ኢራን፡ ዓወት ሓድሽ መራሒ ስለምንታይ እዩ 'ስንባደ' ፈጢሩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, STR/EPA-EFE/REX/Shutterstock
ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት፡ ኢራን ካብ ተሪር ዓቀባውን ጸረ ምዕራባውያንን ፕረዚደንት ናብ ጽገናዊ [ሪፎርሚስት] መንግስቲ ተሰጋጊራ ኣላ።
ኣብዚ ሓጺር እዋን፡ እዚ ክኸውን እዩ ኢሉ ዝገመተ ዳርጋ ኣይነበረን።
እቲ ብሰንበት ዝተመርጸ ማስዑድ ፐዘሽክያን፡ ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ናይ መወዳእታ ጽገናዊ መንግስቲ፡ ሚኒስተር ጥዕና እዩ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እዞም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ገደብ ተገይሩሎም ጸኒሑ።
ንባዕሉ ሚስተር ፐዘሽክያን ከይተረፈ ምቹእ ሕጹዮም ኰይኑ ኣይፈልጥን።
እንተዀነ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጸቢብ ዕድል ከም ዘለዎም ምስ ተረድኡ፡ ነተ መስርሕ ብምሉእ ሓይሎም ኣትዮምዎ።
ስለምንታይ እዩ ‘ስንባደ’ ኣስዒቡ ዘሎ?
ብመሰረት ቅዋም ኢራን፡ ኵሎም ሕጹያት ፕረዚደንት በቲ ሓያል ‘ዓቃቢ ባይቶ’ ተመርሚሮም ክሓልፉ ኣለዎም።
እዚ ኣካል ድማ፡ ኣንጻር እቲ ካብ 1997 ክሳብ 2005 ኣብ ስልጣን ዝነበረ ጽገናዊ መንግስቲ ምዃኑ ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ሰለስተ መረጻታት፡ ኵሎም ላዕለዎት ሕጹያቶም በቲ ባይቶ ብጉልባብ ሕጽረት ብቕዓት ከምዝተኣለዩን፡ ብሰፊሑ ዘይፍለጡ ኣባላቶም ጥራይ ኣብቲ መድረኽ ክሳተፉ ጥራይ ይፍቀደሎም ከምዝነበረ ከማርሩ ጸኒሖም እዮም።
ስለዚ ኣብቲ ዘይምዕሩይ-ሜዳ፡ ኣንጻር ዓቃባውያን መነሓንሕቶም፡ ኣብቲ መረጻታት ክዕወቱ ኣይከኣሉን ነይሮም።
ፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ራይሲ፡ ኣብዚ ዓመት ብ19 ግንቦት ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ብዙሓት ተመሳሳሊ ተርእዮ ተጸብዮም ነይሮም።
እቲ 'ዓቃቢ ባይቶ’ ውጽኢት መርመራ ብ9 ሰነ ድሕሪ ምግላጹ እውን እንተዀነ፡ ጕጅለ ጽግና ጽቡቕ ውጽኢት ክረኽቡ ዝነበሮም ትፅቢት ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ።
ማስዑድ ፔዘሽክያን፡ ካብቶም ዝያዳ ዓቃባውያን ዝዀኑን፡ ተሪር ስርዓት እስላማዊ ስነ-ሓሳብ ዝድግፉን ሽዱሽተ ፖለቲካዊ ‘ፕሪንሲፕሊስት’፡ ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘሰጉም እንኮ ሕጹይ’ዩ ነይሩ።
ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ዓሊ ኻመይኒ፡ ንእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ኣዝዩ ቀረባኦም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ‘ፕሪንሲፕሊስትስ’ ንጽገና ካብ ስልጣን ብኸመይ ከርሕቕዎም ከም ከምዝጸንሑ'ውን ሕቡእ ኣይኰነን።
እዚ ኵነት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን “ሆሞጀናይዜሽን” [ሓደነት]ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝተዋደደ መስርሕ ኰይኑ፡ ዝዀነ ንኻመይኒ ዘይድግፍ ሰብ ብብጾቱ ዓቃባውያን ብኸመይ ከም ዝተተክአ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ድማ ርኡይ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ 2009 ጽገናውያን እቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምትላል ዝመልኦ ከምዝዀነ ምስ ኣወጁ፡ ሚልዮናት ናብ አደባባይ ወጺኦም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ሓለዋ ሰውራን የማናይ ጐድኑ ዝዀነ ሚሊሻ “ባሲጅ”ን ነዚ ተቓውሞታት ብሓይሊ ጨፍሊቘምዎ።
ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኢብራሂም ራይሲ ምስ ተዓወተ፡ ገለ ተንተንቲ እቲ ኵነት ከምዘብቀዐ ደምዲሞም ነይሮም።
ዝዀነ ኣብ “እስላማዊት ሪፓብሊክ” ኢራን ዝርከብ ኣካል፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ነቲ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዝድገፉ ዓቃባውያንን ወዲቑ፤ ሕጂ ንነብሶም ‘ግንባር ሰውራ’ ኢሎም ይጽውዑ።
