ኢራቕ፡ ቁጽሪ ኣብ ባቕዳድ ብኣይ ኤስ ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራቕ ከተማ ባቕዳድ ንዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ጀሃዳዊ ጉጀለ ኣይኤስ ከምዝፈጸሞን ነቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉን ተፈሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 32 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ሰባት ኸኣ ብኸቢድን ብፎኵስን ቆሲሎም።
እቲ መጥቃዕቲ ንሽዓ ሙስሊም ዝዓለመ ምንባሩ ካብ ጉጅለ ዳዕሽ ዝተውሃበ መግለጺ የነጽር።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተፈጸሙ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ እቲ ዝሓየለ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።
ነቲ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ኣብ ታያራን ስኴር ኣብ ዝብሃል ልባስ ክዳውንቲ ዝሸየጠሉ ዕሙር ኣደባባይ ብምኻድ ኣብ ሞንጎ እቲ እኩብ ሰብ ኮይኖም'ዮም ፈጺሞምዎ።
ኣይኤስ ኣብ 2017 ካብ ከባቢ ባቕዳድ ዝርከባ ዞባታት ተሳዒሩ ምስ ወጽአ፡ ኣብ ባቕዳድ ዝፍጸም ዝነበረ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዳርጋ ቅሂሙ ነይሩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣይኤስ ኣብ ምዕራብ ሶርያን ምብረቅ ኢራቕን ኣስታት 88,000 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ብምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ 8 ሚልዮን ሰባት ኣሰቃቒ ዝኾነ ሕግታት የስገድድ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ዋላ እኳ ተሳዒሩ'ዩ እንተተባሃለ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ልዕሊ 10,000 ዕጡቓት ኣይኤስ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም ብሓሙስ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ እቲ ሓደ ዝሓመመ መሲሉ ምስ ወደቀ ሰባት ዕጉግ ምስ በልዎ ነቲ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ተፈንጃሪ ከምዝፈንጀሮ መግለጺ ሚኒስትሪ ውሸጣዊ ጉዳያት ዒራቕ የነጽር።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ሓሚመ ኢሉ ዝወደቐ ሰብ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ገለ ትጥወቅ ነገር ምስ ጠወቃ ብርቱዕ ድምጺ ተሰሚዑ፡ ኣካላት ናይቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ፈቀድኡ ዛሕ ኢሉ"ኢሉ።
እቲ ካልኣይ ኸኣ፡ ሰባት ነቶም ዝተሃረሙ ንምሕጋዝ ምስ ተኣከቡ ምስኦም ተጸጊዑ ንኻልኦት ለኪሙ ንነብሱ ከምዝፈደንጀራ መግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዒራቕ የብርህ።
መሰካኽር ዓይኒ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ምስ ፎኰሰ፡ እታ ዕሙር ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ዝካየደላ ታያራን ስኴር ኣዝያ ዓሚራ ምንባሩ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ጥሪ 2018 ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 35 ከምዝሞቱ ይዝከር።
ፕረዚደንት ዒራቕ ብርሃም ሳልሕ ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ መንግስቲ ኣንጻር እቶም ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ዘካይዱ ደው ከምዝብል ገሊጹ።
ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available