እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብሓገዝ ዝተዋህበና ድስቲ ከይተረፈ ክንሸይጥ ንግደድ ኣለና' ተፈናቐልቲ ክልል ኣምሓራ
መሓመድ ሰይድ ይበሃል። ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከባቢ ከተማ ሃይቅ ኣብ ዝርከብ ‘ቱርክ ካምፕ’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ግዚያዊ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ናብራ ካብ ዝጅምር 7 ኣዋርሕ ሓሊፉ።
መሓመድ ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ኰይኑ፡ በዓል ቤቱን ሸውዓተ ኣባላት እታ ስድራቤቱን ኣብዚ መጽለሊ ተፈናቐልቲ ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት'ውን ከምዘለዉ ዝገለጽ ኣቶ መሓመድ፡ እቲ ዝግበረሎም ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ካብ ዝብል ክልተ ወርሒ ከምዝሓለፈ ይዛረብ።
“ዝዀነ ዝብላዕ ነገር የለን። ንገብሮ ምስ ጨነቐና ህይወትና ንምድሓን፡ እቲ ብሓገዝ ዝተዋህበና ፍርና፡ ድስቲን ካልእ ንብረትን ንሸይጥ ኣለና” ይብል።
ኣቶ መሓመድ፡ ህጹጽ ደገፍ እንተዘይተገይሩ ብዙሓት ህጻናትን ኣደታትን ከይሞቱ ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።
ቅድሚ ሎሚ እኹል'ኳ እንተዘይኰነ ሓሩጭን ስርናይን ሓገዝ ይወሃቦም ምንባሩ ብምዝካር፡ "ሕጂ ግን ፈጺሙ ደገፍ ዝበሃል የለን" ክብል የረድእ።
ንሱ ከምዝበሎ እቲ ዝርከቡሉ መጽለሊ ተመዛበልቲ፡ ካብ ከተማታት ርሕቕ ዝበለ ብምዃኑ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓገዝ ክሓቱ ይዅን ዝተረኽበ መዓልታዊ ሽቕለት ክሰርሑ ኣይከኣሉን።
ህጻናት እንጀራ ንኽልምኑ መገዲ ሓደ ሰዓት ብእግሪ ክጓዓዙ ይግደዱ።
“ኵሉ ሰብ ብጥሜት ይሳቐ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ሓንቲ ሓራስ ብሰንኪ ጥሜት ከተጥቡ ብዘይምኽኣላ ጓላ ብጥምየት ሞይታ” ብምባል ገሊጹ።
ካልእ ኣብቲ መጽለሊ ተፈናቐልቲ እትርከብ ወይዘሮ መሬማ ኰይና፡ ደቃ ሒዛ’ያ ካብ ቤት ንብረታ ተፈናቒላ።
እንተዀነ ህይወታን ህይወት ደቃን ንምድሓን’ኳ ካብ መንበሪኣ እንተተፈናቐለት ሕጂ’ውን ኣብ በዳሂ ኵነታት ከምዘላ’ያ ትገልጽ።
“ሕጽረት መግቢ ኣለና፣ ነእዊ. . . ነእዊ. . .መግቢ ዝህበና ግን የለን” ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣጆኹም ዝብሎም መንግስታዊ ትካል ከምዘየለ ትሕብር።
ወይዘሮ መሬማ ኣብቲ መዕቈቢ ተፈናቐልቲ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝገበትሉ፡ ሰለስተ ግዜ ጥራይ ሓገዝ ስርናይ ከምዝተገበረሎም ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ግን ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘይተገበረሎም ትሕብር።
ወይዘሮ መሬማ “ካብዚ ዘለናዮ ናብ ደሴ ወይ ሃይቅ ብመኪና ንምኻድ 100 ብር ኢና ንኸፍል” ብምባል እቲ መዕቖቢ ቦታ ካብ ዝዀነ ከተማ ኣዝዩ ዝማሕደገ ከምዝዀነ ትገልጽ።
ኣብቲ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ልዕሊ 3000 ሰባት’ዮም ዘለዉ፣ “ኣብ ጥምየት ኢና ንርከብ” ብምባል ከኣ ደገፍ ክግበረሎም ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
“ዝደንገጸ እናሃበና፡ ስብቈ ረኸብና ቅጫ ረኸብና ክሳብ ሕጂ ህይወትና ኣጽኒሕናያ፡ ንለውሶ ሓሩጭ ምርካብ ግን ዘይሕሰብ'ዩ” ትብል።
እዞም ተፈናቐልቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጨፍጫፍ ምስ ተፈጸመ ዝተፈናቐሉ’ዮም።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ኣዝማዶም ከምዝተቐተልዎም ከኣ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ዞባታት ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም’ዮም።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቶሌ ኣብ ዝበሃል ቀበሌ፡ 11 ሰነ 2014 [ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር’ዩ።
ዓለምለኻዊ ትካላት ተጣበቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ልዕሊ፡ 400 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ኣብ ግዜኡ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ መሰኻኽር ዓይኒን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃንን ከኣ ቍጽሪ ምውታት ልዕሊ 500 ከምዝዀነ’ዮም ገሊጾም።
'በሰላና ከይሓወየ’ሞ ከመይ ኢልና ኢና ክንምለስ ክንሓስብ?'
