ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ተቐቲሎምን ተጨውዮምን

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእከል ጎንደር ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ትሽዓተ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ ህጻናት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ድማ ከምዝተጨውዩ ስድራ እቶም ዝሞቱ፡ ነበርቲን ሰበሰልጣንን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ንሳቶም፡ ነቲ ኣብታ ማሕበረሰብ ቅማንት ዝነብሩላ ቀበሌ ጎዶ ሞላሊት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዕጡቓት "ፋኖ" ከሲሶም።

እቶም ዕጡቓት ብ7 ሓምለ 2017 [ግ] ካብ ወጋሕታ ሰዓት 6 ከባቢ ከምዘጥቅዑ 5 ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ክልተ ኣዋልድ ደቁ በቲ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሃርማ፡ መልካ ኣምላኩ ዝተባህለ ካህን ነባሪ'ቲ ቀበሌ፡ ኣብ ወጋሕታ ደንበ ከብቲ ንምኽፋት ገዛኡ ኣብ ዘርሓወሉ ድምጺ ጠያይቲ ከም ዝሰምዐ ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ኣብቲ መጥቃዕቲ " ብሬንን ዲሽቃን" ዝኣመሰሉ ከበድቲ ኣጽዋር ከምዝተጠቕሙ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ቀበሌን ኣቶ ኣትንኩት ጸጋ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ካልእ ነባሪት'ቲ ቀበሌ ብወገና፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብሰሉስ ናብቲ ከባቢ ዝተመልሱ መንእሰያት፡ተወሰኽቲ ሬሳታት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝረኸቡ ሓቢራ።

ኣቶ ኣትንኩት ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ዕጡቓት ነበርቲ ኰይኖም፡ ኣብ ቀበሌ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ምስቶም ዕጡቓት "ዝዋግኡ" ዝነበሩ እዮም። ካብቶም ዝተረፉ ሰላማውያን ግዳያት ድማ "ጓል 18 ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ዲያቆንን" ከምዘለዉ ገሊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ እውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ዲያቆንን ከምዝተቐትሉ ክሕብሩ እንከለዉ፡ የዝባለም ደረጀ ዝተባህለ ነባሪ እቲ ቀበሌ ብወገኑ ቍጽሪ በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሓዉ፡ ወዲ ሓዉን ወዲ ሓወቦኡን ዝርከቡዎም 16 ሰባት ምዃኖም ሓቢሩ።

"ወዲ ሓወቦይ ይዋጋእ እዩ ነይሩ፣ እቲኦም [ሓውን ወዲ ሓውን] ግን ዋላሓንቲ ከይገበሩ ጨውዮም እዮም ቀቲሎምዎም" ብምባል ክልተ ኣዝማዱ ኣብ ገዛኦም እንከለዉ ከምዝተቐትሉ ኣረዲኡ።

ነበርቲ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ሓቢሮም።

12ን 16ን ዓመት ዝዕድመአን ደቈም ዝተሃርማኦም ቀሺ፡ "እታ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ኣብ ሕቘኣ ተሃሪማ። እታ ጥይት ስለዘይወጸት መጥባሕቲ ንምግባር ናብ ሆስፒታል ኣትያ ኣላ። እታ ካልኣይቲ ድማ ትሕቲ ከብዲ ኢዳ ብምህራማ ኣዕጽምታ ተሓምሺሹ" ክብሉ ነቲ ኣብ ደቆም ዝወረደ መጕዳእቲ ገሊጾም።

ካልእ በዓልቲ ቤት ቀሺ ጎረቤቶም ዝዀነት ነባሪት'ውን ምስ ደቃ በቶም ዕጡቓት ከምዝተወሰደት ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ክልተ ደቀን ሒዘን ዝነበራ ኣደታት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት'ውን ጅሆ ከምዝተታሕዙ ሓቢሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ቀበሌ ኣቶ ኣትንኩት፡ "ሓንቲ ካብተን ዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮ ጓል ሰለስተ ወይ ክልተ ዓመት ቈልዓ ሓዚላ፤ እታ ካልኣይቲ ድማ ምስ ወዲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓኣ ሒዛ እያ ተጨውያ" ኢሉ።

