ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ስርቂ ረድኤት ንምክልኻል ከምዝወጠነ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, WFP
ውድብ መግቢ ዓለም ንረድኤት ካብ ዝቐረበ መግቢ ኣብ ዕዳጋ ከምዘሎ መርትዖታት ድሕሪ ምርካቡ ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዘቕርቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፀ ይዝከር።
ነቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምቍራፁ ብተወሳኺ ብቕልጡፍ ናብ ምፅራይ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብሰንኪ ዝጸንሐ ግጭትን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ሰፊሕ ድርቂን፡ ማሕበረሰባት ዝተሃሰዩላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝዀኑ መረዳእታ እቲ ትካል የመልክት።
ውደብ መግቢ ዓለም፡ ነቶም ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉ የረድእ።
ኣብታ ክልል ነቶም ተጸበይቲ ረድኤት ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ይሽይጥ ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ ናብታ ክልል ክወሃብ ዝጸንሐ ረድኤት ኣቋሪፅዎ እዩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዩኤስኤአይዲ ብወገኑ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ንክልል ትግራይ ክህቦ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከም ዘበለ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
እቲ መግለጺ፡ ኣሜሪካ እታ ዝበዝሐ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት እትህብ ሃገር ከምዝዀነት ብምምልካት፡ እቲ ረድኤት ምሃብ ዘተቋረጸሉ ምኽንያት ድማ እቲ ነቶም ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ተባሂሉ ዝቐረበ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ብምጅማሩ ከምዝዀነ ኣረዲኡ።
ተወሳኺ ምጽራያት ንምግባር ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተማእከለ ጕጅለ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኽ ከምዝዀነ’ውን እቲ ትካል ምሕባሩ ይዝከር።
ዩኤስኤአይዲ ብዛዕባ እቲ ተሰሪቝ ኣብ ዕዳጋታት ዝሽየጥ ዘሎ ነቶም ብሰንኪ ኲናትን ደርቕን ዝተሃሰዩ ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ስከፍታታቱ ከምዝገለጸን ክልቲኦም ወገናት ነቶም ነዚ ተግባር [ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት] ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ንምግባር ከምዝሰርሑ ምግላጾም'ውን ሓቢሩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ብምቛም ተሓተቲ ውልቀሰባት ኣብ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑ ምግላፁ ይፍለጥ።
'ዜሮ ተጻዋርነት'
ዋና ዳይረክተር ውድብ መግቢ ዓለም ሲንዲ ማክከይን ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ እቲ ንሳ ትመርሖ ትካል "ወሳኒ ዝዀነ ረድኤት ናብቶም ዝጠመዩ ስድራቤታት ከይበፅሐ ዝፍፀም ስርቂ ወይ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ንምውፋሩ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ተጻዋርነትና ትሕቲ ዜሮ'ዩ" ክትብል ኣፍሊጣ።
ንሳ ወሲኻ "እቶም ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም” ክትብል ኣተሓሳሲባ።
እቲ ዝቐርብ ሓገዝ መግቢ ናብቶም ኣዝዮም ዘድልዮም ሰባት ከም ዝበፅሐ ንምርግጋጽ ዝድለ ኩሉ ከምዝገብሩ'ውን ኣረጋጊፃ።
ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፍፀም ስርቅን ኣብ ዘይግቡእ ምውዓልን ንምክልኻል ዝሓንፀፆ ውጥን ኣብ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ዕማማቱ ተፈጻሚ ክኸውን እዩ።
እቶም ስጕምትታት ድማ፡
- ቅኑዕ ዝዀነ ውሕስነት መግብን ድሌታትን ምግምጋም
- ምሕያል ምንፃር ኮነ ምሕደራ ተጠቀምቲን ምፍታሽ መንነትን
- ካብ መኽዘናት ናብ ተጠቀምቲ ዝግበር ምንቅስቓስ መግቢ ዝግበር ምክትታል ምድልዳል የጠቓልሉ
እቲ ትካል፡ ምስ ክልላውን ሃገራውን ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ምስ መሻርኽቲ ብቐረባ ብምስራሕ፡ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ክጅመር ንምግባርን ብደረጃ ሃገር ንዘለዉ ተጠቀምቲ ንምድጋፍን ከምዝሰርሕ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለፂኡ ሓቢሩ'ሎ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ፕሮግራም ዓለም ሲንዲ ማክከይን "ካብ ዝጠመዩ ሰባት ምግቢ ምውሳድ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ቅቡል ኣይኮነን" ትብል።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብታ ክልል ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉን ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግን እቲ ንስኡናት ተባሂሉ ክወሃብ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዕዳጋታት ብቃልዕ ይሽየጥ ከምዘሎ ዝሕብር መርትዖታት ብስእሊ ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክዝርጋሕ ይረኣይ ኣሎ።
ነዚ ተኸቲሎም ውድብ መግቢ ዓለም፡ ትካል ዩኤስአይድን ነቲ ኣብ ትግራይ ክህብዎ ዝጸንሑ ረድኤት ከምዘቋረጽዎ ይሕብሩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ለገስቲ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ድማ ብፍላይ ዘጋጠመ ጸገም ብልዑል ትዅረትን ኣብ ሓጺር ግዜን ሓቢርና ከም እንፈትሖ እናረጋገጽኩ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪትኩም ኣብዚ ቀረባ ዘመሓላላፍኩምዎ ውሳነ ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቐ ህዝብና ኣዝዩ ዝጐድእ ስለ ዝዀነ ደጊምኩም ክትርእዎን ዝተለመደ ሰብኣዊ ስራሕትኩም ኣጠናኺርኩም ክትቅጽሉሉን እላቦ” ክብል ተማሕጺኑ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



