ኣመሪካዊት ዳኛ: ክሲ ጾታዊ ዓመፅ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ዓጽያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካዊት ዳኛ፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ዝቐረበሉ ገበን ጾታዊ ዓመጽ ‘እኹል መረዳእታ ኣይቀረበሉን’ ብዝብል ውድቂ ገይራቶ።
እታ ዳኛ፡ ጠበቓ እታ ከሳሲት ዝተሰርቁን ሸሊኾም ዝወጽኡን ዝበሎም መረዳእታት ጥራይ እዩ ሒዙ ቀሪቡ ኢላ።
ካትሪን ማዮርጋ ኣብ 2009፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ሆቴል ዓሚጹኒ ኢላ እያ ከሲሳ።
ብኸምዚ ዓይነት ገበን ክሲ ቀሪብዎ ዘይፈልጥ እቲ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ነዚ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
እታ ከሳሲት፡ ኣብ 2010 ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ነቲ ክሲ ንክተቋርጽ፡ 375 ሺሕ ዶላር ተቐቢላ እያ ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
ማዮርጋ፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ እዋን እቲ ገንዘብ ንምቕባል ተስማሚዓ ምንባራ እንተገለጸት፡ ብዝበጽሓ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ምኽንያት፡ ኣብቲ ከይዲ ከምዘይተሳተፈት ትዛረብ።
እቲ ገንዘብ ንክትቅበል ዓብይ ፀቕጢ ይግበረላ ከምዝነበረ ድማ ተዛሪባ።
ኣመሪካዊት ዳኛ ጄኔፌር ዶርዚ ግን፡ ጠበቓ’ታ ከሳሲት፡ መዝገብ እቲ ክሲ ዝኸፈተ፡ ብግቡእ መገዲ ዘይተኣከቡ መረዳእታት ኣኻኺቡ እዩ ኢላ።
እታ ዳኛ ወሲኻ፡ ናይታ ከሳሲት ጠበቓ ብዝተሰርቁን ሕጋዊ ብዘይዀነ መገዲ ዝተረኽቡ መረዳእታታትን ሒዙ ንተኸሳሲ ንሓደጋ ኣቃሊዑ ኢላ።
እቲ 42 ገፅ ዝሓዘ ነቲ ክሲ ክዕጾ ምውሳኑ ዝገልጽ ደብዳበ ዝጸሓፈት ዳኛ፡ ጠበቓ እታ ከሳሲት፡ ሌዝሊ ስቶቫል ፡ "ከይዲ እቲ ክሲ ግቡእ ብዘይዀነ መገዲ ክምራሕ ብምግባር እታ ከሳሲት ግቡእ ፍርዲ ከይትረክብ ገይሩ" ክትብል ወቒሳ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ዳኛ፡ እቲ ጠበቓ ‘ስርዓት ኣየኽብርን’ ኢሉ ብምውቃስ እቲ ክሲ ውድቂ ክኸውን ሓቲቱ ነይሩ እዩ።
ቢቢሲ ነቲ ጠበቓ ንምዝራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ኣብ 2019 ዓቀብቲ ሕጊ ኣሪካ፡ "እቲ ክሲ እኹል መረዳእታ ክቕርበሉ ስለዘይከኣለ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ክኽሰስ የብሉን” ዝብል ድምጺ ኣስሚዖም ነይሮም።
ማዮርጋ፡ እቲ ተጻዋታይ ዓሚፁኒ እንተበለት’ኳ፡ መዓስን ኣበይን መን'ከ እዩ ንሱ -ንዝብሉ ሕቶታት ክተርድእ ኣይከኣለትን ይብል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ላስቬጋስ።
እንተዀነ፡ ብሕቶ እታ ከሳሲት፡ እቲ ክሲ መሊሱ ኣብ 2018 መርመራ ክግበረሉ ተገይሩ።
ሓደ ጋዜጣ ጀርመን፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ንማዮርጋ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍል ተስማሚዑ ዝብል ጸብጻብ ሒዙ ዝወጽአ ኣብ 2107 ነይሩ።
ጠበቓ ማዮርጋ እቲ መዝገብ ከም ብሓድሽ ክኽፈት ዝደለየት ብጎስጓስ #MeToo ተለዓዒላ ከምዝኾነት እዩ ዝዛረብ።
ሮናልዶ ኣብ 2009 ኣብ ላስ ቬጋስ ምስ ማዮርጋ ከምዝተራኸበ ኣይከሓደን።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ነገር ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



