ኣብ እዋን መጥባሕቲ ንተሓካሚት ብጉስጢት ዝወቕዐ ዶክተር ቁጥዐ ፈጢሩ

ሰብመዚ ቻይና፡ ሓደ ዶክተር፡ መብጣሕቲ ይገብረሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነታ ተሓካሚት ብጉስጢት ወቒዑ ዝተብሃለሉ ሆስፒታል ይምርምሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ህዝባዊ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣውራ ወናኒ እቲ ሆስፒታል፡ ኤየር ቻይና፡ ነቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ካብ ስርሑ ከምዝኣገደን ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል'ውን ከምዝባረረ እዩ ዝገልፅ።

ቢቢሲ፡ ካብ ኤየር ቻይና ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰረመረን።

ኣብቲ ቪድዮ፡ እቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም፡ ንሓንቲ ተሓካሚት ኣብ ዓይና መጥባሕቲ እናገበረ እንከሎ፡ እንተወሓደ ሰለስተ ግዜ ኣብ ርእሳ ከምዝሃረማ ዘርኢ ይመስል።

ሆስፒታላት ዓይኒ- ኤየር ቻይና፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ከተማ ጓይጋንግ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታሉ ኣብ ዝተኻየደ መጥባሕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

እታ ተሓካሚት ጓል 82 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዝሰርሕ 'ውሱን' መደንዘዚ እንተተወግኣት'ኳ፡ ቃንዛኣ ክትፃወር ኣይከለኣለትን። ርእሳን ዓይናን ብተደጋጋሚ ተንቀሳቕስ ነይራ።

እታ ተሓካሚት፡ ናይቲ ከባቢ ላህጃ ጥራይ ክትዛረብ እትኽእል ኰይና፡ ነቲ እቲ ዶክተር ብቋንቋ ማንደሪን ዝሃቦ መጠንቀቕታ ክትርዳእ ኣይከኣለትን።

ሰብመዚ እቲ ከባቢ፡ እቲ ማህረምቲ ነታ ተሓካሚት ኣብ ከባቢ ግንባራ ረኽሲ ከምዝፈጠረላ ይገልጹ።

ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ፡ ኣካየድቲ እቲ ሆስፒታል ይቕሬታ ሓቲቶም፡ 500 ዩዋን (70 ዶላር) ከም ካሕሳ ከም ዝኸፈሉ፡ ወዲ እታ ተሓካሚት ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ኣዲኡ ብሰንኪ እቲ ፍጻመ ድዩ ኣይኮነን ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ሕጂ ጸጋማይ ዓይና ከምዝዓወረት ገሊጹ።

ኤየር ቻይና፡ እቲ ሆስፒታል ነቲ ፍጻመ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ክሕብር እናተገበኦ፡ ከምኡ ከምዘይገበረ ይገልፅ።

ብሓሙስ፡ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ጓይያንግ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረን፡ እቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም - ብሰንኪ "ከቢድ ምጥሓስ ደንቢ " ካብ ስርሑ ከምዝታአገደን ኣፍሊጡ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ታሕሳስ 2019 እኳ እንተተፈጸመ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣቓልቦ ህዝቢ ዝረኸበ፡ ሓንቲ ፍልጥቲ ቻይናዊት ዶክተር ኣይ ፈን፡ ናይቲ መጥባሕቲ ቪድዮ ኣብ ኢንተርኔት ድሕሪ ምልጣፋ እዩ።

ዶክተር ኣይ፡ ኣብ ፈለማ ለበዳ ዉሃን ኮቪድ ንህዝቢ ካብ ዘጠንቀቑ ጉጅለ ሓካይም ሓንቲ ኮይና፡ ነታ ክሊፕ ኣብ'ቲ ክልተ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ኣካውንታ ለጢፋቶ።

ዶክተር ኣይ፡ ካብ 2021 ኣብ'ቲ ሆስፒታል መጥባሕቲ ካብ ዝኸደትሉ እዋን ጀሚራ ምስ ኣየር ቻይና ኣብ ሕጋዊ ሞገት ትርከብ።

ብሰንኪ እቲ ስርሒት ሓንቲ ዓይና ክትዓውር ዳርጋ ከምዝተቓረበት እኳ እንተገለጸት፡ ኣየር ቻይና ግን ነቲ ክሲ ይነፅጎ።