ሕንቅልሕንቅሊተይ ሞት ህቡብ ተዋስኣይ ሃክማንን ብዓልቲ-ቤቱን

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ተዓዋቲ ሽልማት ኦስካር ተዋሳኣይ ጂን ሃክማንን ብዓልቲ ቤቱን፡ ሞይቶም ከም ዝቐነዩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቶም ሰብ ሓዳር ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ-ቐትሪ እዮም ኣብ ገዛኦም ሞይቶም ዝተረኽቡ።

ኣስከሬን ወዲ 95 ዓመት ሃክማን ኣብ ገዛኡ ጥቓ እንዳ ክሽነ፣ ከምኡ'ውን ናይ ብዓልቲ ቤቱ ጓል 65 ዓመት ቤትሲ ኣራካዋ ድማ ኣብ ሽቓቕ ተረኺቡ።

ሰብመዚ፡ ዝዀነ ምልክት መጕዳእቲ ከም ዘይተራእየ እኳ እንተ ገለጹ፡ መንቀሊ ናይቲ ሞት ንኽምርመር ዘኽእሉ ምልክታት ከም ዘለዉ ግን ገሊጾም። እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ መንቀሊ ሞት ናይዞም ሰብ ሓዳር ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ሃክማን ብሞያ ተዋስኦ ክልተ ሽልማት ኣካዳሚ ዝተዓወተ ፍሉጥ ተዋሳኣይ'ዩ።

ሃክማን ካብታ ቀዳመይቲ ብዓልቲ ቤቱ ዝወለዶም ሰለስተ ደቁ፡ ሞት ኣቦኦምን ብዓልቲ ቤቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ደቁ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ "ብጥበብ ናይ ተዋስኦ ሞያኡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ሰባት ይፍቶን ይድነቕን ነይሩ፣ ንዓና ግን ኵሉ ግዜ ኣቦን ኣቦሓጎን ጥራሕ'ዩ ነይሩ። ኣዚና ክንናፍቖ ኢና፣ በቲ ዘጋጠመ ሞት ድማ ሓዚንና ኣለና፡" ኢሎም።

መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ እዚ ንገለ ኣንበብቲ ንምንባቡ ክኸብድ ዝኽእል ዝርዝራት ዝሓዘለ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ ካውንቲ ሳንታፌ ነዚ ሞት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

"ብ26 ለካቲት 2025 ኣስታት ሰዓት 1፡45 ድሕሪ-ቐትሪ፡ መሳርሕቲ ሸሪፍ ሳንታፌ ካውንቲ ናብቲ ኣብ ሃይድ ፓርክ ዝርከብ ኦልድ ሳንሰት ትረይል ዝርከብ ኣድራሻ ምስ ተላእኹ፡ ጂን ሃክማን፡ በዓልቲ ቤቱ ቤትሲ ኣራካዋን ሓደ ከልብን ሞይቶም ተረኺቦም፡" ይብል እቲ ቤት ጽሕፈት።

ሸሪፍ ኣዳን መንዶዛ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ሞይቶም ከም ዝቐነዩ ምልክታት ረኺብና ኢና፣ ካብ ዝሞቱ ክንደይ መዓልቱ ገይሮም ዝብል ግን ብግምት ክምልሶ ኣይደልን፡" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ እቲ ዝተጀመረ መርመራ ክቕጽል ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ።

እቶም ሰብ ሓዳር ካብቲ ሞቶም ዝተረጋገጸሉ መዓልቲ ኣቐዲሞም ሞይቶም ከም ዘቐነዩ ካብ ዘመላኸቱ ነገራት ሓደ ኣስከሬን ብዓልቲ ቤት እቲ ህቡብ ተዋሳኣይ ፈራሪሱን በስቢሱን ከም ዝረኸብዎ እቶም መርመርቲ ፖሊስ ሓቢሮም።

ኣብ ሬሳ ሃክማን'ውን ተመሳሳሊ ምልክታት ከም ዝረኣዩ እቶም ፈለማ ነቲ ገዛ ዝፈተሹ ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።

ኣብ ጥቓ ርእሲ ኣራካዋ ድማ ዝንቀሳቐስ መሞቒ ማሽን ከም ዝነበረ'ውን ወሲዀም ገሊጾም።

ሰብመዚ ንሃክማንን ብዓልቲ ቤቱን መርመራ ካርቦን ሞኖክሳይድን ቶክሲኮሎጂን ከም ዝሓተቱን፡ ውጽኢት መርመራ ሬሳ ኣብ ዝጽበይሉ ዘለዉ እዋን ድማ ጠንቂ ሞቶም ገና ከም ዘይተፈልጠን ይዛረቡ።