ሚስተር ራይሲ ምስ ኻሚኒ ተመሳሳሊ መልክዕ ነይርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታቱ ምስቲ ኻመይኒ ወትሩ ዝጣበቐሉ ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ፤ ማለት ኣብ ርእሰ-ምርኰሳ ዝተመርኰዘ ቍጠባን፣ ናብ ጸግዒ ምብራቕ ዝጥምትን ኰይኑ-ምስ ቻይናን ሩስያን ኣዝዩ ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድና ምህላው ማለት እዩ።
ብርግጽ ዝያዳ “እስላማዊ” ገደባት ኣብ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ዓንዲ ፖሊሲታቶም ኰይኑ፣ እዚ ማለት ድማ ዝያዳ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጭቁን ማለት'ውን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበረት መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምማታ፡ ኣብ ኢራን ኣንጻር መላእ ስርዓት “እስላማዊት ሪፓብሊክ” ዝዓበየ ህዝባዊ ተቓውሞ ምውላዑ ዝዝከር እዩ።
ካብቶም ዕጡቓት ዝረኸብዎ ምላሽ፡ ካብቲ ኣብ 2009 ዝነበረ ዝያዳ ጉልበት ዝመልኦ እዩ ነይሩ
ብመሰረት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ጎደናታት ዝተኻየደ ተቓውሞታት፡ ልዕሊ 60 ትሕቲ 18 ዓመት ህጻናት ዝርከብዎም፡ ኣስታት 500 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ እዋን’ቲ ኣብ 2022-2023 ዝተኻየደ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞ፡ ኢንተርነት ተዓጽዩ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣስዒቡ፡ ብዙሓት መንእሰያት ተፈሪዶም፡ ካብ መንጐኦም ኣርባዕተ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም።
ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ዓፈና ኣብ ጐደናታት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ደው ኢሉ ነይሩ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበሩ ዓለማውያን ተቓወምቲ’ቲ ስርዓት፡ ኣብ ብርቱዕ ሕድሕዳዊ ንሕንሕን ዘይምርድዳእን ተሸሚሞም።
እቲ ስርዓት ኣብ 1979 ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ዝኸበደ ናይ ህላወ ሓደጋ ዝተጻወረ ይመስል።
ይዅን እምበር ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ማዕበል ህዝባዊ ተቓውሞታት ዝነበረ ህድኣት ኣብ ላዕሊ ዘንጸላለወ እዩ ነይሩ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ከቢድ ጭቆና ዝወለደዶ ቍጥዐ፡ ቍጠባዊ ቅልውላው ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምንጪ ዘይዕግበት’ዩ ነይሩ።
ስለዝዀነ፡ ዜና ምውዳቕ ፕረዚደንት ነበር ምስ መጸ፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ነቲ ስርዓት ዘፍርሖ ነገር ይመስል።
እቲ መስርሕ፡ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ሰባትን ተቓወምትን - ተዓዋቲ ኖቤል ናርገስ መሓማዲ [እሱር] ዝርከቦም ብዙሓት ኣገደስቲ ሰባት ዘለዉዎ - ድምጾም ዘስምዕሉ ሰላማዊ መድረኽ ዝዀነ ይመስል።
ብፍላይ ድማ ከም በዓል ፕረዚደንት ነበር፡ መሓመድ ኻታሚ፡ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰባት [ኣባላት ጕጅለ ጽገና] – ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኽተልዎ ዝነበረ ታክቲክ መልክዑ ቀዪሮም፡ ንማስዑድ ብውዕዉዕ ስምዒት ክድግፍዎ ወሲኖም።
በዚ ድማ እቲ መረጻ ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጐ እቶም ድምጾም ክህቡ ዝላበዉን ክዘርጕ ዝደልዩን ዝግበር ባእሲ ኰይኑ።
እቲ ውጽኢት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ዝዀነ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝወሓደ ብዝሒ መረጽቲ ዝተርአየሉ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ኣስታት 40 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ድምጺ ሂቦም።
ክልተ ላዕለዎት ሕጹያት ድማ ንኻልኣይ ዙር መረጻ ሓሊፎም፡ ማስዑድ ፔዘሽክያንን ስዒድ ጃሊሊን።