እቶም ዕጡቓት ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ቀበሌ ዝርከባ ክልተ ቁሸታት ብሓዊ ከምዘንደዱን ጥሪትን ንብረትን እውን ከምዝዘመቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ነበርቲ ሓቢሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ቀበሌ ኣቶ ኣትንኩት ብወገኑ፡ "105 ዝተቓጸሉ ገዛውቲ ቈጺርና ኣለና" ብምባል ጥሪትን ኣጣልን ዝርከብዎም "2,500" እንስሳታት ከምዝተዘመቱ'ውን ገሊጾም።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ኣመሓዳሪ ቀበሌ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ኣባላት ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ክልል ኣምሓራን ናብቲ ከባቢ ምእታዎም ድሕሪ ምስምዑ እቲ መጥቃዕቲ ደው ከም ዝበለ ተፈሊጡ።

ሰለስተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ መጥቃዕቲ ነቶም ኣብ ጎረባብቲ ከባቢታት ቀበሌ ጎዶ ሞላሊት ዝመደበሮም "ዕጡቓት ፋኖ" ክወቕሱ እንከለዉ፡ ካልኦት ክልተ ነበርቲ "ኣባላት ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ክልል ኣምሓራን እዮም" ዝብል ከምዝሰምዑ ገሊጾም።

ይዅን እምበር እቲ መጥቃዕቲ ብ"ዕጡቓት ፋኖ" ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ዋና ኣመሓዳሪ ቀበሌ ኣቶ ኣትንኩት ግን ነዚ ይነጽጎ።

እቲ ዋና ኣመሓዳሪ "ኣባላት ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ክልል ኣምሓራን"ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ምምሕዳራት ወረዳ ጨልጋን ዞባ ማእከላይ ጎንደርን እቲ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ ምስተሓበረ እዮም ኣትዮም ክብል የረድእ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ምስ ቀበሌ ጎዶ ሞላሊት ዝዳወቡ ቀበሌታት ወንበልሰክ፡ ሻርዳ፡ እንገድባ፡ ሚኒባስክ "ዝቈጻጸርዎም ዕጡቓት ፋኖ እዮም" ብምባል ድማ እቲ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ፋኖ እዩ ተፈጺሙ ክብል ይምጕት።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ወረዳ ጪልጋ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብቲ ቀበሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ብጉልባብ ፋኖ ብዝተወደበ ጕጅለ ኣኽረርቲን ሸፋቱን" ክብል ንዝጸውዖም ኣካላት ወቒሱ።

"ኣብቲ ቀበሌ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሓረስቶት፡ ኣረጋውያንን ህጻናትን" ኣረሜናዊ ቅትለት፡ ዝምታ ሃብትን ንብረትን ከምዝተፈጸመ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ወረዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሕጂ ካብ ዘለና ሓበሬታ ብምብጋስ፡ ሸሞንተ ንጹሃን ሓረስቶት ተቐቲሎም፡ ሓሙሽተ ቈሲሎም፡ ሽዱሽተ ድማ ተጨውዮም ኣለዉ። ንጹሃን ሓረስቶት ግፍዕን ዓመጽን ከም ዝበጽሖም ድማ ክንሕብረኩም ንፈቱ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን፡ እቲ ጕጅለ "ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክፍጠር ዝጸንሐ ብሄራዊ ግጭት ንምጉህሃር፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት መጠነ ሰፊሕ ግፍዒታት ይፍጽም ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባታት ማእከላይ ጎንደርን ምዕራብ ጎንደርን፡ "ኣብ ጎረባብቲ ቀበሌታት ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኣምሓራን ቅማንትን ንዝነበረ ዓሌታዊ ግጭት ዳግም ክውልዑ ዝደልዩ ኣኽረርቲ ኣካላት" ኣለዉ ብምባል ይኸስስ።

ምምሕዳር'ቲ ወረዳ፡ "ክልቲኡ ምምሕዳራት ዞባን መንግስቲ ክልልን፡ ሞት ንጹሃን ሓረስቶትና፡ ምዕናው ንብረት፡ ምምዝባልን ንምክልኻል ኣቓልቦ ሂቦም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ንምሕጸን'' ኢሉ።