ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣስታት 100 ሮኬታት ናብ እስራኤል ተወንጪፉ

ናብ እስራኤል ዝተወንጨፈ ሮኬታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣስታት 100 ሮኬታት ካብ ደቡብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ከምዝተወንጨፈ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።

ገለ ካብቲ ተወንጨፍቲ ብጸረ-ሚሳይል ክብርዕን እንከሎ፡ ገሊኡ ግን ኣብ መሬት ከምዝዓለበ እቲ ሰራዊት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ማእከላይ በይሩት ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 117 ድማ ቆሲሎም ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዋፊቕ ሳፋ ዝበሃል መቕርብ ናይቲ ቅድሚ መዓልታት ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ምንባሩ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።

ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሕዝቦላህ ግን ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።

መጥቃዕትታት እስራኤል ኣብ ከባቢታት ባቾራ ንዝርከቡ መንበሪ ህንጻታት ምውቅዑ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ መጥቃዕቲ ብድሕሪ’ቲ ኣብ በይሩት ንኽልተ መዓልታት ዝተራእየ ተዛማዲ ህዱኣት’ዩ ተፈጺሙ።

በይሩት - ንመጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ ዝነድድን ዝተክኽን ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቐዲሙ ዝተወሃበ ዝኾነ መጠንቀቕታ ኣይነበረን። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እውን ርእይቶ ኣይሃበን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓንቲ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል ዝነበረት ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ሰበይቲ ፍንጀራታት ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ዝህንጻ ከምዝነበረት ትዛረብ።

ንሳ፡ሓደ ኣስታት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ደርቢ መንበሪ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሃረመ ገሊጻ። ሓደ ካብ ኣዝማዳ ድማ ኣብ ርእሱ ብዝወረዶ መጉዳእቲ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢራ።

መጥቃዕቲ በይሩት፡ ታንኪ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ናብ ዝርከብ ግምቢ ሓለዋ [‘ዋች ታወር’] ብምትኳሳ ክልተ ኢንዶነዥያውያን ኣባላት ዓቃብ ሰላም ካብ ዝቘስሉ ድሕሪ ሰዓታት እዩ ተፈጺሙ ዘሎ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ናቆራ ኣብ ዘሎ መደበር ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ናይ ሓለዋ ግምቢ ብቐጥታ ክህረም ከሎ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ከምዝወደቑ ግዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ (ዩኒፊል) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ንመደበራት ሕቡራት ሃገራት "ብተደጋጋሚ ወቒዖም" ክብል ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ። ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ካልኦት ክልተ መደበራት ግዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ (ዩኒፊል) ኣብ ዝርከቡ ካሜራታትን መብራህትን ኮነ ኢሎም ከምዝተኮሱ እውን ገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወገኑ ኣባላት እቲ መደበር ኣብ "ውሑስ ቦታታት" ክጸንሑ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ወተሃደራቱ ካብ ከባቢ እቲ መደበር ከምዝተኮሱ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ዓቀብቲ ሰላም ብኸቢድ እኳ እንተዘይተጎድኡ ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉ ዝሓበረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ "ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ" ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሕዝቦላህ እውን ኣብ ናቑራ ብመሬት ናብ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት እስራኤል ሮኬት ከምዝተኰሰ ከምኡ’ውን ናብቲ ከባቢ ገጻ እትኸይድ ዝነበረት ታንኪ ንምዕናው ሚሳይላት ከምዝተጠቕመን ክሳራ ከምዘስዓበን ገሊጹ።

ወተሃደራዊ መኻይን ግዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ (ዩኒፊል)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ኣርባዕተ ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት እስራኤል ኣንጻር ሕዝቦላህ ይዋግኡ ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ዩኒፊል ትማሊ ሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ዝርከበሉ ከባቢ ብዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት እቲ ሓይሊ "ከምዝተሰናበደን" "ኣዝዩ ከምዝተሻቐለን" ኣፍሊጡ።

ብሓይልታት እስራኤል ዝተሃርመ ከባብታት ከም ቦታታት ሕቡራት ሃገራት ዝፍለጥ ምዃኑ ዝገለጸ ኣንድርያ ቴነንቲ፡ "እንታይ ከምዘጋጠመ ንምርዳእ" ምስ ሰበስልጣን እስራኤል ዘተ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ሊባኖስ ካብ 50 ሃገራት ዝተውጻጽኡ ኣስታት 10 ሽሕ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ዩኒፊል ኣለው። ኣስታት 800 ሲቪል ሰራሕተኛታት እውን ኣለዉ።

እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝወረደ ጉድኣት ትምርምሮ ከምዘላን ንዝገጠማ ስግኣት ግብረመሲ ንምሃብ ከምዝተኮሰትን ገሊጻ።

ሓይልታት እስራኤል ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ዓቀብቲ ሰላም ከምዝቖሰሉ እቲ ውድብ የመልክት።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከምዝሓበሮ ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ኣስታት 190 ሮኬታት ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ብሕዝቦላህ ተተኲሶም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ብሓሙስ ሚኒስትሪ ህዝባዊ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ቁሸት ካራክ ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን 17 ከምዝቖሰሉን ገሊጹ ነይሩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ሓያል ኲናት ካብ እትኸፍት ጀሚሩ፡ ዛጊት ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሊባኖሳውያን ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።