ማክሮን ዘረባ ትራምፕ ኣቋሪጹ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዛዕባ ኲናት ዩክረይን ዝግበር ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ሰላም 'ውሕስነት ጸጥታ' ሒዙ ክመጽእ ኣለዎ ኢሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ፡ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዩ፡ ማክሮን ከምኡ ዝበለ።
"እዚ ሰላም ንዩክረይን ኢድካ ምሃብ ማለት ክኸውን የብሉን፣ ብዘይ ዝዀነ ዘተኣማምን ውሕስነት ተዅሲ ምቍራጽ ማለት ክኸውን የብሉን" ኢሉ።
ብዛዕባ 'ውሕስነት ጸጥታ' ኣመልኪቱ ዝዀነ ነገር ዘይጠቐሰ ትራምፕ፡ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምርግጋጽ ዝወጽእ ወጻኢታት፡ ጾር ሃገራት ኤውሮጳ እምበር ብኣመሪካ ጥራይ ክኽፈል የብሉን ኢሉ።
ኤውሮጳ "እቲ ጸጥታዊ ወጻኢታት ብዝያዳ ፍትሓዊ መንገዲ ምክፋል" ከምዘድሊ ከምእትርዳእ ምላሽ ዝሃበ ማክሮን፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ ዝተኻየደ ዝርርብ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ከምዘርኣየ ወሲኹ ገሊጹ።
እዞም መራሕቲ ዕሙቕን ምውቑን ዝበለ ርክብ ኣካይዶም ጽቡቓት ቃላት ክለዋወጡ እንከለዉ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ግን ፍልልያት ክምዘሎ ዝሕባእ ኣይነበረን።
ድሕሪ እቲ ንውሕ ዝበለ እዋን ዝወሰደ ክልተኣዊ ዝርርብ፡ ቀዲሞም ኣብ ኦቫል ኦፊስ ን40 ደቓይቕ ኣብ ዝተወሃበ ሓበራዊ መግለጺ እዩ፡ ገለ ንጹር ፍልልያት ተራእዩ።
'ውሕስነት ጸጥታ' ዝብል ኣርእስቲ ሓደ ካብቲ ፍልልይ ኰይኑ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኲናት ንምውዳእ ክውሰዱ ዝኽእሉ ቀጻሊ ስጕምትታት ስኒት ዘሎ ኣይምስልን።
ትራምፕ እቲ ኲናት "ኣብ ውሽጢ ሰሙናት" ክውዳእ ከምዝኽእልን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘድልን ብምግላጽ፡ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብ ሩስያ ከምዝገይሽ ሓቢሩ።
ማክሮን ብወገኑ፡ እቲ ዕርቂ ከምዘድሊ ግን ድማ፡ ንዩክረይን ናይ ነዊሕ እዋን- ዘላቕን ንጹርን ውሕስነት ዘጠቓልል ሰፊሕ ስምምዕ ሰላም ክህሉ ዝያዳ ዝተሓሰበ ነገር ከምዝዀነ ደፊኡ።
"ቅልጡፍ ሰላም ንደሊ፡ ድኹም ስምምዕ ግን ኣይንደልን ኢና" ኢሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ግን፡ እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ምውፋር ሓይልታት ዓቃብ ሰላም ኤውሮጳ ናብ ዩክይን ከጠቓልል ከምዘለዎ ተሰማሚዖም።
እዚ ሓሳብ ብሩስያ ፍጹም ተነጺጉ ኣሎ።
ማክሮን፡ "ኣብ ቅድመ ግንባር ኣይክህልዉን፣ ኣካል ዝዀነ ይዅን ግጭት ኣይክዀኑን እዮም። እቲ ሰላም ንኽዕቅቡ ግን ኣብኡ ይዋፈሩ" ክብል ኣብ ኦቫል ኦፊስ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነዚ ሓሳብ ክቕበል ከምዝዀነ ገሊጹ።
"ብፍሉይ ነዛ ሕቶ ሓቲተዮ እየ፣ ንሱ ዝኾነ ጸገም የብሉን" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ትራምፕን ማክሮንን ቅሉዕ ዘይምርድዳእ ዝረኣየሉ ህሞታት'ኳ እንተዘይነበረ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ንኣመሪካዊ መዘነኡ ኣቋሪጹ ዝተፈለየ ሓሳብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ'ውን ነይሩ።
ትራምፕ 'ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክረይን ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ኵሉ ብመልክዕ ልቓሕ'ዩ' ዝበሎ ብምቅዋም፡ ኣቋሪጽዎ
"ኣይፋልን፡ ብግልጺ ንምዝራብ፡ ከፊልና ኢና። ካብ ጠቕላላ ወጻኢታት እቲ ኲናት 60 ሚእታዊት ከፊልና" ኢሉ ማክሮን።
ትራምፕ "ከምኡ ትኣመን እንተዄንካ ንዓይ ጽቡቕ እዩ" ክብል ትራምፕ መሊሱሉ።
እዚ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ እዩ ተኻይዱ ዘሎ።
ዘለንስኪ ነታ መዓልቲ ምስ ዓለማውያን ወከልቲ ኣብ ዝኣንገደሉ መደብ፡ ንሰለስተ ዓመት "ፍጹም ጅግንነት ዩክረይናውያን" ብዝብል ጋዜጣዊ መግለጺ ጀሚሩ።
ኣብቲ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ዝተሳተፍዎ ኣብ ኪቭ ዝተኻየደ መደብ፡ "ነዚ ኲናት ሎሚ ዓመት ክንውድኦ ተስፋ ንገብር" እውን ኢሉ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ጃፓንን ሓዊሱ ካልኦት መራሕቲ ብቪድዮ ሊንክ ተዛሪቦም።
ውክልና ኣመሪካ ግን ኣይነበረን።
እዚ ከምዚ እናሃለወ. . .
እቲ ኣብ መንጐ ትራምፕን ፕረዚደንት ማክሮንን ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ዝፍጠር ዘሎ ሃጓፍ ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዓይኑ ኣፍጢጡ ተራእዩ።
ኣብቲ ንሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ ንምዝካር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ናይ ውሳነ-ሓሳብ፡ ኣመሪካ ብቕሉዕ ምስ ሩስያ ወጊና ድምጻ ሂባ ኣላ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኲናት ዩክረይን ዝገበሮ ርኡይ ለውጢ መርገጺ ዝህብ ኰይኑ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ዝሓዘቶ መርገጺ ምሉእ-ንምሉእ ዝጻረር እዩ።
ፈለማ ክልቲአን ሃገራት፡ ሩስያን ኣመሪካን፡ ነቲ ብሃገራት ኤውሮጳ ዝተነድፈ ንተግባራት ሞስኮ ዝዅንን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ዝድግፍን እማመ ተቓዊመን።
እንተዀነ፡ ብጠቕላላ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት (UNGA) ኣብ ኒውዮርክ ጸዲቑ ሓሊፉ ኣሎ።
ብድሕሪኡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብኣመሪካ ዝተነድፈ እማመ ቀሪቡ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ዝጽውዕ ግን ከኣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዀነ ነቐፌታ ዘይሓዘ ውሳነ ነይሩ።
ክልተ ወሰንቲ መሓዙት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ንምምሕያሽ ኣገላልጻ ቃላት እቲ እማመ ዘቕረባኦ ሓሳብ ውዱቕ ምስተገብረ፡ ድምጸ-ተኣቅቦ ዝገበራ ዀይነን፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ጸዲቑ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



