ትራምፕ፡ 'ምፍሳስ ደም' ዩክረይናውያን ደው ከብል ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶናልድ ትራምፕ፡ መፃኢ ሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብተሌፎን ብምዝርራብ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ከብቅዕ ከምዝፍትን ኣእንፊቱ።
እዚ ድማ "ደም ምፍሳስ" ደው ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ፑቲን ድሕሪ ዝገብሮ ዝርርብ፡ ምስ ፕረዚደንት ዩረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ገለ መራሕቲ ኔቶን ከምዝዝትይ'ውን ኣብ ማበሕራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
ዋላ'ኳ ኣብ ምልውዋጥ እሱራት ስምምዕ እንተበጽሐ፡ ሩስያን ዩክረይን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ብዓርቢ ኣብ ኢስታንቡል ፊት ንፊት ዝርርብ ኣካይደን ነይረን፤ ውጽኢቱ ግን ዝተሓዋወሰ እዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡ ፑቲን ኣብ ዝርርብ ኢስታንቡል ዝርከብ እንተዀይኑ፡ ክሕወሶም ከምዝኽእለ'ኳ እንተገለጸ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ግን ፍቓደኛ ከይኰነ ተሪፉ።
ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ እቲ ኲናት ናይ ምዝዛም ዕድል ዝህለዎ፡ ንሱን ፑቲንን ብቐጥታ ፊት-ን-ፊት እንተተዛሪቦም ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንማዕከናት ዜና ሩስያ፡ መፃኢ ሶኑይ ፑቲንን ትራምፕን ብተሌፎን ክዘራረቡ ምድላዋት ከምዝተገብረ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ቅድም ክብል ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ብተሌፎን ተዘራሪቦም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
"ውፅኢታዊ መዓልቲ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ፈጺሙ ክኸውን ዘይነበሮ ዓመጽ ዝመልኦ ኲናት ደው ከብሎ'ዩ" ክብል ትራምፕ ኣብ 'ኤክስ' ጽሒፉ።
መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ሩስያ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ክትሰማማዕ ይጽውዑ ኣለዉ።
ሞስኮ፡ ዋላ'ኳ ትራምፕ ብዝደለዮ ናህሪ ዘይትንቀሳቐስ እንተኾነት፡ ጻዕርታት ሽምግልና ኣመሪካ ብሓጎስ ተቐቢላቶ ኣላ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ዩክረይን ምሉእን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ተኹሲ ደው ምባል ጻውዒታ ደጊማ ኣስሚራ።
ብመሰረት ሓደ በዓል ስልጣን ዩክረይን፡ ክረምሊን ብወገና፡ ንኪቭ "ካብ ሰፊሕ ክፋል ግዝኣታ" ሰራዊታ ክትስሕብ ዝብል ሓዊሱ፡ ሓድሽን ዘይቅቡልን ጠለባት ኣቕሪባ ኣላ።
ሓላፊ ልኡኽ ሩስያን ሓጋዚ ፑቲንን ቭላድሚር መዲንስኪ ግን፡ በቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ ሕጉስ ምዃኑን ዝምድናኦም ንምቕጻል ድሉው ምዃኑን ገሊጹ።
እዙ ከምዚ እናሃለወ፡ ድሕሪ ሰዓታት ሰብ-ኣልቦ-ነፋሪት ሩስያ ኣብ ዞባ ሱሚ ንሓንቲ ናይ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስ ብምውቃዕ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ጽኑዕ እገዳ ክግበር ጸዊዑ።
ንሱ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣውቶቡሳት "ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈጸመ ቅትለት" ምዃኑ ገሊጹ።
ሩስያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበትን።
እንተኾነ ግን፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዞባ ሱሚ "ወተሃደራዊ ማእከላት" ዒላማ ከምዝተገብረ ጸብጺበን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



