ተሰዲዳ፡ ድሕሪ 121 ዓመት ዝበጽሐት ፖስትካርድ

ምንጪ ስእሊ, Swansea Building Society
እታ ፖስትካርድ ቅድሚ 121 ዓመት እያ ተላኢኻ። ግን ድማ ብእዋኑ ናብቲ ዝተሓሰበትሉ ቦታ ከይበጽሐት ተሪፋ።
ካብ ዝለኣኻ ሰብ ናብ ተቐባሊት ከይበጽሐት ልዕሊ ሓደ ክፍለዘመን እኳ እንተሓለፋ ግን ድማ ኣይጠፍአትን።
ናብቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተጽሓፈ ኣድራሻ ኣብዚ ቅነ በጺሓላ። እሞ ተቐባሊትከ ብህይወት’ዶ ትህሉ ትኸውን?
እታ ንበዓል ልደት ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዋ ካርድ ንፈለማ ዝተልኣኸትሉ እዋን 1903 ነይሩ። ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣብ እንግሊዝ ከተማ ስዋንሲ ናብ ዝርከብ ‘ስዋንሲ ቢዩልዲን ሶሳይቲ - ክራዶክ ስትሪት’ ዝብል ኣድራሻ በጺሓ።
ሰራሕተኛታት እንዳፖስታ ንኣዝማድ ናይታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ኣድራሻ እትነብር ዝነበረትን እታ ካርድ ዝተልኣኸትላን ሊድያ ዳቪስ ዝተበሃለት ውልቀሰብ ክረኽቡ ተስፋ ከምዘለዎም ይዛረቡ።
እታ ፖስትካርድ ኤዋርት ብዝተባህለ ሰብ ዝተጻሕፈት ኰይና፡ ንሱ "L" ዝብል ኣድራሻ ኣስፊሩ’ሎ፤ ይቕሬታ ድማ ይሓትት።
"ብጣዕሚ ይቕሬታ! ኣብ ገዛኺ ግን ትሕጎሲ ከምዘለኺ ተስፋ እገብር" ይብል።
ኤዋርት ቀጺሉ "ንክፍሊት ባቡር ዘይትመልእ” ኣስታት 10 ሽልን ከምዝተረፈቶን ደሓን ከምዘሎን ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ሊድያ "ንጊልበርትን ጆንን ክትረኽቦም" ብምምሕጻን ነቲ መልእኽቱ "ንዅልኹም ይፈትወኩም" ኢሉ ብፊርማ ዛዚሙ።

ምንጪ ስእሊ, Swansea Building Society
ሓላፊ ዕዳጋን ርክባትን ማሕበር ህንጻ ስዋንሲ ዝዀነ ሄንሪ ዳርቢ፡ ነቲ መእከቢ ፖስታታት ኣብ ዘተዓራርየሉ እዋን ነታ ፖስትካርድ ከምዝረኸባ ይዛረብ።
ሽዑ ግን ብዛዕባ ተቐባሊት ብኢንተርነት ክረኽቦ ዝኸኣለ ሓበሬታ ውሱን ነይሩ።
"ስለዚ ምናልባት ዝዀነ ምስኣ ዝፋለጥ ወይ ትሕቲኣ ዘለዉ ወለዶታት ክርከቡ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ተስፋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንጥቅዖ ወሲንና" ይብል።
ኣንድሪው ዱሊ ካብ ትካል ማህደር ዌስት ግላሞርጋ፡ ሓደ ጆን ኤፍ ዳቪስ ዝበሃል ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማርያን ሽዱሽተ ደቁን ኣብቲ ኣድራሻ ይነብር ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ’ሎ።
"ካብ ደቁ እታ ዝዓበየት ሊድያ እያ ነይራ። ምናልባት እዛ ፖስትካርድ ክትለኣኽ ከላ ጓል 16 ዓመት ነይራ ትኸውን" ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



