ቅድሚ 44 ዓመት ምስ ዝተሰረቐት ጓላ ዝተራኸበት ኣደ

ኣደን ጓልን

ምንጪ ስእሊ, News1

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሃን ተሱን፡ ንጓላ ክትዝክር ከላ ኣእምሮኣ ንመወዳእታ ግዜ ናብ 1975 ይመልሳ።

ንጓላ ኩንጋ ናብ ዕዳጋ ምሳኣ ክትከይድ ትሓታ።

እንተዀነ፡ ጓላ ምስ መሓዙታ ክትጻወት ስለ ዝደለየት ምስኣ ዕዳጋ ኣይከደትን።

ድሕሪ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣደን ጓልን ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ዓይኒ ንዓይኒ ተራእየን ኣይፈልጣን።

ኩንጋ ምስ ኣዲኣ ዝተላለየት ምስ ዓበየት ጥራይ እዩ።

ሎሪ ቤንደር ተባሂላ፤ ኣመሪካዊት ዜጋ ኰይና።

ኩንጋ ካብ ገዝኣ ተጨውያ፤ ናብ መዕበዪ ህጻናት ተወሲዳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ግዒዛ።

ኣማኢት ሰባት ብዛዕባ ምትላል፣ ዘይሕጋዊ ምውሳድ ቆልዑ፣ ጭውያ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት መርመራ ክካየድ ክጠልቡ ፀኒሖም።

ካብዚኦም ሓንቲ ሃን እያ።

ደቡብ ኮርያ ኣካታዒ ስርዓት 'መዕበያ-ቆልዑ' [ኣዶፕሽን] ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብ 1950ታት ስርዓት መዕበያ ካብ ዝጅመር ንሓር፡ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ንህጻናት ናብ ወጻኢ ሃገራት ብበዝሒ ዝሰደደት ሃገር የላን።

ካብ 170,000 ክሳብ 200,000 ዝኾኑ ህጻናት ናብ መዕበዪ ህጻናት ተላኢኾም፡ መብዛሕትኦም ናብ ምዕራባውያን ሃገራት።

ኣብታ ሃገር፡ ነቲ መስርሕ ብዘይምክትታልን፡ ናይ ብሕቲ ትካላት ብጅምላ ቆልዑ ከግዕዙ ብምፍቃድን ኩሎም ነታ ሃገር ዝመርሑ መንግስታት ይንቀፉ።

ሃን ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, News1

ንሃገር ትኸስስ ዘላ ኣደ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣዲኣ ሃን ንመንግስቲ ደቡብ ኮርያ ትኸስስ ኣላ።

ሃን ነቲ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ከተቕርቦ እያ።

እዚ ንተወሳኺ መርመራን ካልኦት ክስታትን በሪ ከም ዝኸፍት ይግመት።

ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ውልቀሰብ፡ ኣብ 2019 ናይ መጀመርታ ኣብ ማእከል መዕበዪ ቆልዓ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ዕላዊ ክሲ እዩ።

ሃን ድማ፡ ክሲ ዘቕረበት ናይ መጀመርታ ስጋዊት-ኣደ ክትከውን እያ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ደቡብ ኮርያ "ኣብ መንጐ ወለድን ውላዶምን፤ ንነዊሕ እዋን ክራኸቡ ዘይምኽኣሎም ዝፈጠሮ ስምዒታዊ በሰላ፡ ልቢ ዝሰብር'ዩ" ብምባል ይቕሬታ ከምዝሓትት መልሲ ሂቡ።

እታ ጓል 71 ዓመት ኣደ፡ ነቲ እተቕርቦ ዘላ ክሲ ስዒቡ፡ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ትደሊ።

"ንጓለይይ ን44 ዓመታት ክእልሽ ፀኒሐ፡ ኣእምሮይን ኣካላተይን ተጎዲኡ'ዩ። ይቕሬታ ​​ዝሓተተኒ ሰብ ግን የለን" ትብል።

ሃንን በዓል ቤታን ንጓሎም ካብ ዝደልዩ ዓመታት ኣቑጺሮም እዮም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደበር ፖሊስን መዕቆቢ ዘኽታማትን ብምኻድ ስእሊ ጓሎም ብምልጣፍ ደኺሞም።

"ዓሰርተ ፅፍሪ እግረይ ክሳብ ዝስእን፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎደና እደልያ ነይረ" ትብል እታ ኣደ።

ኣብ 1990 ኣብ ተለቪዥን ቀሪባ ነዚ ዛንታኣ ድሕሪ ምክፋላ፡ ምስ ሓንቲ ጓላ ክትከውን እኽእል እያ ዝተብሃለት መንእሰይ ተራኺባ፡ እንተዀነ እታ መንእሰይ ንሳ ከምዘይኮነት ተነገራ።

