ትራምፕ፡ ፑቲን ኲናት ደው እንተ ዘየቢሉ ሓድሽ እገዳ ከም ዝጽበዮ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ "ዘይረብሕ ኲናት" ከብቅዕ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ልዑል ቀረጽን ተወሳኺ እገዳን ከም ዘንብር ኣጠንቂቑ።
ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ጸቕጢ ብምግባር፡ ንሩስያን ፕረዚደንታን "ዓብይ ውዕለት" ይገብረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።
ሩስያ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ከም ዝወረረታ ይዝከር።
ትራምፕ ድማ፡ ነዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ደው ከብሎ እየ ክብል ጸኒሑ።
ሩስያ፡ ዛጊት ነቲ ትራምፕ ዝበሎ ዝምልከት ምላሽ ኣይሃበትን።
እንተዀነ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሞስኮ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ክትሰርሕ ዘኽእላ ንእሽቶ ዕድል ከምዘሎ ገሊጾም።
ፑቲን፡ ነቲ ፈለማ ኣብ 2014 ዝጀመረ ኲናት ደው ንምባል ክዛተ ድሉው ምዃኑ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ዩክረይን ግን ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 20 ሚእታዊት መሬታ ዝዀነ ክውንነት ግዝኣታዊ መኽሰብ ሩስያ ክትቅበሎ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ዩክረይን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ከም ዘየፍቅድ'ውን ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገለ ካብቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ተታሒዙ ዘሎ መሬት ንግዚኡ ክህብ ክግደድ ከም ዝኽእል እኳ እንተተኣመነ፡ ኪቭ ንሓዋሩ ግዝኣታ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።
ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስ ፑቲን "ኣብ ቀረባ እዋን" ክዘራረብ ምዃኑን፡ መራሒ ሩስያ ናብ መድረኽ ዝርርብ እንተዘይመጺኡ ድማ ተወሳኺ እገዳታት ክገብር "ተኽእሎ ከም ዘሎ" ሓቢሩ።
ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግን፡ "ቍጠባኣ ንዝፈሽል ዘሎ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዓቢ ውዕለት ክገብረሎም'የ" ኢሉ።
"ሕጂ ተረጋግኡ፤ እዚ ዘይረብሕ ኲናት ድማ ደው ኣብልዎ! [እንተዘይኰይኑ] ካብዚ ዝኸፍአ ጥራይ'ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ቀረባ 'ውዕል' እንተዘይገይርና፡ ኣብ ዝዀነ ነገር ዝለዓለ ግብሪ፡ ታሪፍን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ናብ ኣመሪካን እትሸጦም ነገራትን ካልኦት ኣብዚ ዝሳተፋ ሃገራትን እገዳን ካብ ምግባር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብለይን፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እዚ ኣነ ፕረዚደንት እንተዝኸውን ነይረ ፈጺሙ ዘይጅምር ዝነበረ ኲናት፡ ንወድኣዮ! ብቐሊል ወይ ብኸቢድ መገዲ ክንገብሮ ንኽእል ኢና - ወትሩ ድማ እቲ ዝቐለለ መገዲ'ዩ ዝሓሸ። ሕጂ ውዕል እንገብረሉ ግዜ'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ምክትል ኣምባሳደር ሩስያ ሕቡራት ሃገራት ዲሚትሪ ፖሊያንስኪ ኣቐዲሙ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዳ ትራምፕ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝገብሮ ስምምዕ እንታይ ከም ዝደሊ ክረምሊን ክፈልጥ ከም ዘድልዮ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብሰሉስ ንዓለምለኻዊ መድረኽ ቍጠባ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ብውሑድ 200 ሽሕ ዓቃቢ ሰላም ከም ዘድልዮ ገሊጹ።
