትሉ ሰባት ኣድሒኖማ።
ስድራቤታ ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢምዎም፡ ብሕበረተሰብ እቲ ከባቢ’ውን ተወጊዞም።
ዓይሻ፡ “ስድራይ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ስለዘእተኸዎም ልዕሊ ዝዀነ ከቢድ ሕፍረትን ውርደትን ተሰሚዑኒ” ትብል።
ዓይሻ፡ እቲ ቪድዮ ናብ መሸጣ ምስ ተዘርገሐ ንሬዲት ጠሪዓ ነይራ፡ እቲ ቪድዮ’ውን ክድምሰስ ክኢሉ።
እንተዀነ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን ተመሊሱ ብኻልእ ሸያጢ ንመሸጣ ቀሪቡ፣ ነቲ ዳግማይ ዝመጽአ ቪድዮ ንኽድምሰስ’ውን ተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ወሲዱ።
እንተዀነ ናብ ካልእ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ተላቢዑ ስለዝነበረ ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ኰይኑ።
ዕዳጋ ስእልታት ዕርቃን
እዚ ኣብ ሬዲት ዝግብር ዕዳጋ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ዝተወሰኑ ጕጅለታት’ዩ ዝካየድ። እንተዀነ እቲ ዕዳጋ ኣዝዩ ዕሙር’ዩ።
ሬዲት ኸአ ዝዀነ ጥርዓን ክቐርበሉ እንከሎ፡ ነቲ ስእሊ ቀልጢፉ ኣይኣልዮን’ዩ።
ነዚ፡ ሸውዓተ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ ተሰሪቑ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ደቂ ኣንስትዮ መስኪረናኦ ኣለዋ።
ሬዲት፡ ድኽመታት ከምዘለዎ ብምእማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 88 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእልታት ካብ ከብሕታቱ ከምዝደምሰሰ ገሊጹ።
ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእልታት ብምሻጥ ካብ ዝመሓደሩ ሓደ ዚፓማድ ይበሃል።
ኣብቲ ‘ፕሮፋይሉ’ ብዘይካ ስሙ፡ መንንቱ ይዅን ኣድራሻኡ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።
እንተዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ ትገዝእ ብምምሳል ክትረኽቦ ክኢላ ኣላ።
“ኣነ ደቂ ኣንስትዮ ንምጕዳእ ኢለ ኣይኰንኩን ዝገብሮ” ብምባል ጣዕሳኡ ብምግላጽ፡ ባዕሉ ዝሰንዖ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ኣሳእል ደምሲስዎ።
ሓቀኛ መንነቱ ከምቲ ኣብ ሬዲት ዘሎ ኣይነበረን፡ ብተግባሩ ብርቱዕ ጣዕሳ ከምዝተሰመዖ’ዩ ገሊጹ።
እቶም ንኸምዚ ዓይነት ዘቃልዑ ማሕበራዊ ሚድያታት ሸለልትነቶም ክሳብ መዓስ’ዩ ዝብል ግን ሕጂ’ውን ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ ኰይኑ ዘሎ።
ልክዕ ከም ዓይሻ፡ ብዓርካ ነበር ዕርቃና እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ሬዲት ዝተዘርግሓ ጆርጅያ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ዘለዋ ርእይቶ “ኣነ ኣብ ልዕሊኡ ሕነ ክፈዲ ሃቐነ የብለይን፣ ንሱ ኣብ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ኣጸያፊ ተግባሩ ከይደግሞ ጥራይ’የ ዝምሕጸኖ” ኢላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



