እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ተጨውያ 8 ቈልዑ ምስ ዝወለደት ጓል ኣንስተይቲ ብዝተሓሓዝ ገበን 6 ሰባት ተኣሲሮም
ቤት ፍርዲ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሓንቲ ርሑቕ ቁሸት ብሰንሰለት ኣብ ክሳዳ ተኣሲራ ዝተረኽበት ጓል ኣንስተይቲ ብዝምልከት ጉዳይ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንሽዱሽተ ሰባት ኣሲሩ።
እቲ ጉዳይ ነታ ሃገር ዘስካሕክሐ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ምዝራፍ መርዓት ተቓውሞ ኣስዒቡ።
እዚ መስደምም ዛንታ ናይ ሓንቲ ብገዛእ በዓል ቤታ ዝተጨወየት ቻይናዊት ጓል ኣንስተይቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ሓደ ቻይናዊ ‘ብሎገር’፡ ኣብ ጥቓ ዙዝሆው፡ ኣውራጃ ጂያንግሱ ኣብ እትርከብ ዓዲ፡ ኣብ ክሳዳ ብሰንሰለት ሓጺን ተቘሪና ካብቲ ስድራኣ ዝቕመጥሉ ገዛ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ረሳሕ ኣጉዶ ክትነብር ምስ ረኸባ፡ ንናይታ ኣብ ኣርበዓታት እትርከብ ሰበይቲ ስእልን ናይ ህሉው ኵነታት ጸገማን ዛንታ ብኸፊል ብምስናይ ናብ መራኸቢ ብዙሓን ዘርግሖሞ ብቕጽበት ህዝቢ ብቝጥዐ ክቀባበለሉን እታ ውጽዕቲ ሰበይቲ ፍትሒ ክትረክብ ብዘይዕረፍቲ ክጽውዑን ክጕስጉሱን ምስ ጀመሩ እዩ ጉዳያ ኣቓልቦ ኵሉ ብምስሓብ ኣብ ጥሪ 2022 ናብ ናይ ፍትሒ ማዕጾ ዝዃሕኹሐ።
እቲ ‘ብሎገር’ ብተወሳኺ ኣብቲ ኵነታት ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘለዎ ጥርጣረ ብምጥቃስ፡ እዛ ሻኦሁዋመይ ዝተባህለት ሰበይቲ፡ ሸሞንተ ቈልዑ ከም ዝወለደት፡ ዝተደናገረትን ኵነታታ ንምግንዛብ ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ዘይብላ ከም እትመስልን ምስ ኣስተበሃለ ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቶም ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ሰበስልጣን ነቲ ምስ መጭወይቲ ዝተሓሓዝ ጥራዓናት፡ ሕጋዊ ናይ ቃል ኪዳን ወረቐት ኣለዎም ብምባል ንዑኡ ውዱቕ ብምግባር ከም ኩሎም ሰብ ሓዳር ኣብ መንጐም ዘይምርዳዳእ ጥራይ እዩ ዘሎ ብምባል ደምደሙ።
ኣብ ረእሲኡ እውን ሻኦሁዋመይ ናይ 'ስኪዞፍረኒያ' ስለ ዝነበራ ንዓመጽቲ ክይትቃላዕ ብምባል እዩ ባዓል ቤታ ዶንግ ዝሂም ንክኸላኸለላ ኣሲርዋ ብምባል ተኸላኸለሉ።
እዚ ጸብጻብ እዚ ግን ነቲ ዝነበረ ቍጥዐ ህዝቢ መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ። ኵሎም እቶም ብ ማንዛ ዝቃወሙ ዝነበሩ ድማ መንግስቲ ንኣውያት ዝዝረፋን ብዘይ ፍቓደን ዝጭወያ ግዳያትን ጸማም እዝኒ ሂብዎ ብምባል ከም ብሓድሽ ክቀባበልሉ ጀመሩ።
እዚ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ መርመራ ገበን ከምርሕ ብምግባር፡ ፖሊስ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንምቑጽጻር መብጽዓታት ከም ዝኣቱ ገይሩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ከኣ ብዙሕ ዝርዝራት ናይቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ንፈለማ እዋን ተረጋጊጹ።
