እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝሞተን ዝተተክአን መራሒኡ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) መራሒኡ ነበር ኣቡ ኣልሓሰን ኣልሓሸሚ ኣልቝረይሺ ከም ዝሞተ ኣፍሊጡ።
እዚ ሓይሊ እዚ ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ዝተፈለላየ ከባቢታት ዒራቕን ሶርያን ገና መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣፈኛኡ ብድምጺ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ መራሒኦም ነቶም "ጸላእቲ ኣምላኽ" ኢሉ ዝጸውዖም ሓይልታት እናተዋግአ ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ። ኣበይን መዓስን ከምዝሞተ ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ነጻ ሰራዊት ሶርያ ዝተባህለ ሓይሊ ብዘካየዶ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ኣልሓሰን ኣልሓሸሚ ዝነበረ መራሒ እስላማዊ መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ነብሱ ፈንጂሩ ሞይቱ።
እቲ ኣፈኛ፡ መተካእታኡ እቲ ኣብ ሕዳር ዝሞተ መራሒኦም፡ ኣቡ ኣልሑሴን ኣልሑስኒ ኣልቝረይሺ ከምዝተሰየመ ሓቢሩ።
እቲ ኣፈኛ ከም ወትሩ ሓቀኛ ስሙን መንነቱን ካብ ምግላጽ ተቐጢቡ ኣሎ፤ ድሕረ ባይታኡ እውን ኣይገለጸን።
ንኣቡ ኣልሑሴን፡ "ሓደ ካብ ገዲም ተጋዳላይ ሙጃሂዲን" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ንደገፍቲ እቲ ጕጅለ ድማ፡ ንዕኡ እሙናት ከም ዝዀኑ ቃል ክኣትዉ ተማሕጺንዎም እዩ።
እቲ ኣፈኛ፡ ንኣቡ ኣልሑሴን - እዚ ሓድሽ መራሒ - ካብቶም “ስሙያት ተጋደልቲ፡ (ሙጃሂዲን) እዩ” ብምባል፡ ደገፍቱ ተኣማምነቶም ከርእዩ ጸዊዑ።
እቲ ሞይቱ ዝበሃል ዘሎ ኣቡ ኣልሓሰን፡ ብዝሙ ዝዀነ መግለጺ ከውጽእ ተሰሚዑ ስለዘይፈልጥ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
ይዅን እምበር ትማሊ ሰኑይ፡ ኣንጻር ISIL ዝዓዪን ንኣልቓዒዳ ዝድግፍ መስመር ቴለግራም፡ እቲ መራሒ "ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን" ከም ዝተቐትለ ገሊጹ’ሎ።
ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ንሓያሎ መራሕቲ እስላማዊ መንግስቲ ብህይወቶም ከምዝሓዙ ይገልጽ።
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ሕጂ ከም መራሒ ተሰምዩ ዘሎ ኣቡ ኣልሓሰን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ እትርከብ ደርዓ እትበሃል ከተማ፡ ብነጻ ሰራዊት ሶርያ ከም እተቐትለ ሓቢሩ።
እቲ ንሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለ ጠርኒፉ ከም ጽላል ዝቘመ ነጻ ሰራዊት ሶርያ ዝበሃል ሓይሊ፡ ኣብ ውግእ ሓድሕድ እታ ሃገር ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ክድምስስ ዝደሊ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኣሜሪካ ከም ዘይተሳተፉ ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣፈኛ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ፡ ጆን ኪርቢ፡ " ሓደ መራሒ [ISIS] ነበር ደጊም ኣብ ገጽ ምድሪ ብህይወቱ ኣይክንቀሳቐስን እዩ ንዝብል ብስራት ብሓጐስ ኢና እንቕበሎ" ኢሉ።
ሓደ እዋን ኣይሲስ፡ ካብ ምብራቓዊ ዒራቕ ክሳብ ምዕራባዊ ሶርያ ኣብ ዝዝርጋሕ 88,000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር፡ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ህዝቢ ዘስካሕክሕ መግዛእቲ ኣኸቲሉ እዩ።
እቲ ጕጅለ ኣብ 2019 ካብቲ ንመወዳእታ ሒዙዎ ዝነበረ ግዝኣት እኳ እንተተደፍአ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጕጅለ ቀጻሊ ስግኣት ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ኣጠንቂቝ ነይሩ።
ኣይሲስ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ 6,000 ክሳዕ 10,000 ዝዀኑ ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ እዩ ዝግመት።
መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ኰይኖም፡ ናይ ጽርግያ ፈንጂታት ይቐብሩን፡ ቀጻሊ ድብያታት ብምክያድ ኣጥቂዖም ይስወሩን።
ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ኣይሲስ እውን ካልእ ተወሳኺ ስግኣት ከምዝፈጥሩ ይፍለጥ።
ይዅን እምበር ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣዝዮም ሓያላትን ጽኑዕ መሰረት ዘለዎምን መርበባት እቲ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልን ኣብ ጫድን ከም ዝርከቡ ይሕብር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



