ኢትዮጵያ፡ ንኽልተ ህጻናት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝቐተለት ሰይተ'ቦ ንሞት ተፈሪዳ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸገር፡ ክፍለ ከተማ ቡራዩ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ንኽልተ ህጻናት ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝቐተለት ሰበይቲ ኣቦ ንሞት ተፈሪዳ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ሸገር ብ ረቡዕ 19 ሓምለ 2015 [ኣግ] ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ገበነኛ ኰይና ዝተረኸበት ውልቀ ሰብ ፍርዲ ሂቡ ዘሎ።

ነቲ ኵነታት ክከታተል ዝጸንሐ ኣባል ክፍሊ ምርመራ ገበን ክፍለ ከተማ ቡራዩ፡ ዋና ሳጅን ቀነኒሳ ታደሰ ’’እቲ ቤት ፍርዲ ንዓኣን ከምኣ ንዝበሉን ዝምህር ውሳነ እዩ ወሲኑ ዘሎ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነጋሴ ከበደ ብሩ ዝተባህለት ሰይተ'ቦ፡ ብ 27 ሚያዝያ 2015 [ኣግ]፡ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ፡ እቶም ክልተ ህጻናት ኣብ ዝደቀሱሉ፡ ክሳዶም ቈሪጻ ኮቦርታ ብምኽዳን ኣቃጺላቶም ከምዝሃደመት ተገሊጹ ነይሩ።

እቶም ብዘስካሕክሕ ዝተቐተሉ ህጻናት ወዲ 13 ዓመትን ጓል ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ኣሕዋት እዮም፡፡

ክልቲኦም ክሳዶም ተቘሪጾም ከምዝተቐተሉ ፖሊስ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ፡፡

እታ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ምስኣተወት፡ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዝነበረ ኣቦ እቶም ህጻናት ሕነ ንምፍዳይ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመት ምእማና ዋና ሳጅን ቀነኒሳ ኣረዲኡ፡፡

ደቁ ፍትሒ ክረኽቡ ክጽበ ዝጸንሐ ኣቶ ጌታሁን ባልቻ፡ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ከምዝተሓጐሰ ገሊጹ።

"እቲ ኣፈጻጽማ ንኣካላት ሕጊ ክንገድፎ ኢና፤ ዋላ‘ኳ ንዓይ እንተዘይኮነ፡ ንኻልኦት ህጻናትን ዝተረፉ ወለድን፡ እቲ ዝተወሃበ ፍትሒ ብርሃን እዩ። እቲ ፍርዲ ንኻልኦት ጽቡቕ መምሃሪ ክኸውን እዩ" ክብል ገሊጹ።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እታ ደቁ ብምቕታል ተጠርጢራ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት በዓልቲ ቤቱ ነበር ዝተወሃበ ውሳነ ዝተጸበዮ ከምዘይነበረ ብኣድናቘት ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምልሕላሕ ሕጊ ከምዘሎ ኰይኑ፡ ጉዳይ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ምብጽሑ ደስ ኢሉኒ እዩ፡፡ ካልኦት ህጻናት ዝድቅሱሉ፣ ቅሩብ ሩፍታ ዝረኽቡሉ ኵነታት ክፍጠር እዩ ኢለ እሓስብ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ "ደቀይ ከም ጥዋፍ በሪሆም፡ ንኻልኦት ብርሃን ክዀኑ እንተኽኢሎም ተመሊሰ ዝሓዝነሉ ምኽንያት የብለይን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተዀነ ናይ ሞት ፍርዲ ምፍራድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰኑ ግን ድማ ዘይተፈጸሙ ኣብነታት ብምጥቃስ ኣብ ኣፈጻጽማ ስግኣት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ውሳነ ቤት ፍርድን ሕግን ብህዝቢ ተኣመንቲ ዝገብሮም እቲ ኣፈጻጽማ ከምዝዀነ እውን ኣረዲኡ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ሓንቲ ውልቀ ሰብ ብተመሳሳሊ ቅትለት ክልተ ህጻናት ንሞት ዝተፈረደት ኰይና፡ ኢትዮጵያ ግን ፍርዲ ሞት ካብ ዘይፍጸመለን ሃገራት ከምዝዀነት እዩ ዝንገር።