ብሓኪም ዝተኣዘዘ ጥርሙዝን ፋሕ ዝበለ ከኒናን ኣብቲ ብዓልቲ ቤቱ ወዲቓ ዝተረኸበትሉ ሽቓቕ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ እቲ ከልቢ ድማ ኣብ ጥቓ ሚስ ኣራካዋ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሃክማን፡ ናይ ሱፍ ጨርቂ ስረን ሰማያዊ ነዊሕ ኢድ ዘለዎ ማልያን ተኸዲኑ'ዩ ተረኺቡ። ናይ ጸሓይ መነጸርን ምርኵስን'ውን ኣብ ጐድኒ እቲ ሬሳ ተረኺቡ።

እቲ መርማሪ፡ ተዋሳኣይ ሃክማን ሃንደበት ወዲቑ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ ኣሕዲሩ።

ኣማውታኦም፡ "ብባህሪኡ ጥርጣረ ዝተመልኦ ብምንባሩ፡ ዕሙቕ ዝበለ ፍተሻን መርመራን ዘድልዮ እዩ፡" ይብል እቲ ናይ መፈተሺ ትእዛዝ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ናብ ህጹጽ ኣጐልግሎት ዝደወለ ሰብ፡ ማዕጾ ናይቲ ገዛ ክፉት ስለ ዝረኸቦ'ዩ።

እቲ መርማሪ ግን ብሓይሊ ማዕጾ ሰይሩ ናብቲ ገዛ ዝኣተወ ሰብ ከም ዝነበረ ዝሕብር ምልክት ኣይተዓዘበን። ኣብ ውሽጢ ካብ ቦታኡ ወጻኢ ጋሕመጥመጥ ኢሉ ዝተርኣየ ንብረት ኰነ ኣቕሑት ገዛ ኣይነበረን።

ካልኦት ክልተ ጥዑያት ኣኽላባት ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ዝሞቱ ሰብ ሓዳር ትሙስሙስ እናበሉ ዝተረኸቡ ኰይኖም፡ ሓደ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድማ ኣብ ደገ ተራእዮም።

ዋጋ መንበሪኦም ድማ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ከም ዝግመት መዛግብቲ ግብሪ ይሕብሩ።

ኣብቲ ከባቢ ጋዝ ናይ ምፍሳስ ዝዀነ ምልክት ከም ዘይተረኸበ ዝገልጽ ትእዛዝ መፈተሺ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ብወገኑ፡ ምፍሳስ ወይ መርዛም ካርቦን ሞኖክሳይድ ዝዀነ ምልክት ከም ዘይረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ መርማሪ ኣብቲ ቦታ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ጽገና ዘዘራረበ ኰይኑ፡ ሓደ ካብኣቶም ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ደዊሉ ነይሩ።

እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ገዛ ሃክማን ስሩዕ ስራሕ ከም ዘካይዱ እኳ እንተ ገለጹ፡ ነቶም ሰብ ሓዳር ግን ሳሕቲ ከም ዝረኣይዎም ይዛረቡ።

ብተሌፎንን መልእኽትን ብቐንዱ ምስ ሚስ ኣራካዋ ይራኸቡ ምንባሮም ድማ ጠቒሶም።

እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት፡ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስቶም ሰብ ሓዳር ርክብ ከም ዝነበሮም ገሊጾም።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ቅዳሕ ጻውዒት ተሌፎን 911፡ እቲ ብስምዒት ዝደወለ ሰብ፡ ነቶም ክልተ ሬሳታት ብኸመይ ከም ዝረኸቦም ንሓደ ሰራሕተኛ ክነግሮ ከሎ ዘርኢ እዩ።

"ኣይፋልን ኣይንቀሳቐሱን እዮም፡" ይብል ኣብቲ ድምጺ። "በቃ ብቕልጡፍ ሰብ ናብዚ ስደዱ፡" እናበለ ይስማዕ።

እቲ ኣብ ደገ እቲ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት እናጠመተ ዝደወለ ሰብ ብተደጋጋሚ "ዓሕ" ክብል ይስማዕ።

ሃክማን ምስ ሚስ ኣራካዋ ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ጂምናዝየም ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን ከም ዝተራኸቡ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ቅድሚ ሕጂ ጸብጺቡ ነይሩ።

ሃክማን ኣብታ ብ1971 ከምኡ'ውን ኣብ 1992 ብሉጽ ተዋሳኣይ ኰይኑ ሽልማት ኦስካር ዝተዓወተ ስነጥበበኛ'ዩ።