እስራኤላውያን ሰፋሮ ንቁሸት ፍልስጤማውያን ምዕራባዊ ገማግም ኣቃጺሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዙሓት እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ኣብ ዝርከብ ቍሸት፡ መንበሪ ኣባይትን መኻይንን ኣቃጺሎም፤ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ድማ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐተለ ኣፍሊጡ።
እቶም ሰፋሮ- ገሊኦም መሸፈኒ ገጽ ለቢሶም መቀጻጸሊ ጥርሙስን እምንን ብምድርባይ ነታ ኣብ ጥቓ ከተማ ናብሉስ ትርከብ ቁሸት ጂት ከም ዘጥቅዑ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኣብ ፈለማ 20ታት ክሊ ዕድመ ዝርከብ ሓደ ወዲ ዓዲ ከም ዝተቐተለን ካልእ ድማ ኣብ ኣፍልቡ ብጽኑዕ ከም ዝተሃርመ ገሊፁ። ሰራዊት እስራኤል ነቲ ዘጋጠመ ሞት ይምርምሮ ኣለኹ ኢሉ።
መራሕቲ ፖለቲካ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን ገበነኛታት ከም ዝቐጽዑ ቃል ኣትዮም። ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ሓደ እስራኤላዊ ዜጋ ኣብ ጂት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ብሓሙስ ኣጋምሸት ኣብ ቁሸት ጂት መንበሪ ኣባይትን መካይንን ብሓዊ ክቃጸል የርኢ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ “ንዝዀነ ገበን ተሓተትቲ ዝዀኑ ኣካላት ተታሒዞም ክኽሰሱ’ዮም” ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ሓይልታቱ “ኣብ ደቓይቕ” ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩን ነቲ ዝተኣከበ ሰብ ንምብታን ናብ ሰማይ ከም ዝተኰሱን ብምግላጽ፡ ብድሕሪኡ እቶም ኣጥቃዕቲ ካብ ቁሸት ጂት ተኣልዮም ኢሉ።
ድሕሪ'ዚ “ከቢድ ፍጻመ” ሓይልታቱ ምስ ትካል ጸጥታ እስራኤል ሺን ቤትን ፖሊስን ብምዃን ሓባራዊ ምርመራ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ፡ ብሰፋሮ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት፡ “ተቐባልነት የብሎምን፡ ደው ክብሉ ይግባእ” ኢላ።
ወሃቢቃል ቤት ምኽሪ ጸጥታ መንግስቲ ኣመሪካ፡ “ሰብመዚ እስራኤል ንዅሎም ማሕበረሰባት ካብ ጉድኣት ንምክልኻል ስጕምትታት ክወስዱ ኣለዎም፤ እዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምግታእ ጣልቃ ምእታውን ንገበነኛታት ተሓተትቲ ምግባር ዘጠቓልል’ዩ” ኢሉ።
ፍልስጤማውያን፡ ዓመጽቲ ሰፋሮ ንቁሸታቶም ከጥቅዑ ሓይልታት እስራኤል ፍቓድ ከም ዝህብዎም ብቀጻሊ ይኸስሱ።
ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት-ኦቻ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብእስራኤላውያን ሰፋሮ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተፈጺሞም’ዮም። ብሰንኩ ድማ 660 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 1 ሽሕን 390 ፍልስጤማውያን ክመዛበሉ ተገዲዶም።
ኦቻ፡ ንሕልፈት ሂወትን መጕዳእትን ፍልስጤማውያን ምኽንያት ዝዀኑ 107 መጥቃዕትታት ሰፋሮ ብምምዝጋብ፡ 859 መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ንብረት ፍልስጤማውያን ጉድኣት ዘውረዱ ብምባል ሰኒዱ ኣሎ።
ኣቓልቦ ማሕረሰብ ዓለም ኣብ ኲናት እስራኤል-ቓዛ ኣብ ዝተጸመደሉ እዚ እዋን፡ ብእስራኤላውያን ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ግን ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ሰፋሮን ነቝጣታትን ማዕቀብ ከንብራ ደሪኹ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



