ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣመሪካ ንትራምፕ ዝቃወም ሰልፍታት ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, FREDERIC J. BROWN/AFP via Getty Images
ኣብ መላእ ከተማታት ኣመሪካ ኣንጻር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተቓውሞታት ይካየዱ ኣለው።
እዞም ኣብ ኒውዮርክ፣ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ቺካጎ፣ ሚያሚን ሎስ ኣንጀለስን ዝርከቡዎም ከተማታት ዝካየዱ ዘለው ሰልፊታት ተቓውሞ፡ ንፖሊሲታት ትራምፕ ዝቃወሙ እዮም።
እቲ ብቐዳም ዝጀመረ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ 'ታይምስ ስኴር' ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተሳቲፎምሉ።
ጐደናታትን መእተዊ ባቡር ትሕቲ መሬትን፡ "ዲሞክራሲ እምበር ንግስነት ኣይንደልን" ከምኡ'ዉን "እቲ ቅዋም ኣማራጺ ኣይኰነን" ዝብሉ ጭርሖታት ብዝሓዙ ሰልፈኛታት ተጨናኒቘምን ተዓጽዮምን ተራእዮም።
ቅድሚ እቲ ሰልፍታት፡ መሻርኽቲ ትራምፕ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ምስ ምንቅስቓስ ሕሉፍ ጸጋማዊ 'ኣንቲፋ' ርክብ ኣለዎም ክብሉ ከሲሶም፤ ነቲ ሰልፊ ድማ "ኣመሪካ ናይ ምጽላእ ሰልፊ" ክብሉ ኰኒኖም።
እቶም ብቀዳም ዝወጽኡ ኣዳለውትን ሰልፈኛታትን፡ እቲ ሰልፊታት ሰላማዊ ምዃኑ ገሊጾም።
ዘይጐነጻዊ ምንቅስቓስ፡ ቀንዲ መትከል ተቓውሞ 'ኖ ኪንግስ' ምዃኑ እቲ ጕጅለ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።
ኵሎም ተሳተፍቲ ድማ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጐነጽ ክቑጠቡ ተላብዩ።
ሄሊኮፕተራትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ክበራ ተራእየን፤ ፖሊስ ድማ ኣብ ጐድኒ ደው ኢሎም ነይሮም።
ክፍሊ ፖሊስ ኒውዮርክ ኣብ ሓሙሽቲአን ከባቢታት እታ ከተማ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሰላማዊ መገዲ ተቓውሞ ከም ዘስምዑን ምስ ተቓውሞ ዝተኣሳሰር ማእሰርቲ ከም ዘይተገብረን ገሊጹ።
ጸሓፊትን ኤዲተርን ቤት ዛስሎፍ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝፍጸም ዘሎ "ናብ ፋሽሽትነትን ምልካዊ መንግስትን ዘምርሕ ዘሎ ስጕምቲ፡" ዝበለቶ መገዲ ቍጥዐ ንጭንቀትን ከም ዝፈጠረላ ተዛሪባ።
"ብዛዕባ ከተማ ኒውዮርክ ኣዝየ'የ ዝግደስ። ኣብዚ ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ምዃነይ ድማ ተስፋ ይህበኒ።"
ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝለሓፈ ዓመት ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ስልጣኑ ኣስፊሑ፡ ንገለ ክፋል ናይቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ንምፍራስን ሰራዊት ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ከተማታት ኣመሪካ ንምውፋርን ምንቅስቓሳት ገይሩ እዩ።
እዚ ብኣመሓደርቲ ግዝኣታት ተቓውሞ እንተኣጋጠሞ'ዉን፡ ፊርማ ፈጻሚ ትእዛዛት ተጠቒሙ ስጕምቲታት ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ምምሕዳር ነቶም ጸላእቱ ተባሂሎም ዝግመቱ ክኽሰሱ ጸዊዑ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ተግባራቱ ንሓንቲ ኣብ ቅልውላው ዘላ ሃገር ዳግማይ ንምህናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ውልቀ መላኺ ወይ ፋሽሽታዊ ዝብል ክሲ፡ መስሓቕ ክብል ነጺግዎ።
ትራምፕ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቶም ሰልፊታት ርእይቶ ሂቡ።
"ንጕስ! ንዓይ እዮም ንጉስ ኢሎም ዝጽውዑኒ ዘለዉ። ኣነ ንጕስ ኣይኰንኵን።"
ነቐፍቲ ግን ገለ እቲ ምምሕዳር ዝወስዶም ስጕምትታት ቅዋም ዝጻረርን ንዲሞክራሲ ኣመሪካ ስግኣት ዝፈጥርን ምዃኑ የጠንቅቑ።