"ቅልጣፈ እቲ ውሳነ ደስ ዘብል እዩ። ዝምከልቶም ኣካላት ተረባሪቦም እዮም" ዝብል ኣቶ ጌታሁን ኣፈጻጽማኡ ግን ልዑል ትዅረት ክወሃቦ ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህጻናት ምስ ጎረቤት ገዲፍካ ምኻድ ልሙድ ከምዝበረ ዝገልጽ እቲ ወላዲ፡ "ኣብዚ እዋን ግን ይትረፍ ኣብ ጎረቤት፡ ኣብ ገዛኻ ገዲፍካ ምኻድ'ኳ ዘፍርሕ እዩ" ይብል።

ክልተ ደቁ ስኢኑ በይኑ ዝተረፈ ኣቶ ጌታቸው፡ ብሞት ደቁ ከቢድን መሪርን ህይወት የሕልፍ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ቈልዑ ኢለ ዝገልጾም ኣይኰኑን፤ ንዓይ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ እዮም። ዕርቃንካ ከም ምትራፍ እዩ ዝቝጸር፡፡ ንዝዀነ ሰብ ኣብ ዘይኣምነሉ ኵነታት እየ ዘለኹ፡፡ ኵሉ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ብምባል እየ ንባዕለይ ክእብድ ዝፍትን ዘለኹ፡፡ ግን ድማ ኣብ ክፉእን መሪርን ህይወት ውሽጢ እየ ዘለኹ፤ ኰይኑ ግን ነዛ መዓልቲ እጽበ ነይረ" ኢሉ።

እቲ ገበን ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ቡራዩ፡ ሶስተኛ ቡራዩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ እታ ውልቀ ሰብ ነቲ ገበን ምስፈጸመት ንሰለስተ መዓልቲ ተሓቢኣ ከምዝነበረትን ብናይ ህዝቢ ጥቆማ ከምዝተታሕዘትን ዋና ሳጅን ቀነኒሳ ገሊጹ።

ኣብ ጫካ ርእሰ ቅትለት ክትፍጽም ኣብ እትፍትነሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለት ዝገልጽ ዋና ሳጅን፡ ኣብ መጀርመታ ጸገም ኣእምሮ ከምዘለዋ ከተምስል ከምዝፈተነትን ንጽባሒቱ ግን በዓል ቤታ ክትቀትሎ ብዘይምኽኣላ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝወሰደት ኣሚና ኢሉ።

"ናኦል ጌታሁንን ናቲ ጌታሁንን ዝበሃሉ ክልተ ህጻናት ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ፡ ፋስ ብዝመስል ነገር ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካሎም ብምውቃዕ ምማቶም ምስ ኣረጋገጸት፡ ክዳውንታ ኣኪባ ኣብቲ ገዛ ብምቅጻል ገዛ ዓጽያ ከይዳ፡፡ እቲ ሓዊ ነቶም ህጻናት እውን ኣቃጺሉዎም፡፡ ድሕሪኡ ንሳ ናብ ጫካ ኣትያ ኣብ ዝነበረትሉ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።"

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መሕረዲ ከብቲ ዝሰርሕ ኣቶ ጌታሁን፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ኣጋ-ግዜ፡ ብጉዳይ እቶም ህጻናት ምስ በዓልቲ ቤቱ ተዘራሪቦም ምንባሮም ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

"ኣብ ጉዳይ ደቀይ ተዘራሪብና ኔርና፤ በዚ ምኽንያት ንፈላለ ተባሃሂልና፤ ንሳ ’ኣነ ክወጽእ እየ፤ ንስኻ ኣብዚ ክትነብር ኢኻ’ ኢላትኒ’’ ብምባል ንመወዳእታ ግዜ ዝተዘራረብዎ ይዝክር።

ኣብቲ ዝተዘራረቡሉ ምሸት ዝዀነ ምፍርራሕ ይዅን ከምዚ ዓይነት ከጋጥም ከምዝኽእል ዘርኢ ምልክት ከምዘይረኣየ እውን ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣቶ ጌታሁን፡ ኣደ ደቁ ኣብ 2013 [ኣግ] ምስ ሞተት፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እዩ ነታ ተጠርጣሪት ኣእትዩ።

ድሕሪ ሞት በዓልቲ ቤቱ ደቁ ምስ ኣቦ ሓጐኦም ይቕመጡ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ኣቶ ጌታሁን፡ ወላዲኡ ብምማቶም እቶም ቈልዑ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናብኡ ከምዝመጽኡ ተዛሪቡ።

እታ ተጠርጣሪት ቅድሚ ሕጂ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዓዲ ዓረብ ተቐሚጣ ከምዝነበረትን ድሕሪኡ ኣብ ቡራዩ ብንግዲ ትመሓደር ከምዝበረትን ፖሊስ ምግላጹ ይዝከር።