ፌስቡክ፡ ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ጽላኣት ዘረባን ብኸመይ ይቆጻጸር?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብዚ እዋን ውልቀሰባት ብጽሑፍ፣ ምስልን ስእልን ዝተሰነዩ ዜናታትን መረዳእታታትን ዘሕልፍሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
በዚ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራትን ኣህጉራትን ብቐሊሉ ሓበሬታታት ክዝርግሑን ናብ ብዙሓት ክበጽሑን ገይሩ።
እንተኾነ፡ ብልክዕ እቶም ነዞም መራኸቢ መገዲታት ንፍልጠትን ጽቡቕ ነገራትን ዝጥቀሙሎም፡ ስኑዕ ሓበሬታ፣ ጽላኣት፣ ፍርሕን ጥርጣረን ዝፈጥሩን ንድሕነት ሰባት ሓደገኛ ዝኾኑን መልእኽቲታት ዘመሓላልፉ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ብዙሓት እዮም።
ነዚ ንምክልኻል ድማ ወነንቲ እዞም ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካሎም ካብቶም ዘይምዕሩያት መልእኽቲታት ነጻ ንምግባር ናይ ኣጠቓቕማ ደንቢ ኣውጺኦም ክቆጻጸሩዎ ይጽዕሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ንድሕነት ሰባት ጎዳእቲ ዝኾኑ ስኑዓትን ናይ ጽላኣት ዘረባታትን ዘቃልሑ ተጠቀምቲ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ንምውሳድ ይግደዱ ኣለው።
ፌስቡክ
ፌስቡክ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ብዘጣየሶም ማእከላት ኣቢሉ፡ ስኑዓት ወይድማ ናይ ጽልኣት ዝበሎም ልዕሊ 22 ሚልዮን ሓበሬታታት ኣጥፊኡ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ኬንያ ብዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፌስቡክ፡ ንቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ምብራቕ ኣፍሪካ ይከታተል።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ብውሑድ ሓደ ጊዜ ፌስቡክ ዝጥቀሙ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ከም ዘለዉ ጸብጻብ 'ሪ ኣር ሶሻል'ን ፌስቡክን የመልክት፡፡
ሓላፊት ፖሊሲ ማሕበራዊ ጉዳያት ፌስቡክ ሜርሲ ኢንዴጊዋ ''ኢትዮጵያ ንፌስቡክ ዓብዪ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዕዳጋ ዘለዋ ሃገር እያ'' ትብል።
ፌስቡክ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ እትገልጽ ሜርሲ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜናን ካልኦት ሓበሬታታትን ንምርካብ ናብቲ ገጽ ከም ዝመጽኡ ትዛረብ፡፡
"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተጠቀምቲ ኣብ ናትና ገጽ ግዜኦም ከመይ የሕልፉ? ኢንተርኔት ኣብ ዘይጥቀሙሉ እዋን እንታይ ዓይነት ባህሪ የርእዩ? ኣብ ዝብል እውን ትኹረት ንገብር ኢና'' ኢላ።
እዚ ማለት ድማ ናይ ጽላኣት ዘረባ፣ ስኑዕ ሓበሬታን ካልኦትን ንምቁጸጻርን መፍትሒ ንምሃብን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝጥቀሙ ውልቀ ሰባት ዝልጥፉዎም መረዳእታታት ከም ዝተሰረዞም ብተደጋጋሚ ቅርታ የቕርቡ እዮም፡፡
ገሊኦም ፌስቡክ ንሓደ ወገን ጥራሕ ዘገልግል እዩ ኢሎም እንትነቕፉዎ፤ ገሊኦም ድማ ብምኽንያት መንነቶም ትኹረት ኣብ ዓይኒ ከም ዝኣተው ይኣምኑ።
ፌስቡክ፡ ብቢልዮን ዝቑጸሩ ስኑዓት ሓበሬታታት፣ ናይ ጽላኣት ዘረባታት ከምኡ እውን መንነት መሰረት ዝገበሩ ሓበሬታታት እንትጥቅዑ ብኸመይ ይቆጻጸሮም?