እዛ ሻኦሁዋመይ ዝተባህለት ግዳይ፡ ኣብ 1998 ገና ትሕቲ ዕድመ እንከላ እያ ካብ መበቈል ዓዳ ግዛኣት ዩናን ተጨውያ ናብ ኣብ ግዛኣት ዶንግሂ ንዝርከብ ሓረስታይ ብ 5000 የን ማለት 600 ዶላር ናይቲ ግዜ ዝተሸጠት።
በዚ ግን ኣየብቀዐን ናይዛ ግዳይ ሽግር ድሕሪ ዓመት መሊሶም ናብ ካልኦት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተሸጠት። እቶም ዝገዘእዋ ድማ እንደገና ናብ ኣቦ እቲ ዝተመራዓዋ ሸጥዋ።
መጀምርታ ናብ እንዳ ዶንግ( በዓል ቤታ) ክትመጸእ እንከላ ነብሳ ብዝግባእ ክትኣልን ምስ ሰባት ክትረዳደን እትኽእል ዝኸነ ይኹን ጸገም ዘይብላ ምንባራ እቶም ደያኑ ይገልጹ።
በዚ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ን ዶንግ ብዘቤታዊ ዓመጽ፡ ምስቃይን በዓልቲ ቤቱ፡ መጀመርያ ኣብ 1999 ሓደ ቘልዓ መሊሱ ካብ 2011-2020 ድማ ኣገዲዱ 7 ቈልዑ ክትወልድ ብምግባሩን ገበነኛ ኰይኑ ረኺብዎ።
ሳልሳይ ቈልዓ ምስ ወለደት ሻኦሁዋመይ እቲ ሕማም ናይ እስኪዞፍረንያ እናገዳዳ ከደ። ዶንግ’ውን ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ናይ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣተሓሕዛኡ እናገደደ ምኻዱ'ዩ እቲ ኣብቲ ዝነብሩሉ ከተማ ዝርኸብ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ዝሕብር።
ኣብ 2017 ካብቲ ኵሉ እቲ ስድራ ዝነብሩሉ ገዛ ኣውጺኡ ድማ ንበይና ኣብ ብርሃን፡ ማይ ኮነ ኢለክትሪክ ኣብ ዘይብሉ ኣጉዶ ብሰንሰለት ኣሲሩዋ፡ መብዛሕቱኡ ግዜ’ውን እኹል መግቢ ይህባ ኣይነበረን።
ዶንግ በዓልቲ ቤቱ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ገበረት ናብ ሕክምና ወሲድዋ ከምዘይፈልጥ፡ እኳ ደኣ ንዘለዋ ጸገም ኣብ ግምት ከየተወ ብተደጋጋሚ ግዜ ከምዘጥነሳ ያኦ ሁኢ ዝተባህለ ቀንዲ ዳኛ የረደእ።
ብዓርቢ ንውሳነኦም ዝምልከት ጸብጻብ ኣብ ወኢቦ ዝብሃል ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዘርግሕዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ተዓዚቦሞ።
በዓል ቤታ ንሰበይቱ ብስቅያት፡ ግፍዒን ከም ምርኽቲ ጌሩ ብምሓዙን ን9 ዓመታት ክፍረድ እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ካብ 8 ክሳብ 13 ዓመታት ዝበጽሕ ብይን ተዋሂብዎም።
ይዅን እምበር ብዙሓት ሰባት ነቲ ዓርቢ ዝተዋህበ ውሳነ ኣዝዩ ዘይሚዛናዊ ብምዃኑ ዳግማይ ክኽለስ ይጠልቡ ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ውሳነ፡ “ሂወት ሓንቲ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንዘብላሸወ ሰብሲ 9 ዓመት ጥራይ ክፍረድ?” ብምባል ዘለዎም ቅሬታ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ዝተፈላለዩ ተጣበቅቲ፡ መርዓት ዘሪፍካ ኣብ ምሻጥን ምስግጋርን ዝግበር ዘይሕጋዊ መስርሕ ንዘሎ ፈኲስ ብይን ፍርዲ ዝዅንን ተደጋጋሚ ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ካብ ዓዳ ናብ እትእለየሉ ሆስፒታል ከም ዝተወስደት ኣብ ቻይና ዝመደበሩ ሚድያ ይሕብር።