ጀርመን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈሩ ‘ዕሉላት’ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ካብቶም ዝተኣስሩ እቶም ሓሙሽተ "ኣዝዮም ተደለይቲ ዝነበሩ" ይርከብዎም።

ምንጪ ስእሊ, EUROPOL

ፖሊስ፡ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ካብ ዝንቀሳቐሱ ዕሉላት ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር፡ ምስ ንኣሽቱ ጀላቡኦም ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

እቲ ብፖሊስ ጀርመን፡ ፈረንሳን ቤልጅየምን ንሓደ ዓመት ድሕሪ ዝቐጸለ ወፍሪ፡ 19 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ 28 ቦታታት ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ሰባት ዝመልኣ ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ሞተርን ናይ ህይወት ኣድሕን ቬስትን ተረኺበን።

ዩሮፖል፡ እቲ ጕጅለ መዓልታዊ ሸሞንተ መራኽብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምልኣኽ ዓቕሚ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ካብቶም ዝተኣስሩ እቶም ሓሙሽተ "ኣዝዮም ተደለይቲ ዝነበሩ" ይርከብዎም።

ካብ መንጐኦም ድማ እቲ ዕሉል መራሒ ጕጅለን "ቀንዲ ወደብትን" ይርከብዎም።

እቲ መርበብ፡ ኩርዳውያን፡ ዒራቓውያንን ሶርያውያንን ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ካብ ቱርኪ ክሳብ ቻይና ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ከምዝረኸበን ብኣውራኡ ኣብ ጀርመን ከምዝሰርሕን መርመርቲ ብሓሙስ ገሊጾም።

እተን ጀላቡ ብሰሜናዊ ፈረንሳ ኣቢለን ዝጓዓዛ ኰይነን፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ከባቢ ካለይ ተበጊሰን ናብ ደቡባዊ ገማግም ዓባይ ብሪጣንያ ዘምርሓ እየን።

ዩሮፖል፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ሓንቲ 10 ሰባት እትጽዕን ጃልባ ክሳብ 55 ሰባት ልዕሊ ዓቐን ከም ዝጽዕኑወን፡ ንሓደ ካብ 1000 ክሳብ 3000 ዩሮ ከም ዘክፍሉን ገሊጹ።

እቲ ትካል ነቲ ዘካየዶ ስርሒት "ኣዝዩ ሞያዊነት ዝተመልኦ" ክብል ብምንኣድ፡ ብውሑዱ ምስ 55 መሳገሪ ቦታታት ዝተኣሳሰር ስርሒት ከምዝዀነ ሓቢሩ።

"ንገበናዊ መርበብ ዝኸውን ፋይናንሳውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ዘመሓድሩ ውልቀሰባት" ብዝምልከት መርመራታት ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።

ካብ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብጃልባ መትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ምጉዳል ቍጽሪ መሳገሪታት ሓደ ካብ ቀንዲ ዝወሰዶም ስጕምቲ ኰይኑ፡ እቲ መጠን ምስግጋር ኣብ መንጐ 2022ን 2023ን ብ36% ከምዝነከየ ይዛረብ።