ኣብ ጣልያን ዝዓበየ ወዲ 68 ዓመት ጡረተኛ መሃንድሲ ኤሌክትሮኒክስን ነባሪ ኒውጀርሲን ማሲሞ ማስኮሊ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሃገሩ -ጣልያን- ዝመጽኣቶ መገዲ ትኽተል ብምህላዋ ስለ ዝሻቐለ ተቓውሞ የስምዕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ማስኮሊ፡ "ኣነ ወዲ ሓውቦ ናይ ሓደ ንሰራዊት ሙሶሊኒ ገዲፉ ናብቲ ተቓውሞ ዝተጸንበረ ጅግና ጣልያን እየ። ብፋሽሽታውያን ተሳቒዩን ተቐቲሉን፤ ድሕሪ 80 ዓመታት ድማ ኣብ ኣመሪካ ዳግማይ ፋሽሽትነት ክረክብ እየ ኢለ ኣይተጸበኹን፡" ይብል።
ንሱ፡ ካብቶም ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኢሚግሬሽን ዝወስዶ ዘሎ ስጕምትን ምጕዳል ክንክን ጥዕናን ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስክፍታ ኣለዎ።
"ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክንተኣማመን ኣይንኽእልን ኢና፤ ኣብ መንግስቲ ክንተኣማመን ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ኮንግረስ እውን ክንተኣማመን ኣይንኽእልን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵሎም ኣንጻር ህዝቢ ኣመሪካ ዝዀኑ ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚን ፈራድን ኣለዉና። ስለዚ ንቃለስ ኣለና።"
መራሒ ውሑዳት ሰኔትን ዲሞክራት ኒውዮርክን ቻክ ሹመር እውን ኣብቲ ተቓውሞ ተጸንቢሩ።
"ኣብ ኣመሪካ ውልቀመለኽቲ የብልናን። ትራምፕ ድማ ንዲሞክራሲና ክሽርሽሮ ኣይንፈቅድን ኢና፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሰነተር ቨርሞንት በርኒ ሳንደርስ መደረ ኣስሚሚዑ።
"ኣመሪካ ስለ ዝጸላእና ኣይኰናን ኣብዚ ዘለና፣ እኳ ድኣ ንኣመሪካ ስለ እንፈትዋ ኢና ኣብዚ ዘለና፡" ክብል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AUSTIN CASEY JOHNSON/AFP via Getty Images
እቲ ተቓውሞ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን።
ኣብ መላእ ኤውሮጳ፡ ሰባት ምስ ኣመሪካውያን መዛኑኦም ምትሕብባር ኣብ ዘርእዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ በርሊን፡ ማድሪድን ሮማን እውን ሰልፍታት ተኻይዱ።
ኣብ ለንደን ሓያሎ ኣማኢት ሰልፈኛታት ኣብ ደገ ኤምባሲ ኣመሪካ ተኣኪቦም።
ኣብ ቶሮንቶ ተመሳሳሊ ሰልፊታት ተራእዩ፡ ኣብ ጥቓ ቈንስል ኣመሪካ ዝነበሩ ሰልፈኛታት "ኣእዳውካ ካብ ካናዳ ኣልዕል" ዝብል ጭርሖ ሓዊሱ ዝተፈለላዩ ጭርሖታት ዝሓዙ ሰልፈኛታት ነይሮም።
ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ሪፓብሊካን ቅድሚ እቲ ተቓውሞ ንወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ኣብ ድሉው ኵነታት ክጸንሕ ገይሮም እዮም።
ሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ቨርጂንያ ግለን ያንግኪን እውን ሃገራዊ ሓለዋ እታ ግዝኣት ክንቀሳቐስ ኣዚዙ፤ ጸብጻባት ግን ኣብቲ ተቓውሞ ወተሃደራት ከም ዘይነበሩ ኣመልኪቶም።
ኣብታ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ሓለዋ ሃገራዊ ሓለዋ ዝተዋፈረላ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ዋላ እኳ ፖሊስ እቲ ከባቢ እንተነበረ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ዝዀነ ሰራዊት ኣይተራእየን።
ኣመሪካውያን ኣብ ዙርያ ዶናልድ ትራምፕ ዓሚቕ ኣፈላላይ እዩ ዘለዎም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሮይተርስ/ኢፕሶስ ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 40 ሚእታዊት ጥራይ ነቲ ከም ፕረዚደንት መጠን ዘቕረቦ ኣፈጻጽማ ዘጽደቑ ክዀኑ እንከለዉ፡ 58 ሚእታዊት ድማ ከም ዘይቅበሉ ይሕብር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



