ኣብ ሩባ ተከዘ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ 12 ሰባት ሞይቶም

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሩባ ተከዘ ጃልባ ዝጠሓለቶም ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ኣብቲ ሩባ ናብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝኸዱ ገያሾ ኣሳፊራ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ተገሊጹ።

እታ ጃልባ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጋሻ ውሕጅ ድማ ኣብቲ ሩባ ተገመጢላ እቲ ሓደጋ ከምዝሰዓበ ኤጀንሲ ማዕከን ዜና ኣምሓራ ኣቃሊሑ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብታ ጃልባ 26 ሰባት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ይግመት።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና ካብኣቶም ኣመና ዝተጎድአ ሓደ ህጻን ይርከቦም ክብል ኣፍሊጡ።

ክሳዕ ትማሊ ሰንበት ኩሉ ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ካብቲ ሩባ ተረኺቡ እንተኾይኑ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ንሩባ ተከዘ ዘሳግር ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነ ድልድል ንምጽጋን ዝተጀመረ ስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክዛዘም ከምዝነበሮ ሓደ በዓል መዚ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ዓለምለኻዊ ማዕከናት ዜና ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከይደን ጸብጻባት ክሰርሓ ብሰበ ስልጣን እታ ሃገረ ዝተገደበ እዩ።

ኣብ ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ብስም ፋኖ ዝፍለጡ ዕጡቓት ኣምሓራን ውግኣተ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።