ኣሜሪካ፡ ሓደ ዓቢ ድልድል ብመርከብ ድሕሪ ምህራሙ ፈሪሱ፡ መካይን ጥሒለን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ባልቲሞር ኣሜሪካ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ምስ ሓደ ክፋል ድልድል ‘ፍራንሲስ ስኮት ኪይ ብሪጅ’ ድሕሪ ምግጫዋ እቲ ድልድል ክፈርስ እንከሎ ብዙሓት መካይን ናብቲ ማይ ጥሒለን።
እቲ ሓደጋ ሎሚ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 1፡30 ዘጋጠመ ኰይኑ እቲ ድልድል በታ መርከብ ድሕሪ ምህራሙ ብሓዊ እናተቓጸለ ጥሒሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ካብቲ 3 ኪሜ ዝንውሓቱ ድልድል ዝዓበየ ክፋሉ ክፈርስን መካይን ናብቲ ማይ ክጸድፋን የርኢ።
በዓልመዚ መጓዓዝያ ሜሪላንድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኵሉ መስመራት እቲ ብ ኣይ-695 ኪይ ብሪጅ ዝፍለጥ ድልድል ተዓጽዩ ምህላው ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከባቢ 20 ሰባት ኣብቲ ኣዝዩ ቈራሪ (-1 ዲግሪ ሴንቲግረድ) ማይ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ክጥርጠር እንከሎ፡ ንምድሓኖም ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ዳይረክተር ኮሙኒኬሽን ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ከተማ ባልቲሞር ኬቨን ካርትራይት ገሊጹ።
ወደብ ባልቲሞር ንፍሉያት መራኽብ ጽዕነት ኣገልግሎት ዝህብ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ወደብ እዩ።
እታ ‘ዳሊ’ ዝተሰመየት 300 ሜትር ዝቝመታ ኮንተይነራት እትጽዕን መርከብ፡ ባንዴራ ሲንጋፖር እተንበልብል ኰይና ናብ ኰሎምቦ ስሪላንካ ተምርሕ ምንባራ ተገሊጹ።
ኣብ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ኣካያዲ እታ መርከብ ዝዀነ ትካል ጽዕነት ‘ሲነርጂ ማሪን ግሩፕ’ ሓቢሩ።
በቲ ሓደጋ ዝወረደ ጕድኣት ዛጊት'ኳ እንተዘይተነጸረ፡ እቲ ኵነታት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ህይወት ንምድሓን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ዳይረክተር ኮሙኒኬሽን ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ እታ ከተማ ገሊጹ።
እዞም ኣሳእል፡ "ሓንቲ ዓባይ መርከብ ኣብ ሜሪላንድ ከባቢ ሰዓት 1፡30 ምስ ድልድል 'ፍራንሲስ ስኮት ኪይ ብሪጅ' ክትጋጮ እንከላ ከምዘርኢ ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ባልቲሞር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, StreamTimeLiv

ምንጪ ስእሊ, StreamTimeLiv








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