ሓደ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ፌስቡክ ዘቐመጦ ማሕበረሰባዊ መለክዒ (ኮሚዩኒቲ ስታንዳርድ) ዝጥሕስ ጽሕፉ እንተኾይኑ፡ ከም ዝስረዝ ኣብቲ ትካል ሓላፊት ጉዳይ ትሕዝቶ (ኮንቴንት ፕሪንሲፕል) ፈድዛይ ማድዚንጊራ ትገልጽ፡፡
እዞም መለክዒታት ኣብ ፌስቡክ ብግልጺ ተቐሚጦም ዝርከቡ ስለዝኾኑ ዝኾነ ሰብ ከንብቦም ከም ዝኽእል እትገልጽ እታ ሓላፊት፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት ኣብቲ መተግበሪ ተዘርዚሮም ከም ዘለዉ ትዛረብ፡፡
"ንሳቶም ድማ ኣብ 26 ዓበይቲ ኣርእስታት ተኸፋፊሎም ዝርከቡ እዮም፤ ክትርእዮም ዝህውኹ (ግራፊክ ኮንቴንት) ክሳብ ናይ ጽልኣት ዘረባ ብዝርዝር ዝሓዘ እዩ። ዕላማ ፖሊሲ ዘረባ ጽልኣት ፌስቡክ ድማ ናይ ሰባት መንነት መሰረት ገይሮም ዝጥቀዕዑ ሓሬታታት ምስራዝ እዩ'' ትብል፡፡
ብተወሳኺ ሰባት፡ ብምኽንያት ብመንነቶም ምፍርራሕ ንከይበጽሖም ንምክልካል ምዃኑ ተረድእ።
ሓደ ሓበሬታ ካብ ፌስቡክ ዝእለየሉ ቅድመ ኩነት እንትተብርህ ድማ "ንኣብት ኣነ ናይ ዙምባብወ ዜጋ እየ፡፡ ሓደ መረዳእታ ኣነ ካብ ዙምባብወ ስለ ዝመጻኹ ወይ ጸላም ስለ ዝኾንኩ፡ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾንኩ ዘፈራረሐኒ ወይ ወይ ናይ ጽላኣት ዘረባ ዝልጥፍ እንተኾይኑ ይስረዝ'' ትብል፡፡
ዝኾነ ሰብ ከመልክት ይኽእል እዩ
ዝኾነ ተጠቃሚ ፌስቡክ ብዛዕባ ኣብ ፌስቡክ ዝረኸቦ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ሪፖርት ክገብር ይኽእል እዩ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ከምኡ ክንገብር ከም ዘይንኽእል'ዮም ዝሓስቡ" ዝበለት እታ ሓላፊት፡ ብዛዕባ ሓደ ሓበሬታ ወይ'ውን ውልቀሰብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሪፖርት ምግባር ከም ዝክኣል ትገልጽ።
እዚ፡ ብሸነኽ የማን ናብ ዝርከቡ ሰለስተ ነጠብጣባት ብምኻድ ብቐሊሉ ክትኣልዮ ዝከኣል እዩ።
እዚኦም፡ ምምልካት ናብ ዝከኣለሎም መስርሓት እዮም ዝወስዱ። ፌስቡክ ድማ በዚ ደረጃ ኣቢሉ ይበጽሖ።
እቲ ዝተላእኸለ መረዳእታ ናይ ኮምዩኒቲ ስታንዳርድ ዘየኽብር እንድሕር ኮይኑ ይስረዝ ማለት እዩ።
እቲ ዘመልከተ ሰብ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ከም ዝተዘሰረዘ ዝሕብር መልእኽቲ ይበጽሖ።
ፌስቡክ ኣብ መላእ ዓለም ስርሖም እዚ ዝኾነ ሰባት 'ሪቪወርስ' ዝተባህለ ጉጅለ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ጉጅለ 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለው።
"ካብዚኦም ሓደ ሰብ፡ ብዛዕባ ሓደ መረዳእታ ሕቶ ክቐትበሎ ከሎ ምስ ፖሊሲ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ብምዝማድ እቲ መልእኽቲ ክስረዝ ይገብር" ትብል ፈድዛይ ማድዚንጊራ።
ፌስቡክ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነዚ ስራሕቲ ዝዓመሉ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይሮቢ ኣለዎ።
ተዛረብቲ ቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛ፣ ስዋሂሊን ሶማልኛን ዝኾኑ ሰባት ቖጺሩ ድማ ይሰርሕ ኣሎ።
ካልእ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዘልዕሉዎ ጉዳይ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝጥቃዕ ሓበሬታ ንክስረዝ ብዝሒ ሕቶ ዘቕርቡ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ድዩ፤ ወይስ ነቲ ሕጊ ዘየኽበረ ጥራሕ ምዃኑ እኹል'ዩ? ዝብል እዩ።
ፈድዛይ ማድዚንጊራ ከምዚ ትብል።
ገለ ሰባት፡ እዚ ጽሑፍ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ'ዩ ዘለዎ ኢሎም ዋላ ሓደ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ዘይተመሓላለፈ ጽሑፍ ክስረዝ ሕቶ የቕርቡ እዮም።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓሓሊፉ ብዙሕ ሪፖርታት ንረክብ ኢና። እዚ ግን ዝልውጦ ነገር የለን።
ሓደ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ዘየኽበረ ጽሑፍ ንክስረዝ ናይ ሓደ ሰብ ሕቶ ጥራሕ እኹል እዩ።
ካብዚ ወጻእ ግን፡ ተጠቀምቲ'ውን ጽሑፍኪ/ ጽሑፍካ ተሰሪዙ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዝበጽሖም፡ ናተይ ጽሑፍ ዝጻብኦ ሕጊ የለን ኢሎም ይግባኝ ክብሉ ይኽእሉ እዮም።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ጽሑፍ ፌስቡክ መሊሱ ክጥቅዖ ክግደድ ይኽእል እዩ ብማለት ተረድእ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available