ዕሉል ኣሰጋጋሪ ዘይሕጋዊ ገንዘብ፡ 11 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, HUSHPUPPI
እቲ ኣብ ኢንስታግራም ብ 'ሁሽፑፒ' ዝፍለጥ፡ ሓቀኛ ስሙ ራሞን ዓባስ ዝዀነ ወዲ 38 ዓመት ዕሉል ናይጀርያዊ ኣሰጋጋሪ ዘይሕጋዊ ገንዘብ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ጉሒላታት ብዝተጻወቶ ተራ ኣብ ኣሜሪካ ንልዕሊ 11 ዓመታት ክእሰር፡ ትማሊ ሰኑይ ተፈሪዱ።
ንሱ ኣብቲ ክሳዕ ዝዕጾ 2.8 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዝነበሮ ናይ ኢንስታግራም ሕሳቡ፡ ነቲ ምቾት ዝመልኦ ኣነባብራኡ ብምርኣይ፡ ሓያለ ሰዓብቲ ክረክብ ክኢሉ እዩ።
ላዕለዋይ ዳኛ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሁሽፑፒ፡ ንኽልተ ግዳያት ምትላል 1,732,841 ዶላር ንኽመልስ እውን ኣዚዙ።
ዓባስ - ሁሽፑፒ ን135 ኣዋርሕ ፍረዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፌደራል ክፍጽም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ [ሕጽቦ ገንዘብ] ገበኑ ተኣሚኑ ነይሩ።
ዓባስ፡ ካብ ሓደ ኣብ ቐጠር ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ንምስራሕ ክምውል ዝደለየ ሰብ፡ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ዶላር ክሰርቕ ምፍታኑ ከምዝተኣመነ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ይሕብሩ።
እቲ መታለሊ፡ ነዚ ገንዘብ ከደናግረሉ ዝገበሮ ሜላ፡ ነቲ ግዳይ፡ "ሓላፊ ባንክ ኰይኑ ብምቕራብ፡ ናይ ሓሶት መርበብ ሓበሬታ ብምፍጣርን" ንቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ክኸፍል ከም ዝገበረን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።
ካልኦት ኣብዚ ስራሕ ምትላል ዓባስ ተራ ዝነበሮም ዝተባህሉ ጥርጡራት’ውን ኣብዚ ጉዳይ ከምዝተሳተፉን ክሲ ከም ዝቐረበሎምን ተፈሊጡ።
ዓባስ ብተወሳኺ፡ "ካልኦት ሓያሎ ናይ ሳይበር ስርቅን ብሓሶት ቢዝነስ ኢመይላት ምትላል ተዋፊሩ፡ ብድምር ልዕሊ 24 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ" ከምዝተኣመነ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ።
"ራሞን ዓባስ፡ ንኣሜሪካውያንን ዓለምለኻውያንን ግዳያት ዒላማ ብምግባር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ኣድማዕቲ ዝዀኑ ሓጸብቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ እዩ፡" ክብል ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ኤፍ.ቢ.ኣይ ሎስ ኣንጀለስ ዶን ኦልዌይ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
"ንሱ፡ ብናይ ሓሶት ኢመይላት፡ ሕሳባት ባንክ፡ ብኢንተርነት ዝግበር ቢዝነስን ምድንጋርን ተጠቒሙ ዝረኸቦ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ኣብ መድረኽ ማሕበራዊ ሜድያ - ኢንስታግራም - ዓዶኽ ክብለሉ፡ ህቡብነት ከጥርየሉን፡ ንስርዓት ሰሜን ኮርያ ከይተረፈ ክሕግዘሉን ክኢሉ እዩ።
"እዚ ኣገዳሲ ፍርዲ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መንጐ ኣኽበርቲ ሕጊ ንዓመታት ክግበር ዝጸንሐ ምትሕብባር ኰይኑ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ሕጽቦ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝተዋፈሩ መታለልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ይዅን ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ብዘየገድስ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ንግዳያት ፍትሒ ከረጋግጽ ምዃኑ ንጹር መልእኽቲን መጠንቀቕታን እዩ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, INSTAGRAM/HUSHPUPPI
ዓባስ ብኢዱ ብዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ንዳኛ ኦቲስ ዲ ራይት ብገበኑ ይቕሬታ ሓቲቱ፤ ካብ ውልቃዊ ገንዘቡ ኸኣ ንግዳያቱ ክኸፍሎም ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ ካብቲ ዝተፈርደሉ ገበን 300 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝረኸበ ገሊጹ።
እቲ ኣመና ምዕሩግን ምቾት ዝበዝሖን ናብራ ዓባስ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዱባይ እናተቐመጠ ክእሰር እንከሎ እዩ ኣኽቲሙ።
እቲ ኣመና ክቡራት መካይንን ፍሉይ ክዳውንትን ዝረኣዮ ናይ ኢንስታግራም ሕሳቡ፡ ካብቲ ዝዓበየሉ ትሑት ዝመነባብሮኡ ዓለም ኣመና ዝረሓቐ እዩ ነይሩ።
ሁሽፑፒ፡ ኣቦኡ ታክሲስታ፡ ኣደኡ ድማ ሸቃጢት ምንባራ፣ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ኣመል ምሕሻሽ ገንዘብ ከም ዘማዕበለ፡ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ዝፈልጥዎ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። "ለጋስ እዩ ነይሩ፤ ንዅሉ ኣብ ከባቢኡ ዝረኸቦ ሰብ ‘ስተ’ እናበለ ዝጋብዝ" ይብል ሰየ ዝተባህለ ብንእስነቱ፡ ምስ ኣደኡ እናሸቀጠ እንከሎ ዝፈልጦ መራሕ መኪና።
ሰየ ከም ዝብሎ፡ ስራሕ ምትላል ከም ሓደ ‘ያሁ ቦይ’ ኰይኑ እዩ ጀሚርዎ። ‘ያሁ ቦይ' ኣብ ናይጀርያ፡ መንነት ሰባት ብኢንተርነት ብምስራቕን፣ ወይ ናይ ሓሶት መንነት ብምጥቃም ፍቕራዊ ምትላል ብምፍጻምን፡ ካብ ኣፍቀርቶም ደቀንስትዮ ገንዘብ ንዝረኽቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘመልክት እዩ።
ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ናይ ምትላል ውጥን ዓባስ፡ ኣብ 2019 ኣብ ማልታ ዝተፈጸመ ኣብ እዋኑ ዓለማዊ ጉዳይ ዝነበረ፡ ነቲ ብጕጅለ ሰረቕቲ [ሃከራት] ሰሜን ኮርያ ካብ ባንክ ማልታ ቫሌታ ዝተሰርቀ 13 ሚልዮን ዶላር ክሓጽብ ዝፈተነሉ ፍጻመ እዩ። ሽዑ ስርዓታት ክፍሊት እታ ኣውሮጳዊት ሃገር ማልታ ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ፡ ኣብ ዕግርግር ኣትያ ነይራ እያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