ናብ መበቖል ዓዶም ናይ ምምላስ መደብ እንተሃልዎ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ መሓመድ ሰይድ፡ በቲ ዝወረደና በደል በሰላና ከይሓወየ’ሞ ከመይ ኣቢልና ኢና ክንምለስ ክንሓስብ” ኢሉ’ዩ መልሲ ሂቡ።
ንሱ፡ “እቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ኣብ ቅድሚ ህጻናት ደቅና’ዩ ተፈጺሙ” ኢሉ።
በቲ መጥቃዕቲ ቤተ ዘመዶም ዝሞትዎም ሰባት፡ ቤት ንብረቶም’ውን ከምዝተሰረቐ ዝሕብሩ እዞም ተፈናቐል፡ “እንተተመለስናኸ ከመይ ኢልና ኢና ሀ ኢልና ናብራ ክንጅም፣ ጸባሕ ድሕሪ ጽባሕከ ሰላም ክኸውን’ዩ ኢልና ከመይ ኢልና ኢና ክንሓስብ” ይብሉ።
ኣቶ መሓመድ ሰይድ “ቆፋፉ ዝመልአ እኽሊ፡ ገለ ሸሞንተ ኣብዑር ገለ ከኣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣብዑር ኢና ገዲፍና መጺእና፣ ሕጂኸ እንታይ ክጸንሓና ኢልና ኢና ክንምለስ” ይብል።
እንተዀነ ተጸባዪ ረድኤት ኰይኑ ክነብር ከምዘይደሊ ከኣ ይሕብር።
መንግስቲ ሰላም ናብ ዘለዎ ቦታ ክወስዶምን ኣብኡ ናብራኦም ዝጅምሩሉ ባይታ ከጣጥሓሎምን ከኣ ንመንግስቲ ይምሕጸኑ።
ወይዘሮ መሬማ’ውን ካብ ናይ ኣቶ መሓመድ ዝተፈለየ ሓሳብ የብላን። ንግዚኡ ግን መንግስቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብረሎም ጻውዒታ ተቕርብ።
ኣቐድም ኣቢሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍኣለ ካብ ክልል ኦሮምያ ተፈናቒሎም ኣብታ ክልል ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ክልል ኦሮምያ ንምምላስ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ከተማ ባህርዳር ንወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፡ ብ26 ለካቲት 2015 [ግእዝ] ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እዞም ዜጋታት ነበርቲ ክልል ኦሮምያ’ዮም፡ ካብቲ ክልል ብዘሎ ጸገማት ድማ’ዮም ተፈናቒሎም” ብምባል፡ ክልል ኦሮምያ ድሕነት እዞም ተፈናቐልቲ ከውሕስንናብ ቦታኦም ክመልሶምን ሓላፍነት ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ።
እቶም ተፈናቐልቲ ብዛዕባ ረድኤት ዘቕርብዎ ጥርዓንን ንዕኦም ዳግማይ ንምጥያስ ዘሎ መደባትን ኣብ ዝምልከት፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ክልል ኣምሓራን ካብ ትካላት መንግስቲ ፈደራልን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ተፈናቐልቲ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝተፈጸመ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝሃደሙን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ውግእ ተተሓሒዙ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ፋሕ ኢሎምን ተዓቚቦምን ዝጸንሑ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ደገፍ ከቢድ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር'ዩ።
ኣብቲ ልዕሊ 67 ሽሕ ተመዛበልቲ ዘለዉዎ ዞባ ምምሕዳር ብሄረ ዋግ ኽምራ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣተሓባባሪ ኮሚሽን መከላኸሊ ሓደጋን መደባት ድሕነት መግቢን ክልል ኣምሓራ ኣቶ እያሱ መስፍን ቅድም ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ በዓል ስልጣን ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም ካብ 2010 [ግእዝ] ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብሰንኪ እቲ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ካብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮምያን ዝተፈናቐሉን፡ ብሰንኪ ኲናት ካብ ዓድታቶም ምስ ተፈናቐሉ ናብ ዓዶም ዘይተመልሱን’ዮም።
መንግስቲ እቲ ክልል፡ ህዝብን ሰብ ሃብትን ደገፍ ንምሃብ ይጽዕሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ደገፍ እዅል ከምዘይኰነ’ዩ ዝግልጽ።
እቲ ሓላፊ፡ "ካብ መንግስቲ ፈደራል ደገፍ'ኳ እንተተረኸበ፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ግን ኣብ ብዝሒ ደገፍ ዝደልዩ ሰባት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን" ክብል ኣብሪሁ።
ቢቢሲ ካብ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ድሕነት መግቢን መንግስቲ መብርሂ ክሓትት ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነታት፡ ተሌፎኖም ስለዘይቅበሉ መልሲ ክንረክብ ኣይከኣለን።