ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም'ያ ዘላ - ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ

ብጹእ ኣቡነ ማትያስ

ምንጪ ስእሊ, EOTC TV

ኣብዚ እዋን’ዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም።

እቶም ፓትሪያርክ፡ ሎሚ ረቡዕ 21 ግንቦት 2016 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዝተጀመረ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ከበድቲ ብድሆታት ይገጥማ ከምዘሎ ሓቢሮም።

"ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ፈተና ተሕልፍ ኣላ፤ እቲ ግዳማዊ ብድሆ’ኳ እንተዘይተረፈ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን ኣብ ውሽጣ ዝፍጠሩ ዘለዉ ብድሆታት ተልእኾኣ ብግቡእ ንኸይትፍጽም ዕንቅፋት ኰይኑዋ ኣሎ" ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሌት ስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን ይነግስን ምፍልላይን ምንቕቓፍን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሓለፍነት ዝጎደሎም ርእይቶታትን መደረታትን "ኣብ ሰዓብትና ዘለና ተቐባልነት" ንኽንክይ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሶም።

"ጠንቂ ናይዚ ፈተና ግዳማዊ መበገሲ’ኳ እንተሃለዎ፡ ኣብ ውሽጥና ዝርከቡ ሰባት ግን ነዚ ምቹእ ይዀኑ ኣለዉ" ብምባል ኣብታ ቤተ ክርስትያን ልምዲ ርእሰ-ሽመት ይረኣይ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ሰላምን ሓድነትን እታ ቤተ ክርስትያን እውን ኣብ ሕቶ ከምዝኣተወ ጠቒሶም።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ብዘይ ፍቓድ ሲኖዶስ ጳጳሳት ምሻሞም ስዒቡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘስካሕክሕ ግህሰት ከምዝተፈጸሙን ሕዚ’ውን ይፍጸሙ ከምዘለዉን እዮም ኣስሚሮም።

እዚ ግህሰት እዚ “ሎሚ እውን ኣሎ፤ ጽባሕ ዝተፈለየ ነገር ክህሉ ትጽቢት ኣይግበርን" ብምባል እቲ ጉባኤ ኣብ ዕርቂ ክሰርሕ ጸዊዖም።

"በደል ብካሕሳን ዕርቅን፡ ይቕሬታን ምሕረትን ምፍታሕ፡ ከምኡ'ውን ተመሳሳሊ በደል ከይፍጸም ውሑስ ትካላዊ ስርዓት ምቛም ጽቡቕ ምኾነ . . . ስለዚ እዚ ቅዱስ ጉባኤ ነዚ ብሰፊሑን ብዕምቆትን ክዛተየሉን ንዅሉ ብዘሰማምዕ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ንምምጻእ ክሰርሕ ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

እቶም ፓትሪያርክ፡ ፀገም ዘጋጥማ ዘሎ እታ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ከምዘይኮነት’ውን ኣመልኪቶም።

ብደረጃ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንመላእ ህዝቢ ፈተና ከምዝዀነን እዚ ዘይምስምማዕ ድማ እታ ቤተ ክርስቲያን ንዘጋጥማ ዘሎ ብድሆ ምቹእ ኵነታት ከምዝፈጠረን ገሊፆም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክልላት እታ ሃገር ዝተወልዑ ደማዊ ኲናትን ግጭታትን ዓቢ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ከም ውጽኢቱ ድማ "ገዳማውያን መነኮሳት፡ መምህራን፡ ካህናት፡ ኣመንቲን ኣብያተ ክርስቲያናትን ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ኣሎ፤ ብሰላም ምውጻእን ምእታውን እውን ኣጠራጣሪ ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ኣይርአን ዘሎ" ክብሉ ኣቡነ ማትያስ ስክፍታኦም ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተፈጠሩ ጎንፅታትን መጥቃዕትታትን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ኣገልገልትን ኣመንቲን ዒላማ ተገይሮም ከምዝቖሰሉ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

እዚ ሎሚ ዝተጀመረ ዓመታዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት እታ ቤተ ክርስቲያን ውሳነታት ከምዘሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ጉባኤ፡ "ኣብ ኣገደስቲን እዋናውያንን ከምኡ'ውን ሓዋርያውን ቀኖናውን ጉዳያት ቤተ ክርስቲያንና ብምዝታይ ንቤተክርስትያንን ሃገርን ዝጠቕሙ ነገራት ብምርኣይ ኣገደስቲ ውሳኔታት ከሕልፉ" እውን ኣቡነ ማትያስ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።