ከምኡ'ውን እቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ንሩስያ ዝገትእ ንክኸውን ወተሃደራት ኣመሪካ ከጠቓልል ከም ዘለዎ ንብሉምበርግ ሓቢሩ።
"ኣመሪካ ዘይብሉ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ... ዋላ'ውን ገለ ኣውሮጳውያን መሓዙት ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም እንተሓሰቡ፡ ኣይከውንን'ዩ" ዝበለ ዘለንስኪ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኣመሪካ ዘይብሉ ጌርካ ኣብ ሓደጋ ክእቶ የብሉን ኢሉ።
መራሕቲ ዩክረይን ነዚ ዝያዳ ተሪር ዘረባ ትራምፕ ክንእዱዎ ይኽእሉ እዮም - ፑቲን ሓይሊ ጥራይ እዩ ዝርድኦ ይብሉ - እንተዀነ ኣብ ኪቭ ሰባት ዝጽበዩዎ ዘለዉ ነገር ተግባራት እምበር ቃላት ከምዘይኰነ ይግለጽ።
ትራምፕ፡ እቲ ዝወስዶ ቍጠባዊ ስጕምቲ ነየናይ ዘነጻጸረ'ዩ ወይ መዓስተግባራዊ ይኸውን ዝብል ንጹር ኣይገበረን።
ሩስያ ናብ ኣመሪካ እትሰዶ ፍርያት ካብ 2022 ጀሚሩ ኣዝዩ ጐዲሉ ከም ዘሎን ድሮ ብዅሉ ዓይነት ከቢድ ገደባት ተታሒዙ ከምዘሎን ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ቀንዲ ሰደድ ሩስያ ናብ ኣመሪካ ፎስፌት መሰረት ዝገበረ ድኹዒን ፕላቲንየምን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዩክሬናውያን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቍጥዐ ዝመልኦ ምላሽ ክህቡ ተራእዮም ኣለው።
መብዛሕትኦም፡ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ተወሳኺ እገዳ ድኹም ግብረ መልሲ'ዩ ይብሉ።
እቲ ዝዓበየ ሕቶ ግን ፑቲን ኣብ ዝዀነ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዝርርብ ሰላም ብሓቂ ቅሩብ ዝዀነሉ ዛዕባ እንታይ እዩ ዝብል'ዩ።
ኣብ ሞስኮ ድማ ገለ ሰባት ክረምሊን ንሩስያውያን ትሕቲ እቲ ኣብ ሓደ እዋን "ዓወት" ኢሎም ክሓስቡ ዝገበሮም ነገራት ንኽቕበሉ የዳልዎም ከም ዝህሉ ዘመላኽቱ ነገራት ኣለው።
እዚ ድማ ካብ ምዕራብ ክሳብ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ዘለዋ ታንክታት ምስሓብ ዘጠቓለለ እዩ።
ደጋፊት ፑቲን ዝዀነት ኣሰናዳኢት ተሌቪዥጀን ማርጋሪታ ሲሞንያን፡ ነቲ ኲናት ንምውዳእ "ክውንነታዊ" ኵነታት ክትዛረብ ጀሚራ ኣላ፤ እዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ግንባር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ምባል ከጠቓልል ከም ዝኽእል ትእምት።
እዚ ማለት እተን ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ፑቲን ብዘይሕጋዊ መገዲ መሬት ሩስያ ኢሉ ዝጐበጠን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን -ከም ዛፖሪዝዝያ ብኸፊል ኪቭ - ትቈጻጸራ ውግእ ደው ከብል'ዩ ማለት'ዩ።
ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሩስያውያን -"Z" ዝበሃሉ ብሎገራት- ብኸምዚ ዝበለ "ስዕረት" ተቘጢዖም ኣለዉ።
ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ሩስያ ብዛዕባ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኔቶ ዘለዋ ስክፍታ "ክርድኦ" ይኽእል እየ ከም ዝበለ ይፍለጥ።
ሕጂ ድማ መርገጺ ትራምፕ ኣገዳሲ እዩ።
ድሕሪ ናይ 11 ዓመታት ኲናት፡ ምስ ሩስያን ታሪኽ ድኹም ስምምዓት ሰላም ዘለዎም ዩክሬናውያን ግን ብዙሕ ተስፋ ክገብሩ ኣይደልዩን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