ካብ ደቡብ ኮርያ ዝመቦቀሎም ህጻናት ዘርኢ-ሓረግ [ጀኒቲካዊ] ቅምሶ ዝህቡሉ '325 ካርማ' ኣብ ዝተባህለ ገጽ ተመዝጊባ።

ኣብ 2019 ግን ድኻማ ፍረ ከፍሪ ጀሚሩ።

ምስ ናይ ሃን ዝመሳሰል ዘርኢ-ሓረግ ዘለዋ ሰበይቲ ኣብ ካሊፎርንያ ተረኺባ።

ሎሪ እትበሃል ነርስ እያ ነዚ በጺሓትሉ።

ድሕሪ ብዙሕ ጻውዒታት ቴለፎን፡ ምስ ሚስ ሃን ንምርኻብ ናብ ሴኡል ነፊራ።

ንሳ፡ ምስ ኣዲኣ ተመሳሳሊ ሓረግ ከም ዘለዋ ምስተረጋገጸ ድማ ናብ ሴኡል በሪራ።

"ን30 ዓመታት ሰራሒት ፀጉሪ ርእሲ ኮይነ ሰሪሐ እየ። ጸጉራ ምስ ተንከፍኩ ጓለይ ምዃና እፈልጥ እየ" ትብል ሃን።

ንጓላ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተራኸበት ይቕሬታ ​​ሓቲታ።

ወለዳ ጓሎም ንዓመታት ክደልይዋ ከም ዝጸንሑ ከይፈለጠት፡ ከመይ ክርብሻ ከምዝኽእል ተስተንትን ነይራ።

ኩንጋ ምስ ኣዲኣ ምስ ተራኸበት ንርእሳ ክትቈፃፀር ኣይከኣለትን ነይራ። ክልቲአን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብንብዓት ዓይነን ተሓፂቡ።

"ልበይ ንዓመታት ጐደሎ እዩ ነይሩ። ሕጂ ጥራይ እዩ ልበይ ምሉእ ኮይኑ ተፀጊኑ። ምሉእ ሰብ ኮይነ ኣለኹ" ትብል።

ኣደን ጓልን ድሕሪ 44 ዓመት ብዛዕባ እቲ ኩንጋ ዝተሰርቀትላ መዓልቲ ክዛረባ ክኢለን።

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Korean

ኩንጋ ብኸመይ እያ ተሰሪቓ?

ኩንጋ ኣብ ዝተጨውየትሉ እዋን፡ ጓል 6 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።

እናተጻወተት ከላ ሓንቲ ሰበይቲ ቅርብ ኢላ፡ ንኣዲኣ ከም እትፈልጣ ነጊራ ናብ መደበር ባቡር ወሰደታ።

ሽዑ ፖሊስ ተቐቢሎም ናብ መዕበዪ ህጻናት ኣእተውዋ።

ካብኡ ድማ ናብ ቨርጂንያ ኣመሪካ ተወሲዳ ኣብኡ ዓብያ።

ድሕሪ ዓመታት እያ፡ ኣብ መዕበዪ ህጻናት ተደርብያ ከምዝተረኽበት ዝገልጽ ሰነዳት ናይ ሓሶት ምዃኑ ዝፈለጠት።

"ናይ ሓሶት ህይወት እየ ዝነብር ነይረ" ትብል እታ ጓላ።

ኣደን ጓልን ድሕሪ 44 ዓመት እኳ እንተተራኸባ፡ ካብ ደቡብ ኮርያ ዝተወስዱ ገና ምስ ወለዶም ዘይተራኸቡ ብዝሖም ብንፁር ዝፍለጥ ኣይኮነን።

ኣብታ ሃገር ምውሳድ ቆልዑ ፈለማ ውላድ ክወልዱ ንዘይኽእሉ መጻምድቲ ንምሕጋዝ ብዝብል እዩ ተጀሚሩ። ዋላ እኳ ነቲ ስርሒት ብሕታዊ ትካላት ይቆጻጸርዎ እንተነበሩ፡ መንግስቲ እውን ቁጽጽር ኣይገበረን።

ኣብ 1985 ጥራይ 8,800 ህጻናት ንመዕበዪ ህጻናት ተዋሂቦም።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብሰንኪ ምንካይ መጠን ወሊድ ቆልዑ ምውሳድ [ምስራቕ] ልሙድ ነገር እዩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ጎደናታት እውን ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ኣትዮም ክዓብዩ ተገይሮም።

ገለ ወለዲ ደቆም ከም ዝሓመሙን ከም ዝሞቱን እኳ እንተተነግሮም፡ ገና ኣተውሓጠሎምን።

ብዘይ ፍቓድ ወለዲ፡ ቆልዑ ንምውሳድ ናይ ሓሶት ሰነዳት ይዳሎ።

እቶም ቆልዑ ብዛዕባ ወለዶም እንተሓቲቶም፡ ወለዶም ከም ዝሞቱ ወይ ንማእከል መዕበዪ ከም ዝሃብዎም ይንገሮም።

ንመሰል ኣብ ማእከል-መዕበያ ዝባፅሑ ቆልዑ ዝሰርሕ ትካል ዝመስረተ ሃን ቡንዮንግ፡ "መንግስቲ ጭካነ እዩ ፈፂሙልና። ተጨዊና ናይ ሓሶት ሰነዳት ሒዝና ኢና ነቢርና። እዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ዩ። ገበነኛታት ክቕጽዑን ፍትሒ ክወሃቦምን ኣለዎ" ይብል ።

ቀንዲ ተሓተትትን ተግበርትን ውልቂ ትካላት እንተዀና'ኳ፡ መንግስቲ እውን ልዑል ተራ ከምዝተጻወተ ክኢላታት ሕጊ ይዛረቡ።

ሃን ጓላ እኳ እንተረኸበት ገና ፍትሒ ትሓትት ኣላ።

"ጓለይ እንተረብኩ'ውን፡ ብሓቂ ዝረኸብክዋ ኮይኑ ኣይስምዓንን'ዩ። ምሉእ ህይወተይ ኣብ ጭንቂ ኣሕለፈዮ። ዝኾነ ይኹን መጠን ገንዘብ ነቲ ዝኸሰርክዎ ህይወተይ ካሕሳ ኣይኮነንን" ትብል።