ስዒድ ጃሊሊ፡ ፍሉጥ ተሪር-ዓቀባዊ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ክሳብ 2013 ዋና ተዛታዪ ኒዩክለር ኢራን እዩ ነይሩ።
ዋላ’ኳ ሚስተር ጃሊሊ፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ምስ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኣይሳነን ዝብልን፡ ብዛዕባ ቅንዕና እቲ መረጻ ከይተረፈ ሕቶ የቕርብ እንተሎን፡ ዝሓለፈት ሰንበት ሚስተር ፐዘሽክያን ሓድሽ ምሩጽ ፕረዚደንት ኢራን ገይራ ንዓለም ኣፍሊጣ እያ።
ንሱ፡ ዳርጋ ንህይወት ኵሉ ኢራናውያን ዝጸሉ ፖሊሲታት ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ቃል ዝኣተወ ሰብኣይ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ ቀንዲ ደጋፊት ሓማስ ብምንባራ፡ ብፍላይ ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ብምጥቃም፡ ንረብሓታት እስራኤልን ምዕራባውያንን ንምጉዳእ፡ መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ክትዘርግ ጸኒሓ እያ።
ፐዘሽክያን ዝኣተዎ ቃል
ሕመረት ስትራተጂ ምርጫ ሚስተር ፐዘሽክያን፡ ዓቃባውያንን ጸረ-ምዕራባውያንን ፖሊሲ ወጻኢኦምን ምጥቃዕ’ዩ ነይሩ።
ጐድኒ ጐድኒ እቲ ዝተሓላለኸ መርበብ ፖለቲከኛታት ጽገና፡ ንመሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ዝተባህለ ኣብ 2015 ንቀንዲ ስምምዕ ንኒዩክለራዊ ዝርርብ ዝድግፍ ዝነበረ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ክኸውን ሓርዩዎ።
ሚስተር ዛሪፍ ንባዕሉ ‘ጽገናዊ’ እኳ እንተዘይኰነ ካብቲ ህዱእ ኩርናዑ ወጺኡ፡ ኣብ ምሁሮን ፍልጠትን ተመስሪቱ ንሚስተር ፐዘሽክያን ከቢድ ጎስጓስ ኣካይዱሉ።
ሚስተር ፐዘሽክያን፡ ንሚስተር ዛሪፍ ኣብ ጓድኑ ኣሰሊፉ፡ ኣብ ማኒፌስቶኡ ፖሊሲ ወጻኢኡ “ጸረ ምዕራብ፡ ጸረ ምብራቕ እውን ከምዘይከውን” ኣዊጁ።
ክልቲኦም ሰባት ንፖሊሲታት ራይሲ ነታ ሃገር ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ዝወሰደ ብምንቃፍ፡ ነቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ክፈትሕ ዝኽእል ጕጅለ ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ተዛሪቦም።
ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብምዝርራብ፡ ምስ ኒዩክለራዊ ዛዕባታት ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዝርርብ ንምፍታሕን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንምቅላልን ቃል ኣትዮም።
እቲ ካልእ ሕጹይ ይዅን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ነዚ ሓሳባት እዚ ነቒፎሞ።
ኻመይኒ፡ ነቶም ምስ ኣመሪካ ዝያዳ ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ብምፍጣር ብልጽግና ንምምጻእ ዝኣምኑ ሰባት፡ “መደናገርቲ” ክብል ነቒፉዎም።
ኣመሪካ ዝሰሓበትሉ ስምምዕ ኒዩክለር ኢራን ብምጥቃስ እዩ ክምኡ ኢሉ።
ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዘለዎ ኣረኣእያ ድማ፡ ብሰንኪ ሕገ መንግስታዊ ስልጣንን ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘለዎ ውልቃዊ ተገዳስነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ሚስተር ፐዘሽክያን፡ ሓደ ፕረዚደንት ካብቲ ኣብ ፖለቲካዊ መሓውር ኢራን ዘሎ ፖሊሲ ወጻኢ ዳግማይ ናይ ምቕያር ስልጣን ስለዘይብሉ ኣብ ጐስጓሱ ርኡይ ብድሆ ኣጋጢምዎ።
ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ መዳያት ፖሊሲታት ኢራን ፡ ስልጣን ሓይሊ ቁድስ (ናይ ደገ ሓይሊ ሰውራ) እዩ።
ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ይዅን ቀጥታዊ ቍጽጽር ስለዘይብሉ፡ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎምን ዘይብሎምን ክውስን ዝኽእል ላዕለዋይ መራሒ ጥራይ እዩ።
ሚስተር ኻመይኒ፡ ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ ቀዳማይ ዙርያ ናይዚ መረጻ ምዝዛም ከይተረፈ፡ ሓይሊ ቅዱስ ዝገብሮ ንሰረተ እምነት ጸጥታ እታ ሃገር ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



